ተጣበቕቲ ዲሞክራሲ ሚያንማር ፡ ሓደ መራሒ ተቓዋሚ ቤላሩስ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፡ ከም ግሬታ ቱንበርግን፡ ዴቪድ ኣተንቦሮን ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ፡ ኣብ 2022 ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ኖቤል ክቕበሉ ዝኽእሉ ተባሂሎም ዘለዉ እዮም ።
ድሕሪ እቲ ናይ 31 ጥሪ ናይ መወዳእታ ምርቋሕ ዝርዝር ኣስማት: እቶም ስሞም ክገልጹ መሰል ዘለዎም ሰባት ምርጫኦም ክገልጹ ስለ ዝፍቀደሎም: እተፈላለየዝርዝር ስማት ኣብዚ ዓመት ዝሽለሙ ከም ዝወጸ ይእመን ።
ኰይኑ ግና ፡ ብመሰረት ሕጊ ኖቤል ፡ እቲ ዝተረቑሐ ዝርዝር ስማት ን50 ዓመት ብጥቡቕ እዩ ዝሕሎ ።
ሰሉስ ፡ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ሚያንማር ብ 1 ለካቲት 2021 ወተሃደራዊ ዕልዋ እተዓብለሉ መዓልቲ ፡ ንኣንግ ሳን ሱ ኪዪ ካብ ስልጣና ዝተዓልወትሉን ዝተኣስረትሉን ዕለትዩ ፡ ሓደ ሓጋጊ ኖርወጃዊ ፡ ነቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሚያንማር ዝዀነ "ሃገራዊ ሓድነት መንግስቲ" ከም ዝሓጸየ ገሊጹ ኣሎ ።
ኣባል ባይቶ ንንኣሽቱ ሰልፊ ኢብራል ዝዀነ ኦላ ኤልቨርዲየን ፡ "እቲ ሻዶ መንግስቲ ኣብ ሚያንማር ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ሕጋዊ መንግስቲ " በለት ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ እዩ እቲ ግዝያዊ ተቓዋሚ መንግስቲ ተመስሪቱ ፣ ኣባላቱ ተሓቢኦም ወይ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ክኢላታት ሕጊ ዝቘመ ኮይኑ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ሰልፊ ናይ ሱ ኪዪ እዮም ።

Sir David Attenborough is also a likely nominee for the 2022 Nobel Peace Prize. Source: Daily Express Pool
እቲ ናይ ሚያንማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ኣብያውን ፡ ብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ኖርወይ ፕሮፌሰር ን ሽልማት ኖበል እውን ተሓጽዩ እዩ ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ክቡር ሽልማት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ፣ ገለ ካብኣቶም ፖለቲከኛታትን ኣባላት ካቢነ ናይ ኩለን ሃገራት ፡ ናይ ቀደም ኣባላት ካቢነን ገለ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰራትን እዮም ።
እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ኮሚተ ኖቤል ነርወይ ኣብቲ ብ4 መጋቢት ዝግበር ቀዳማይ ኣኼባ ናይ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሶም ብሕታዊ ምርጫታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ።
ሓያሎ ካብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ከም ዝዕወቱ ዝእመነሉ ስማት ፡ ከም እኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ሽወደናዊት ተጣባቒ ክሊማ ግሬታ ትሩንበርግን ደኺመ ኸይበለ ዘይሕለል ብሪጣንያዊ ክኢላ ኣከባብያዊ ኣየር ዴቪድ ኣተንቦሮን ፡ ምስ ክኢላታት ብዝሃነት ው.ሕ.ሃ. ብሓባር ተሓጽዮም እዮም ።
መራሒት ተቓዋሚ ቤላሩስያዊት ስቨትላና ቲክሃኖቭስካያ ፡ ሕጹይቲ ናይ ተመራማሪ ትካል ምርምር ሰላም ኦስሎ (PRIO) እያ ።
ዳይረክተር ፕሪዮ ሄንሪክ ኡታል ፡ "ኣብ ልዕሊ ተጋባእቲ (ፕረዚደንት ኣለክሳንደር) ሉካሸንኮን ሰበ-ስልጣን ቤላሩስን ፡ ፍትሓዊ ምርጫ ክግበርን ኣንጻር ግህሰት እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ንዝልዓሉ ሰባት ዓመጻት ክውዳእን ኣበርቲዓ ትዓዪ ኣላ ።" ኢሉ።
እዚ ክኸውን ከሎ ፡ ካልእ ኣባል ፓርላማ ኖርወጃዊ ፡ ንሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ቱቫሉ ሳይሞን ኮፋ ከም ዝሓጸዮ ገለጸ ፣ ንሱ ንኮፒ26 ክሊማ መደረ ከስምዕ ከሎ ፡ ክሳብ ብርኩ ዝበጽሕ ማይ ዉቅያኑስ ኣእትዩ ዝገበሮ መደረ መዛረቢ ዜና ዓለም ኮይኑ ኔሩ እዩ።

Belarusian opposition leader Svetlana Tikhanovskaya is the favourite candidate of the Peace Research Institute of Oslo (PRIO). Source: AAP
ጉሪ መልቢ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፡ "ቱቫሉን ካልኦት ኣብ ደሴት ፓሲፊክ ዝርከባ ካልኦት ሃገራትን ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ሰላም ዘስግእ ዝዓበየ ሓደጋ ዝዀነ ኵነታት ኣየር ንምፍታሕ ፡ ኣገዳሲ ስራሕ ይሰርሓ ኣለዋ" ኢሉ ጸሓፈ ።
ካልእ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኖርወይ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት ፡ ባይቶ ኣርክቲክ ፡ ዊኪሊክስ ፡ ተጣባቒ ቸልሳ ማኒንግ ፡ ሒጃብ ብግዲ ከይልበስ ዝሞገተት ኢራናዊት ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ማሲሕ ኣሊንጃድ ፡ ከምኡውን ኔቶ ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወጥሪ ሰፊኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ።
ዓለም ኣብ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣተኲራ ካብ እትሰርሕ ክልተ ዓመታት ኣቑጺራ ኣላ ፡ ንዝሓሸ ጥዕና ዝቃለሱ ውልቀ-ሰባት ወይ ትካላት እውን ተሓጽዮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ።
ይኹን እምበር ፡ እቲ ኮሚተ ኖበል ስሞም ከም እተቐበለ ዝሕብር ምልክት የለን ።
ስም ናይዚ ዓመት 'ዚ ተሰላሚ ኖበል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኦስሎ ክንገር እዩ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ እቲ ሽልማት ፡ ኣብ ፊሊፒንስን ኣብ ሩስያን ነጻነት ሓሳብካ ዝቃለሳ ን ዲሚትሪ ሙራቶቭን ን ማሪያ ረሳ ዝብሃላ ክልተ ጋዜጠኛታት እዩ ተዋሂቡ ።