ጥሜት ትግራይ: ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ኣለው ዝብል ክሲ ነጺግዎ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣውስትራልያ ምስ SBS ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ፡ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዞባ ዝወጽእ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ መወዳድርቲ የብሉን ይብል ።

Ethiopia's Ambassador to Australia, Dr Muktar Kedir Abdu

Ethiopia's ambassador to Australia, Dr Muktar Kedir Abdu Source: SBS News

ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራሊያ ነቲ ናይ ጥሜት ክሲ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ መሳርሒ ኲናት ኮይኑ የገልግል ኣሎ ዝበሃል ጌጋዩ ብምባል ነጺግዎ ኣሎ ።

እቲ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉ ኣገዲዱ እዩ ።

ቀዳማይ ሚኒስተርን ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤልን ኣብዪ ኣሕመድ ምምሕዳሩ ግን ኣህጉራዊ መድረኽ ንዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ብነቐፌታ ክዋረድ እዩ ጸኒሑ ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ጥሜት ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት እዩ ዘሎ: ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለታት ረድኤትን ብዘካየድዎ ትንተናታት: ኣብ ትግራይ ልዕሊ 350,000 ሰባት ኣብ ዓጸቦ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ ።

እንተኾነ ናይ ኢትዮጵያ ሰበ ስልጣን ከም በዓል ሙኽታር ከዲር ዓብዱ ናይ እታ ሃገር ኣምባሳደር ኣብ ኣውስትራሊያ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ናይ መግቢ ረድኤት ኮነ ኢልካ ምኽልካሉ ነፂጎምዎ ኣለው ።

ዶ/ር ዓብዱ ን SBS ዜና "እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሙሉ ዝብል ክሲ ፈጺሙ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን መሰረት ዘይብሉን እዩ" ኢሉ ።
Ethiopian women hold out sacks to receive portions of split peas after it was distributed in the town of Agula, Tigray, May 8, 2021.
Ethiopian women hold out sacks to receive portions of split peas after it was distributed in the town of Agula, Tigray, May 8, 2021. Source: AP
ንሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ብብዝሒ ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት የውፍር ኣሎ" ፡ እዚ ድማ ብሚልዮናት ዶላራት ንመግቢ ሓገዝ ፡ ከምኡ "ውን ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ብምትሕብባር ነቲ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ ።" ኢሉ።

" በቲ ሓደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገዛእ ዜጋታቱ ጥሜት ከም ኣጽዋር ኲናት ይጥቀም ከም ዘሎ: በቲ ሓደ ወገን ግና መንግስቲ ነዚ ኵሉ ገንዘቡን ጻዕሩን ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት የውዕሎ ከም ዘሎ ከመይ ገይሩ ኣብ መጎት ክመጽእ ይኽእል ?"

ዶ/ር ዓብዱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብዚ ወርሒ' ዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጉጅለታት ረድኤትን ምንትንታነ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ'ውን ኣይሰማምዓሉን' ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ፡ ትግራይ ናይ ክልል ምርጫ ድሕሪ ምክያዳ መንግስቲ ነቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ፡ ድሕሪ ምባሉ'ዩ ።

ሚስተር ኣቢይ ን ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ዝኾነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምእላይ ሰራዊት ሰዲዱ ። ኤርትራውያን ወተሃደራትን ናይ ኣምሓራ ሚሊሻታትን ናብቲ ቃልሲ ተጸምቢሮም ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ፡ ከቢድ መግሃስቲ ሰብኣዊ ድሕሪ ምውራዶም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ ኣሎ።

ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ ብኹሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት "ከቢድ ምግሃስ መሰላት" ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ብምቕራብ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ነይሩ ።



ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኮምሽን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ፡ ብዛዕባቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ጃምላዊ ግፍዕን ፡ መቕተልትን ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ትግራይ ዓሌታዊ ምጽናት ናይ ምጽራይ መስርሕ ጀሚሩ ኣሎ ።

እንተኾነ ገለ ሰባት ነቲ መንግስቲ ዝውንኖ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቶ ኣእትዮም ፡ ኣብ ክንድኡ ው.ሕ.ሃ. ብገዛእ ርእሱ ክምርመር ይጽውዑ ።

ዶ/ር ዓብዱ እዚ ኣድላይነት የብሉን ድሕሪ ምባል መንግስቲ "ኣራሚ ስጉምቲ" ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ።

"ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ምስ ዓለም-ለኻዊ ትካላት ንምትሕብባር ድልው እዩ" ኢሉ ።

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካንበራ

ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ኣውስትራሊያ ማሕበረሰብ ናብ ካንቤራ ከይዶም ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ዝዓበየ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም ።

ክብሮም በላይ ዝበሃል ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንእሰይ ኣብቲ ኣብ ቤት ፓርላማ ዝቐረበ 'ሕቡእ ጃምላዊ ቅትለት " ዝበሃል ኤግዚቪሽን ንኽካፈል ካብ መልበርን ተጓዕዙ ።

ምስ ኤስቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ፡ ነታ ብ2012 ዝሓደጋ ዓዱ ኽገልጻ ከሎ ፡ ድምጹ ኣንቀጥቀጠ ።

"ካብቲ ብህይወት ዘሕለፍክዎ 18 ዓመት: ዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ ዝኸበደ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

"ሓወቦይን ሸውዓተ ደቂ ሓትኖይን በዚ ኲናት ሲኢነ ። ብወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቲሎም ኣለዉ ። "
Kibrom Belay
Kibrom Belay Source: SBS News
ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈት ሳሮን ብርሃነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስድራቤታ መግቢ ንምርካብ ኣብ ጸገም ኣለዉ ኢላ ።

"ብዙሓት ኣባላት ስድራ ቤት በቲ ኣብ ልዕሊ ንብረት: መሬት: ማል ዝወርደ ጃምላዊ ቅትለትን ዕንወትን ተጸልዮም እዮም" ኢላ ።

"ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓቱ ሰባት ከም ዝሕተቱ ዝገብር እምነት የብለይን" በለት ። "ኣብ ኢትዮጵያ ብሓይልታት ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ጃምላዊ ቅትለት ይፍጸም ከም ዘሎ እቲ መርትዖ ንጹር ይመስለኒ" ኢላ።

ኣርእስቲ [node] = "ንሞራ" ኡዩድ = "ኢፍ84366-b136-47-952f-f49868cb04"]

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ማሪዝ ፓይነ፡ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት "ኣዚያ ትሻቐል እያ" ኢላ ።

ንሳ ን SBS ዜና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ቀልጢፎም ክወጹን ናብ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይዕንቅፋት ክቐርብ፡ ጻውዒትና ነቕርብ ።"

ኣባል ፓርላማ ፒተር ካሊል ግን መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዲፕሎማስያዊ ስጉምትታትክደፍኣሉ ኣለዎ ኢሉ ይሓስብ ።

"ኣውስትራልያ ከም ማእከላይ ስልጣንን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ዴሞክራትስን ብምዃና ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብዝግበር ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ሓላፍነት ኣለዋ" ኢሉ።


ምስ AFP ።


Share

Published

By Tys Occhiuzzi
Presented by Beyene Weldegiorgis


Share this with family and friends