ኣብ ጋዛ ዝግበር ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ይቕጽል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዓለም ብኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተቓዉሞ የስምዕ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ትገብሮ ዘላ ደብዳብ ንሻድሻይ ተኸታታሊ መዓልቲ ቀጺልሉ ኣብዘሎ እዋን ፣ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ፡ መዓስከር ስደተኛታት ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ፡ ሸሞንተ ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ ፡ ከምኡውን ኣልጀዚራን ኣሶሼት ፕረስ ዝርከብዎ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ማዕከናት ዜና ፡ ተሓምሺሹ ኣሎ ። ንፍልስጢኤማዊያን ዝድግፍ ኣብ ከተማታት ኣውስትራሊያ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ውዒሉ።

Large crowds gather at Sydney Town Hall to protest against escalating violence between Israel and Palestinian militants in Gaza.

A large crowd gathered at Sydney's Town Hall for the protest. Source: SBS News/Abbie O'Brien

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ተኣኪቦም ንናቅባ ኸብዕልዎ ከለዉ ፡ ነቲ ኣብ ጋዛ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጽ ሰልፊታት ክገብሩ ዊዒሎም።

እቲ ብ1948 እስራኤል ከም ሃገር ድሕሪ ምፍጣራ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም እተሰጕጉሉ፡ ናቕባ ተባሂሉ ይፍለጥ።

ብቀዳም ፡ ኣብ ሲድኒ ፡ መልበርን ፡ ኣደላይድን ካንቤራን ፡ ሰላማዊ ሰልፊን ዝኽርን ተኻይዱ።
Pro-Palestinian protesters at Sydney's Town Hall on Saturday
Pro-Palestinian protesters at Sydney's Town Hall on Saturday Source: SBS News
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ እስራኤል "ኣድላዪ ኽሳዕ ዝዀነ" ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕታ ክትቅጽል ምዃና ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ቀዳም ፍልስጤማውያን ኣንጻር እቲ ኣብ ምዕራብ ባንክ እተታሕዘ ቦታታት ብምትእኽኻብ ነቲ ብ እስራኤል ዝቕጽል ዘሎ ሰፈራንን ነቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ተቓወምኦም ኣስሚዖም ።

 

ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ፡ 41 ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 145 ፍልስጤማውያን ኣብ  ጋዛ ተቐቲሎም ፡ ኣስታት 950 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ። ኣብቲ እተታሕዘ ዌስት ባንክ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብውሕዱ 13 ፍልስጤማውያን ቀቲሎም ኣለዉ ።

 

ኣብ እስራኤል እውን እንተ ወሓደ 10 ሰባት ተቐቲሎም ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ ብቀዳም  ክልተ ሰባት ሞይቶም እዮም ። ሰራዊት እስራኤል ከምዝገለጾ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸር ሮኬታት ካብ ጋዛ ናብ እተፈላለየ ቦታታት እስራኤል ከም እተተኮሰን ኣብ ጥቓ እቲ እተሓጽረ ኣኻውሕ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ከምተዳለወን ገሊጹ።

 


News
Source: AAP


ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ኣብያተ-ትምህርቲ እስራኤል ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት ክዕቆቡ ይኣትዉ ኣለዉ ።

ኮሚተ ርክብ ወጻኢ ጕዳያት ላዕለዋይ ባይቶ: ብዛዕባ ሞት ሲቪል ተሓታትነት ክህል ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ጕዳያት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "ሰበ-ስልጣን እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝወርድ ጕድኣት ንምንካይ ዝገብርዎ መጥቃዕትታት ኣቐዲሞም መጠንቀቕታ ብምሃብ ፡ ሕልና ዘልዎ  ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም" ኢሉ።

"እስራኤል ካብ ናይ ዓለም ካርታ ንምድምሳስ ሓሲቦም መጥቃዕቲ  ዝፈጸምዋ ኣሸበርቲ ናይ ምክልኻል መሰል እኳ እንተ ሃለዋ ፡ እቲ ንሲቪላዊ ቅትለት ጠንቂ ዝዀነን ንመራኸቢ ብዙሃን ዘጥፍአን ተግባራት ግን ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲነት ክህሉ ኣሎ።" ክብል ገሊጹ።

With AFP.


Share
Published 16 May 2021 10:00am
By SBS News
Source: SBS News


Share this with family and friends