ኦሎምፒክ ተአንግድ ዘላ ከተማታት ቶክዮ ፡ ከምኡ "ውን ታይላንድን ማለዥያን ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣመዝጊበን።
ሰብ መዚ ከተማ ቶክዮ ብቀዳም ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት 4,058 መልከፍቲ ከም እተረኽበ ፡ እዚ ከኣ ልዕሊ 4,000 መልከከቲ ንፈለማ ግዜ ከም ዝዀነ ኣፍሊጦም። ወደብቲ ኦሎምፒክ ከምዝገልጽዎ 21 ሓደስቲ ኮቪድ-19 ምስቲ ውድድር ዝተሓሓዝ መልከፍቲ ምዃኑ ብምግላጽ ፡ እዚ ድማ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ምስዚ ዝተሓሓዝ ናብ 241 መልከፍቲ ክብ ኢሉ ኣሎ።
እዚ ጸብጻብ እዚ ፡ ጃፓን ንቶክዮ ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ድሕሪ ምዝርግሓ እዩ ።
ሓንቲ ኣብ ዓንኬል'ዚ ሕማም ኮይና ዘላ ማሌዥያ ፡ ቀዳም 17,786 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም እተለኽፉ ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብተራእየ ብዝሒ መልከፍቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ሓቢራ ።
ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኩዋላ ሉምፑር ተኣኪቦም ፡ መንግስቲ ነቲ ለበዳ ኣብ ኣተሓሕዛኡ ዕግበት ከም ዘይስምዖም ብምግላጽ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሙህዪዲን ያሲን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም።
ሰልፈኛታት፡ ጸሊም ሰንደቕ ዕላማ ሒዞም ፡ "ኬራጃን ጋጋል" (ዝፈሸለ መንግስቲ) ዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንኣዋርሕ ክጋዋሕ ዝጸንሐ ማሕተማት ሒዞም ነበሩ ።
ታይላንድ መዓልታዊ 18,912 ሓደስቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዝጊባ ፡ ብድምር ኣብታ ሃገር ዘሎ መልከፍቲ ናብ 597,287 ክብ ኢሉ።

A protester hold placard during the Lawan demonstration near the Independence Square in Kuala Lumpur, Saturday, July 31, 2021. Source: AP
ብዘይካዚ ፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ 178 ሓደስቲ ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ኣብ መዓልቲ ድማ ብድምር 4,857 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ ።
እቲ መንግስቲ ከምዝገለጾ እቲ ደልታ ዝበሃል ዓይነት ኮሮና ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ናይ 'ቲ ዘሎ መልከፍቲ ከምኡ' ውን 80 ሚኢታዊት ናይ 'ቲ ኣብ' ዚ እዋን 'ዚ ኣብ ባንግኮክ ዝተራእየ እዩ ።
ቻይና ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ናንጂንግ ብከምዚ መልከፍቲ እተራእየ ምስፍሕፋሕ ደልታ እውን ትቃለስ ኣላ ፡
ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ዓለም መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብ80 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ገሊፆም ።