ኣሻሓት ጃፓንውያን ዶክቶራት ዉድድራት ኦሎምፒክ ከይካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም፡

ማሕበረሰብ ሕክምና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኦሎምፒክ ቶክዮ ክስረዝ ጻውዒት የሐይል ኣሎ ።

Protesters hold up banners during an anti-Olympics rally in Tokyo's Ginza district.

Protesters hold up banners during an anti-Olympics rally in Tokyo's Ginza district. Source: AAP

ሓደ ላዕለዋይ ትካል ሕክምና ነቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ኦሎምፒክ ክስርዞ ዘቐርብ ዘሎ ጻውዒት ክብደት ወሲኽሉ ኣሎ ፡ ምኽንያቱ ሆስፒታላት እታ ሃገር ቅድሚ ምጅማር እቲ ውድድር ካብ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ እዩ ።

ማሕበር ሓካይም ሕክምና ቶክዮ ንኣስታት 6,000 ዝኸውን መባእታዊ ክንክን ሓካይም ከም ዝወከለ ዝገለጹ እቶም ኣብታ ኣአንጋዲት ከተማ ዝርከባ ሆስፒታላት ብሰንኪ ብዝሒ መልከፍቲ ሕሙማት መሊአን ኣለዋ።

"ሰበ-ስልጣን ጃፓን፡ ነቲ ኦሎምፒክ ምክያድ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነን ነቲ ጸወታታት ክስርዞ ንኢንተርናሽናል ኮሚተ ኦሎምፒክ ኬእምንዎ ኣትሪርና ንሓትት ኣለና" እቲ ማሕበር ብሰኑይ ናብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝለኣኾ ናይ 14 ግንቦት ክፉት ደብዳበ ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ዮሺሂደ ሱጋ ከም ዝጸሓፍ ገይሩ እዩ ።
Pedestrians cross a street in Tokyo on May 18, 2021, as Japan's economy contracted 1.3 percent in the three months to March
Pedestrians cross a street in Tokyo as Japan's economy contracted 1.3 percent in the three months to March after reimposed coronavirus restrictions in cities Source: AFP
ኣብ ገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ጃፓን ሕጽረት ሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣብ ሆስፒታልሕጽረታት ዓራውትን ምስ ዘጋጥም እቲ መልከፍቲ ኣዝዩ እዩ ዘተሓሳስብ: እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ቶክዮ ሳልሳይ ናይ ህጹጽ እዋን ድንገተኛ ኵነታት ከም ዝህሉ ዘግብር እዩ።

ሓካይም ኣብ ግዜ ሓጋይ ንዝደኸሙ ሕሙማት ናይ ምቅላስ ተወሳኺ ጸገም የጋጥሞም: ኦሎምፒክ እውን ሞት ከም ዝውስኽ እንተ ገይሩ: "ጃፓን ዝለዓለ ሓላፍነት ኽትስከም እያ" ብምባል ድማ ወሲኹ ገለጸ ።

ካልኦት ክኢላታት ጥዕናን ጕጅለታት ሕክምናን እውን ብዛዕባ ኦሎምፒክ ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ ከለዉ ፡ እቲ ጸወታታት ክስረዝ ዝጽውዕ ብኢንተርነት ዝግበር ጥርዓን ድማ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከቲሞምሉ ኣለዉ ።

ብሓፈሽኡ ጃፓን እቲ ብኻልኦት ሃገራት ዝመሓላለፍ ቫይረስ ካብ መልከፍቲ ናጻ እኳ እንተ ኰነት ፡ እቲ መንግስቲ ግን ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ዝሕቱል መስርሕ ክታበት ፡ ብዙሕ ነቐፌታ ይወርዶ ኣሎ ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ፡ ካብ ኣስታት 126 ሚልዮን ጃፓናዊያን ኣስታት 3.5 ሚእታዊትጥራይ እዩ ተኸቲቡ ።
Japan's Prime Minister Yoshihide Suga speaks to media at Prime Minister's Office in Tokyo on Nov.12, 2020.
Japan's Prime Minister Yoshihide Suga speaks to media at Prime Minister's Office in Tokyo on Nov.12, 2020. Source: Yomiuri Shimbun/AP
ነቲ ምስ ክታበታት ተተሓሒዙ ዝመጽእ ብድሆታት ብምጕላሕ ፡ ኣብ ቶክዮን ኦሳካን ፡ ናይ ምምዝጋብ መስርሕ ኣብ መጠነ ሰፊሕ ነቝጣታት እንተጀመርኳ፡ ብተክኒካዊ ምኽንያታት ተዓናቒፉዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱጋ ፡ ጃፓን ግቡእ ናይ ኮቪድ-19 ኣተሓሕዛ እናተኸተለት "ውሑስን ድሕነት ዝሓለወ ኦሎምፒክ" ከተአንግድ ከም እትኽእል ገሊጹ።

ን23 ሓምለ ናይ 8 ነሓሰ ጸወታታት ዝግበር ዝነበረ ምድላዋት ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ናይ ኮቪድ-19 ፕሮቶኮላት እዩ ተጌሩ ። ንኣብነት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት 420 ኣትሌታት መመርመራ ተጌሩ ።

እንተዀነ ግን: ብዙሕ ናይ ቅድመ-ኦሎምፒክ ነቑጣታት: እንተላይ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ሜዳ ጋንታን ስልጠና ተሰሪዙ እዩ: ኣትሌታት ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ለበዳ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸወታታት ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም ኣለዉ ።

ኣብ ኤሺያ ለብዒ ይውስኽ

እቲ ጸወታታት ናይ ኦሎምፒክ ብሰንኪ ለበዳ ሓንሳብ ተናዊሑ ኔሩ ።

ኣብ መላእ ኤሽያ እቲ ለብዒ እናወሰኸ ብምኻዱ፡ እቲ ብሰኑይ ኣብ ሲንጋፖር ክግበር ዝግብኦ ቊጠባዊ ፎረም ዓለም ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ መታዊ ኣኼባ ናይ መላእ ዓለም ከም ዝስረዝ ገበሮ ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጃፓን ዘሎ ህጹጽ ኵነታት ፡ ባራት ፡ ኣብያተ-መግቢ ፡ ካራቨልታን ካልኦት ንኣልኮላዊ መስተ ዘገልግሉ ቦታታትን ፡ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መሳለጥያታት ንሓጺር ሰዓታት ክኽፈታ ዝኽእላ እኳ እንተ ኰና ፡ ተዓጽየን ክጸንሓ እየን ።

ብዝሒ እቶም ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ሰባት ፡ ሰኑይ ናብ 3,680 ወሪዱ ፣ እዚ ካብ 26 ሚያዝያ ንነጀው ድማ እቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እዩ ነይሩ ፣ ይኹን እምበር ፡ ቍጽሪ እቶም ብኸቢድ እተለኽፉ ሰባት 1,235 ከምዝኾነ ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ብሰሉስ ሓቢሩ።

Share
Published 19 May 2021 11:11am
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends