ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ተኣኪቦም ንናቅባ ኸብዕልዎ ከለዉ ፡ ነቲ ኣብ ጋዛ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕቲ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጽ ሰልፊታት ክገብሩ ዊዒሎም።
እቲ ብ1948 እስራኤል ከም ሃገር ድሕሪ ምፍጣራ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም እተሰጕጉሉ፡ ናቕባ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ብቀዳም ፡ ኣብ ሲድኒ ፡ መልበርን ፡ ኣደላይድን ካንቤራን ፡ ሰላማዊ ሰልፊን ዝኽርን ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ እስራኤል "ኣድላዪ ኽሳዕ ዝዀነ" ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕታ ክትቅጽል ምዃና ገሊጹ።

Pro-Palestinian protesters at Sydney's Town Hall on Saturday Source: SBS News
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ቀዳም ፍልስጤማውያን ኣንጻር እቲ ኣብ ምዕራብ ባንክ እተታሕዘ ቦታታት ብምትእኽኻብ ነቲ ብ እስራኤል ዝቕጽል ዘሎ ሰፈራንን ነቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ተቓወምኦም ኣስሚዖም ።
ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ፡ 41 ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 145 ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ፡ ኣስታት 950 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ። ኣብቲ እተታሕዘ ዌስት ባንክ ፡ ሓይልታት እስራኤል ብውሕዱ 13 ፍልስጤማውያን ቀቲሎም ኣለዉ ።
ኣብ እስራኤል እውን እንተ ወሓደ 10 ሰባት ተቐቲሎም ዝተቐትሉ ኮይኖም፣ ብቀዳም ክልተ ሰባት ሞይቶም እዮም ። ሰራዊት እስራኤል ከምዝገለጾ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸር ሮኬታት ካብ ጋዛ ናብ እተፈላለየ ቦታታት እስራኤል ከም እተተኮሰን ኣብ ጥቓ እቲ እተሓጽረ ኣኻውሕ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ከምተዳለወን ገሊጹ።

Source: AAP
ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ኣብያተ-ትምህርቲ እስራኤል ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ስድራ ቤታት ክዕቆቡ ይኣትዉ ኣለዉ ።
ኮሚተ ርክብ ወጻኢ ጕዳያት ላዕለዋይ ባይቶ: ብዛዕባ ሞት ሲቪል ተሓታትነት ክህል ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኮሚተ ርክባት ወጻኢ ጕዳያት ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "ሰበ-ስልጣን እስራኤል ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝወርድ ጕድኣት ንምንካይ ዝገብርዎ መጥቃዕትታት ኣቐዲሞም መጠንቀቕታ ብምሃብ ፡ ሕልና ዘልዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም" ኢሉ።
"እስራኤል ካብ ናይ ዓለም ካርታ ንምድምሳስ ሓሲቦም መጥቃዕቲ ዝፈጸምዋ ኣሸበርቲ ናይ ምክልኻል መሰል እኳ እንተ ሃለዋ ፡ እቲ ንሲቪላዊ ቅትለት ጠንቂ ዝዀነን ንመራኸቢ ብዙሃን ዘጥፍአን ተግባራት ግን ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲነት ክህሉ ኣሎ።" ክብል ገሊጹ።
With AFP.