ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብዓጸቦ ንዝርከቡ ህጻናት ዝኸውን ከይተረፈ ዝተኸዘነ ምግቢ ኸስቢ ዘሪፎም ወሲዶም ንዝብል ክሲ ነጺጎም።
እዚ ዝመጸ፡ ኣፈኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ፡ "ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኮምቦልቻ ዝነበረ መኽዘን ብዕጡቓት ትግራይን ብ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ህዝብን ተሰሪቑ" ድሕሪ ምባሉ እዩ ።
"ብዙሕ እኽሊ ፡ እንተላይ ንቖልዑ ዝኸውን እተመጣጠነ ምግቢ " ከም እተሰርቀ ገለጸ ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ መወዳእታ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ እዚ "መሰረት ዘይብሉ ክስታት" እዩ ኢሉ።
"ኣብ ኮምቦልቻ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ሓይልታት ትግራይ ነቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ሰባት ዝዓለመ ረድኤት ዘሪፎም" ዮም "ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: እቲ ቀረብ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ተኸዚኑ ዝነበረ ምዃኑ ገሊጹ ።
ኣብ ክንዳኡስ ፡ "ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብፍላይ ከኣ ትካል መግቢ ዓለም WFP ፡" ሰብኣዊ ረድኤት ብምዕዳል ፡ "ኣእጋሩ ጐቲቱ" ብምባል ህወሓት ኸሰሱ።
"ረድኤት ዝህቡ ትካላት 'ምስቲ ዘለዎም ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ሓላፍነት ክዓሙ ብዘይምኽኣሎም" : - ሓይልታትና ካብታ ከተማ ክወጹ ምስ ጀመሩ: ኣብ መኽዘን ዝነበረ ረድኤት በቶም ነበርቲ ክስረቕ ቀሊል ክኸውን ክኢሉ ። "
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ስትራተጅያዊ መንገዲ ንዝርከባ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ህወሓት ከምዝመንዝዐን ገሊጹ ።
ሓይሊታት ትግራይ ነዘን ከተማታት ዝገደፍወን ከም ኣካል ስትራተጂያዊ ምስሕሓብ ገምዃኑ ይዛረቡ ።
እቲ ንልዕሊ 13 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ፡ 9.4 ሚልዮን ሰባት "ኣብ ጽንኩር ኵነታት ጥምየት" ከም ዝኣተዉ ው.ሕ.ሃ. ይገልጽ ።
ው.ሕ.ሃ. ከም ዝሕብሮ ኣብ ትግራይ 5.2 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት መግቢ የድልዮም ኣሎ: 534,000 ኣብ ዓፋር: 3.7 ሚልዮን ድማ ኣብ ኣምሓራ ኣለዉ ።