ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት: ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ'ሞ ነታ ሃገር ዘናውጽ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ንእተቐትሉ መንእሰያት ንምዝካር፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሰልፊ ጌሮም።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተገብረ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ሲቪላዊያን መራሕቲን ናይ ሰራዊት ኣዘዝትን ነቲ ሲቪላዊ-ወተሃደራዊ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል ሓባራዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት እተገብረ ስምምዕ'ዩ: እዚ ቀንዲ ጠለብ ናይቶም ሰልፈኛታት እዩ።
መሰኻኽር ከምዝብልዎ ሰብኡት ፣ ኣንስትን ቆልዑን ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ርእሰ ከተማ ናብ ኣደባባይ ገጾም ኣብ ዘምርሑሉ እዋን ናይ ሱዳን ባንዴራታት የምበልብሉ ኔሮም።
እቶም ሰልፈኛታትናብቲ ኣደባባይ ኣብዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ነቲ ንነዊኅ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ውልቀ-መላኺ ዑመር ኣል-በሽር ንምእላይ፡ "ሲቪላዊ ምምሕዳር ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር!" ኢሎም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ናዕቢ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጭርሖታት ይጭድሩ ነበሩ፡ ንሱ ድማ፡ "ሲቪላዊ ምምሕዳር! ሲቪላዊ ምምሕዳር" "ሓርነት ፡ ሰላም ፡ ፍትሒ!"

Thousands of Sudanese have joined protests across the capital. But tensions remain high, even as a peace agreement is signed. Source: AP
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተገብረ ነቲ ካብ ቀንዲ ተቓወምቱ ጕጅለ ብዝቐረበ ጻውዒት እዩ።
ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቲ ሰላማዊ ሰልፊታት ነቶም ኣብ ታሕሳስ ንዝተሰውኡ ሰማእታት ሰውራ ንምዝካር እዩ" ።
ፖሊስ ናዕበኛታት ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ማእከላይ መደበር ኣውቶቡስ ንዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ።
"እቶም እተበተኑ ተቓወምቲ እንደገና ተኣኪቦም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ይፍትኑ ኣለዉ ። ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ጸጥታን ሰልፈኛታትን ከም ጸወታ ጭርጭር ዓበደ'ዩ ዘሎ" ክብል ሓደ ምስክር ካብታ ካብቲ ማእከላት መደበር ኣውቶቡስ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ሓደ ተዓዛቢ ከም ዝሓበሮ ፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣደባባይ ዝመጹ ሰባት ፡ ንኽብሪ እቶም ኣብቲ ተቓውሞ እተቐትሉ ሰባት ኢሎም ጭርሖታት ከስምዑ ከለዉ ብንብዓት ከም ይሕጸቡ ከምዝነበረ ገለጸ።
"ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንጠለባትና ምላሽ ስለ ዘይሃበ ፡ ነቲ ናይ ፈለማ ጠለባትና ሒዝና ኢና መጺእና። ክሳብ ጠለብና ዝማላእ ኣይንሕለልን ኢና " ብምባል ሻይማ ኣሕመድ ምስገለጸት እቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝነበሩ ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ደድሕሪኣ " ኣይንሕለልን ኢና " ክብሉ ተሰምዑ።
'ሕድገት ዝበሃል የለን '
እቲ ኣብ ታሕሳስ መጀመርታ ቃልሲ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ በሽር እተገብረ ዋጋ ናይ ባኒ ብሰለስተ ዕጽፊ ብምዕባዩ እዩ ተበጊሱ ።
እዚ ተቓውሞታት ብቕልጡፍ ናብ ናይ ምሉእ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዓብዩ ቀጺሉ እቲ ሰራዊት ንበሽር ከም ዝዓልዎ ገበረ ።
ኰይኑ ግና ፡ ተቓወምቲ ነቲ እቲ ስርዓት ምስ ወደቐ ነቲ ብ ወተሃደራዊ ካውንስል ዝጸንሐ ጸቕጢ ክቃወምዎ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ 3 ሰነ፡ ኣብ ካርቱም ንሰሙናት ዝኣክል ኣብ መንጎ ጀነራላትን ተቓወምትን ዝነበረ ውጥረት ድሕሪ ምዕባዩ፣ ብዙሓት ሰልፈኛታት ሞቱ ።

A Sudanese boy flashes the victory sign during the protest. Source: AP
ምስቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰር ሓደ ናይ ሓካይም ኮሚተ ኣብ መወዳእታ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ 19 ታሕሳስ ኣትሒዙ ተቓውሞታት ካብ ዝለዓል ጀሚሩ 246 ሰባት ከም እተቐትሉን፡ ብ3 ሰነ ጥራይ 127 ሰባት ከም እተቐትሉን ገሊጹ ።
እቲ ተቓውሞ ካብ ዝውላዕ ንነጀው ፡ 1,353 ሰባት ቈሲሎም እዮም ። እቶም ሰበስልጣን ግና እቲ ቁጽሪ ካብዚ ከምዝውሕድ'ዮም ዝገልጹ።
ብረቡዕ ፡ እቶም ተቓወምትን ጀነራላትን ኣብ መወዳእታ ፡ ነቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝቕጽል መሰጋገሪ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት መገዲ ዝጸርግ መሰጋገሪ ክግበር ተሰማሚዖም ።
እንተዀነ ግን: ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝተረፈ ጕዳያት ንምፍታሕ: እንተላይ ነቶም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ጀነራላት ናይ ምክልኻል መሰል ንምሃብ ወይ ንኸይወሃቡ ዝድግፍዎ ዝርርብ ዓርቢ ክቕጽል ተመዲቡ።
ካብ ኣብቲ ሰልፊ ዝነበሩ ሳፋ ሙዳዊ ኣብቲ ኣደባባይ ምስ በጽሐ ፡ "እቲ ኪዳን ንናጽነትን ለውጥን ብዙሕ ሕድገታት ገይሩ እዩ" በለት።
"ዝያዳ ሕድገታት ኸይገብሩ ኢና እንሓትቶም ዘለና" በለት ።
ካብቶም ሰልፈኛታት ኣማር ዙቤር ብወገኑ፡ እቲ ናይ ሓሙስ ሰልፊ ፡ "ኣብቲ ጽባሕ ዝግበር ኣኼባ ጸቕጢ ንምፍጣር" ምዃኑ ገለጹ።
"እዚ ነጸብራቕ ናይቲ ሰባት ዝሓትዎ ነገራት እዩ: እዚ ከኣ እቲ እተበጽሐ ስምምዕ ነቲ ኣብ ጐደናታት ዘሎ ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ" በለ ።
ሓሙስ እቶም ንተቓዉሞ ዝወጹ ሰልፈኛታት ካብ ግሪን ያርድ ተበቲኖም: ሓይሊታት ህጹጽ ደገፍ (Rapid Support Forces) ኣብቲ ኣደባባይ ብሰፊሑ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

Sudanese protesters calling for civil government Source: AP
"ወግዓዊ ምፍርራም ወይ ጽምብል ኣየድልዮን'ዩ እዚ ፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገ ምስምማዕ እዩ" ኢሉ ዓርቢ ክመያየጥ ጀሚሩ ።
ተቓወምቲ ሰልፈኛታት እቲ ጉዳይ ክናዋሕ ይሓቱ
ፈይሰል መሓመድ ሳልሕ ዝበሃል ፍሉጥ ሱዳናዊ ናይ ፖለቲካ ተንታኒ እዚ ናይ ረቡዕ ስምምዕ ፈጺምካ ኣየኸራኸረን ኢሉ ።
"ወግዓዊ ምፍርራም ወይ ጽምብል ኣየድልዮን'ዩ እዚ ፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ድንጋገ ምስምማዕ እዩ" ኢሉ ዓርቢ ክመያየጥ ጀሚሩ ።
ተቓወምቲ የደናጕዩ
እቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓውሞ ኣሕመድ ኣል-ራቢ ብሓሙስ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ነቲ ናይ ዓርቢ ዝርርብ ንኸናውሖ ክሓትት እዩ ኢሉ ።
"ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ዝያዳ ምይይጥ ምእንቲ ክግበር እዚ ይሕሰብ ኣሎ" በለ ።
እንተኾነ እተን ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ዝሳተፋ ዘለዋ ምዕራባዊያን ሃገራት ከም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ነርወይን ፣ ነቲ ናይ ፈለማ ርክብ ብሓጎስ ከምዝተቐበላኦንን እቲ ብሲቪል ዝምራሕ ምምሕዳር ብቕልጡፍ ክምስረት ከምዝጸውዐን ይፍለጥ ።
ንሶም ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "እቶም ወገናት ነቲ ካብ ታሕሳስ 2018 ጀሚሮም ብትብዓትን ብሰላምን ዝደልይዎ ምስ ሕገ-መንግስታዊ ስምምዕ ብቕልጡፍ ክድምድሙን ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርቱን ነተባብዖም ኢና" ኢሎም ።
"እቲ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንናይ ሱዳን ህዝቢ ሱዳን ናይ ግብረ-መልሲ ምሕደራ ፡ ሰላም ፡ ፍትሕን ምዕባለን ትምኒቱ ንምስኻዕ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበዮ" ።