ቀንዲ ነጥቢታት
- ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝዳነ ኩዕሶ እግሪ ክካየድ እዩ ።
- ፈረንሳዊት ስቴፋኒ ፍሪፓርት ትመርሖ ምድናይ ብተሓጋገዝታ ኖውዛ ባክን ካረን ዲያዝን ብምዃን እቲ ጸወታ ክዳነ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ንመጀመርታ ግዜ ብደቂ ኣንስትዮ ደያኑ ጥራይ ዝዳነ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ክካየድ እዩ ።
እዛ ጕጅለ ደያኑ ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ውድድር ስፖርት ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝካየድ ግጥም መጻረዪ ብዳኛ ፈረንሳዊት ስቴፋኒ ፍራፓርት ክትምራሕ እያ ።
ፍራፓርት ምስ ተሓጋጋዝታ ኖውዛ ባክ ናይ ብራዚልን ሜክሲካዊት ካረን ዲያዝ ኣብቲ ግጥም ክዳንያ ምዃነን ፊፋ ብረቡዕ ኣፍሊጡ ።
እተን ሰለስተ ደያኑ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ኣብ ጉጅለ E ኣብዝግበር ኣብ ጀርመንን ኮስታሪካን ወሳኒ ት ጸወታ ፡ ሓሙስ ምሸት (ዓርቢ ሰዓት 6 ፡ AEDT) ክዳንያ እየን ። ሓንቲ ነጥቢ ዘለዋ ጀርመን ፡ ናብ ዙር 16 ን ምብጻሕ ዕድል ክትገብር እንተኾይኑ ግድን ክትዕወት ኣለዋ። ኮስታ ሪካ እንተተዓዊታ ምሕላፋ ከተረጋግጽ እያ ።
ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ፡ ሓላፊ ፊፋ ፒርስሉጊ ኮሊና እተን ደያኑ ደቂ ኣንስትዮ ዝተመርጻ ብክእለተን ምዃኑ ተዛሪቡ ኔሩ ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣቐድም ኣቢሉ "ኣብዚ ዘለኸን ደቀንስትዮ ስለ ዝኾንክን ኣይኮንክንን ፤ እቲ ምኽንያቱ ናይ ፊፋ ዉድድራት ደያኑ ስለዝኾንክን እዩ ።" ኢሉ
ኮሊና ከምዝበሎ፡ ደያኑ ዝተመርጹ ፡ ኣብ እዋን ስልጠና ኣብ ደረጃ ብቕዓቶም ተመርኲሶም ከም ዝምረጹን ንዝዀነ ይኹን ግጥም ንምሽፋን ድሉዋት ክዀኑ ከም ዘለዎምን ገሊጹ ።
ፋርፌር ኣብ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ግጥም ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ሰበይቲ ኮይና ፡ ኣብ 2020 ኣብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሪሜር ክለብ ውድድር ንፈለማ ግዜኣ ጸወታ ከተካይድ ከላ ፡ ካብ 2019 ኣትሒዛ ድማ ናይ ፈረንሳይ ሊግን 1 ጸወታታት ዳንያ እያ።
ፍራፓርት ንውድድር ዩሮ 2020 ተሓጽያ እኳ እንተ ነበረት ፡ ግጥም ክትመርሕ ግን ኣይተመርጸን ።
ክልተ ካልኦት ኣብ ዋንጫ ዓለም ደያኑ ኮይነን ዝቐረባ ፡ ሩዋንዳዊት ሳሊማ ሙካንሳንጋን ናይ ጃፓን ዮሺሚ ያማሺታን ይርከባአን ።
"ኣብዚ ዘለና ክንህሉ ስለዝግባኣን ኢና መጺእና ። ኣብ ፈደረሽንና ወይ ኣብ ሃገርና ካልእ ደረጃ እዩ ፡ ስለዚ እዚ እቲ ዝዓበየ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ እዩ "ክትብል ሙካንሳንጋ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ምጅማሩ ኣብ ዶሃ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ ።
Watch every match of the FIFA World Cup 2022,