ቶክዮ ንፈለማ ግዜ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 4,000 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

ብተወሳኺ ፡ ኣብ ማለዥያን ታይላንድን ፡ ብቀዳም ኣብ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ - 17,786 ከምኡ'ውን 18,912 መልከፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ ።

People wearing face masks to protect against the spread of the coronavirus walk on the street in Tokyo

東京疫情嚴峻,首日確診數字破4000. Source: AP

ኦሎምፒክ ተአንግድ ዘላ ከተማታት ቶክዮ ፡ ከምኡ "ውን ታይላንድን ማለዥያን ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊበን።

ሰብ መዚ ከተማ ቶክዮ ብቀዳም ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት 4,058 መልከፍቲ ከም እተረኽበ ፡ እዚ ከኣ ልዕሊ 4,000 መልከከቲ ንፈለማ ግዜ ከም ዝዀነ ኣፍሊጦም። ወደብቲ ኦሎምፒክ ከምዝገልጽዎ 21 ሓደስቲ ኮቪድ-19 ምስቲ ውድድር ዝተሓሓዝ መልከፍቲ ምዃኑ ብምግላጽ ፡ እዚ ድማ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ምስዚ ዝተሓሓዝ ናብ 241 መልከፍቲ ክብ ኢሉ ኣሎ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ፡ ጃፓን ንቶክዮ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ድሕሪ ምዝርግሓ እዩ ።
ሓንቲ ኣብ ዓንኬል'ዚ ሕማም ኮይና ዘላ ማሌዥያ ፡ ቀዳም 17,786 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም እተለኽፉ ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ሓቢራ ።

ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኩዋላ ሉምፑር ተኣኪቦም ፡ መንግስቲ ነቲ ለበዳ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ዕግበት ከም ዘይስምዖም ብምግላጽ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙህዪዲን ያሲን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም።

ሰልፈኛታት፡ ጸሊም ሰንደቕ ዕላማ ሒዞም ፡ "ኬራጃን ጋጋል" (ዝፈሸለ መንግስቲ) ዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንኣዋርሕ ክጋዋሕ ዝጸንሐ ማሕተማት ሒዞም ነበሩ ።
A protester hold placard during the Lawan demonstration near the Independence Square in Kuala Lumpur, Saturday, July 31, 2021.
A protester hold placard during the Lawan demonstration near the Independence Square in Kuala Lumpur, Saturday, July 31, 2021. Source: AP
ታይላንድ መዓልታዊ 18,912 ሓደስቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዝጊባ ፡ ብድምር ኣብታ ሃገር ዘሎ መልከፍቲ ናብ 597,287 ክብ ኢሉ።

ብዘይካዚ ፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ 178 ሓደስቲ ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ ብድምር 4,857 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ ።

እቲ መንግስቲ ከምዝገለጾ እቲ ደልታ ዝበሃል ዓይነት ኮሮና ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ናይ 'ቲ ዘሎ መልከፍቲ ከምኡ' ውን 80 ሚኢታዊት ናይ 'ቲ ኣብ' ዚ እዋን 'ዚ ኣብ ባንግኮክ ዝተራእየ እዩ ።

ቻይና ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ናንጂንግ ብከምዚ መልከፍቲ እተራእየ ምስፍሕፋሕ ደልታ እውን ትቃለስ ኣላ ፡

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ዓለም መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብ80 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ገሊፆም ።


Share
Published 31 July 2021 10:44pm
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends