ኣብዚ ዝግለጻ ሃገራት ኮሮና ቫይረስ ከምዘይብለን ብወግዒ ዝገለጻ እየን፡ ብኸመይ ከምኡ ክኸውን ኪኢሉ?

ካምቦዲያ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዉሽጢ ዶባታ ጸራሪገዮ ኢላ ብወግዒ ካብ ዝገለጻ ዉሑዳት ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና ኣላ። እንተኾነ እዚ ሕቶ ዝኾኖም ኣለዉ።

Cambodia has officially declared itself coronavirus free.

Cambodia has officially declared itself coronavirus free. Source: EPA

ኣብ ኮምቦዲያ እቲ ናይ መወዳእታ ኮሮና ቫይረስ ዝነበሮ ሓደ ሰብ ኣብዝ ሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ሓውዩ ካብ ፈኖምፐንህ ካብ ሆስፒታል ተፋኒዩ፡ በዚ ድማ ኣብታ ሃገር እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ የለን።

እታ ደቡብ ኤሽያዊት ሃገር 122 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዝሞተ ግና ከምዘይነበራ ተገሊጹ ኔሩ እዩ።

ካምቦዲያ ሓንቲ ካብ ዉሑዳት ሃገራት (ዝበዝሓ ፓሲፊካዊያን ደሴታት) እንተኾነትኳ ሊ ሞርገንበሰር ኣብ ግርፊዝ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ለክቸረር ኮይኑ ብዛዕባ ካምቦዲያ ዘጽንዐዩ።  ብዛዕባቲ መንግስቲ ዝገልጾ ሕቶ ኣለዎ፡

“እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ዝሕሱን ዘታልልን ምዃኑ ኣብታሪኹ ብዙሕ ዝተሰነደ ኣሎ" ክብል ንSBS News ገሊጹ።

“እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝብሎ ነገር፡ ዘይቅበል ወይ ሓሶትዩ ዘብል ከምዘእስር ጌርዎ ኣሎ። ወጺእካ እዚ መንግስቲ ይሓሱ ኣሎ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
Experts have questions Cambodia's claim to be coronavirus free.
Source: AP
"ኣብታ ሃገር ነጻ ፕረስን ተቓዋሚ ሰልፊታት ስለዘየለዉ እቲ መንግስቲ ዝብሎ ንምጽራይ ኣይከኣልን እዩ። ምክትታል ስለዘይከኣለ፡ ነቲ እቲ መንግስቲ ዝሕስዎ ክብድህ ዝኽእል ኣካል የለን። ምስቲ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣነጻጺርካ ዝተገብረ መርመራ ሪኢኻ እታ ሃገር ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ኢልካ ምእዋጅ ኣይከኣልን እዩ።” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ካምቦዲያ ከምዝገለጾ ካብ 16 ሚሊዮን ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ 14,684 መርመራ ተጌርሎም ኣሎ።  ኣብ ኣውስትራሊያ 25 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዉ ኮይኖም ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን መርመራ ተጌሩ ኣሎ።

ኣሾሼት ፕሮፌሶር ፒተር ኣናር ካብ ዩኒቨርስቲ መልበርን ግና እቲ ካብ  ካምቦዲያ ዝቐርብ ዘሎ ስታትስቲክስ ከምናይ ዝኾነት ሃገር ክእመን ይኽእል'ዩ። በቲ መንግስቲ ኣቐዲሞ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነቲ ቫይረስ ስዒርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"ዝዓበየ ቁጠባ እታ ሃገር በዚ ተጎዲኡ እንተሎኳ፡ ኣቐዲሞም ካብ ወጻኢ በጻሕቲ ወጻእተኛታት ከይ ኣትውዎም ዶባቶም  ዓጽዮም እዮም። ብተወሳኺ ሓዲሽ ዓመት ከይበዓል ከልኪሎምን ናብ ክፍላተ ሃገር ዝግበር ጉዕዞታት ደው ከምዝብል ጌሮም እዮም።"

80 ሚእታዊ ህዝቢታ ሃገር ኣብቲ ጻዕቂ ዘይብሉ ገጠራት ዝነብር ምዃኑውን እቲ ካልእ ብልጫ እዩ ኢሉ።

ደሴታት ፓስፊክ ንኮሮና ቫይረስ ብዓውት ሲዒረናኦ እየን

ኪሪባቲ፡ ማርሻል ኣይላንድ፡ ማይክሮነዢያ፡ ናሩ፡ ፓላኦ፡ ሳሞዋ፡ ሶሎሞን ኣይላንድስ፡ ቶንጋ፡ ቱቫሉ ከምኡ'ውን ቫኑዋቱ ዛጊት ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘለወን ሪፖርት ዘይገበራ ናይ ፓሲቪክ ደሴታት ሃገራት እየን።

ብዙሓት ናይ ፓሲፊክ ሃገራት፡ ኮሮና ቫይረስ ከይኣትወን ኣቐዲመን እየን ወጻእተኛታት ከይ ኣትዉወን ዶባተን ረጊጠን። ማርሻል ኢይላንድ ን ኣብነት ካብ ቻይና ሰብ ከይኣትዋ ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዛ እያ ከልኪላ።

ተስ ኒውቶን ክኬን ኣብ ግርፊዝ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ናይ ኤሽያ እያ፡ እዘን ሃገራት ካብዚ ቫይረስ ነጻ ዝኾናሉ ክትገልጽከላ፥

“ገለ ሃገራት እዚ ቫይረስ ከይኣትወን ዝኸኣለ ዝተገለላ ምዃነን ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት በጻሕቲ የብለንን፡ ዋላ ነቶም ዉሑዳት ዝመጽወን ዝነበሩ ወጻእተኛታት ከይ ኣትዉ ቀልጢፈንየን ዶባተን ዓጽየን።"  ክትብል ንSBS News ገሊጻ።

“መብዛሕተአን እዘን ናይ ደሴታት ሃገራት ንኣሽቱን ሓደ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ስለዘለወን ዶባተን ክዓጽዋ ቀሊል እዩ። ”  ክትብል ገሊጸን።

ዘይእመን ኣሃዛት

ገለ ሃገራት ፈጺሙ ኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘይብለን እየን ሪፖርት ጌረን፡ ከም ቱክመኒስታንን ሰሜን ኮርያን ዝበላ ከምዘይብለን እንተገለጻኳ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ስለዝኾነ ክትኣምኖ ኣይከኣልን እዩ።

እታ ምስጢራዊት ንግስነት ሰሜን ኮርያ ምስተን ኣብ ዓለም ብዙሕ ኮረና ቫይረስ ዝተራእየን ቻይናን ደቡብ ኮርያ ትዳወብ ሃገር እያ፡ እንተኾነ ብቐጻሊ ሓደ ሰብኳ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘይብላ እያ ክትገልጽ ጸኒሃ።

ቱርከመኒስታን ኣብ ማእከላይ ዞባ ኤሽያ ትርከብ ሃገር ኮይና፡ ኣሻሓት ዝተለኽፉ ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ ልኡኻት ዉድብ ጥዕና ዓለም ናብታ ሃገር ከይበጽሑ ዝኸልከለት እያ።
ስሎቨኒያ ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ከምዝኾነት ዝ ኣወጀት ሃገር እያ፡ ካብ ካልእ ሃገራት ኣውሮጳ ሰብ ከይመጻ ኣብ ንቑሕ ተጠንቀቕ ትርከብ። ስሎበኒያ እታ ናይ ፈለማ ኣውሮጳዊት ሃገር ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ከምዝኾነት ዝኣወጀት እያ።

ከም ካል ኦት ሃገራት ኣውሮጳ ስሎቨኒያ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣጊዳ፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክወዲን መምርሒ ኣውጺኣ ዘላ ሃገር እያ።

ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራውን 39 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝነበሩ ዝገለጸት ኮይና፡ ብምሉኦም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ከምዝኾኑን በዚ ቫይረስ ዝሞተ ከምዘየለን ዝገለጸት ሃገር እያ።

 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።


መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።


ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።


ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። 

ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

 ion is available in 63 languages at 

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።


መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።


ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።


ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። 

ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 


Share
Published 20 May 2020 12:13pm
Updated 20 May 2020 12:17pm
By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends