ፍልስጢኤማዊያን "ኣብ ጫፍ ጽንተት ዓሌት" በጺሖም ከይህልዉ ተሰጊኡ፡ እዚ እንታይ ማለት'ዩ፧

እስራኤል ንሓማስ ኣብ ጋዛ ንምጥፋእ ዕላማ ከም ዝገበረት ንጹር እዩ ። እንተኾነ ኣብ ግጭት ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፍጠር ዝገብሮ እንታይ እዩ ?

A close up of a girl, covered in soot, being lifted from rubble.

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ጽዑቕ ደብዳብ ድሕሪ ምክያዶም ፡ ኣብ ጋዛ ልዕሊ 9,000 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም እዮም ። Source: AP / Abed Khaled

ሓደ ጕጅለ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ፍልስጤማውያን "ብጃምላዊ ቅትለት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣትዮም" ከም ዘለዉን ኣብ ጋዛ ዘሎ ኵነታት "ናብ ፈጺምካ ጥፍኣት" ከም ዝበጽሐን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ካብቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ፣ ልዕሊ 240 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም። እስራኤል ብድሕርዚ ንጋዛ ብደብዳብ ነፈርቲ ምድብዳብ ቀጺላ እያ ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓማስ ዝመሓደር ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ንነጀው ልዕሊ 9,400 ሰባት ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም እዮም ።
    ሰራዊት እስራኤል ብ13 ጥቅምቲ ከም ዝገለጾ ፡ ትሕተ ቅርጺ ሓማስ ንምድምሳስን ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራትን ንምቍጽጻርን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ፡ ንኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ጋዛ ናብ ደቡብ ገጾም ክግዕዙሓቲትዎም ።
    ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ንዶብ ራፋ ምስ ዓጸወቶ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጋዛ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ እተሓጽረ ቀጽሪ ተቐርቂሮም ይርከቡ ኣለዉ ።

    ኣብ ጋዛ ብእስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዕንወት ኣስዒቡ ፡ ኣምቡላንስ ዒላማ ዝገበረን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መዕቆቢታት ብመጥቃዕቲ ኣየር ተሃሪሙ እዩ ።
    እስራኤልናይ ኤለክትሪክን ብነዳድን መስመራት ቆሪጻቶ እያ: በዚ ምኽንያት ብዘይካ እተን ናብ ጋዛ መግቢ: ማይ: ነዳዲ: ከምኡውን መድሃኒት ዝኣመሰለ ነገራት ጽዒነን ዝኣትዋ ውሱናት ማካይን ምሉእ ብምሉእ እቲ ህዝቢ ኣብ ዕጽዋ ይርከብ ።

    ብሰንኪ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ፡ ሓይሊ ኣየር ዮርዳኖስ ፡ ብሰኑይ ሕክምናዊ ረድኤት ብፓራሹት ናብ ጋዛ ክድርቢ ተገዲዱ እዩ። ሰለስተ ነፈርቲ ፈረንሳ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ 54 ቶን ረድኤት ናብ ግብጺ ከም ዘውረዳ ፡ እዚ ከኣ ረድኤት ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዞባ ክበጽሕ ተዂሲ ደው ክብል ጸቕጢ ዝገብር እይ ።

    ሸውዓተ ፍሉያት ራፖርተራት ው.ሕ.ሃ. ብሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ፍልስጤማውያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ኢና" ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ ።

    "ረድኤት ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ምእንቲ ኽበጽሖም ፡ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ክንገብር ንሓትት ኢና" ድማ ክብል እቲ መግለጺ ሓቢሩ ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሎም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብሰላም ክሳዕ ዝምለሱ ፡ ተዅሲ ደው ንኺብል ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺግዎ እዩ ።

    "ንፈተውትናን ንጸላእትናን እዚ ንብሎም ኣለና ። ክሳዕ እንስዕሮም ክንጸንሕ ኢና ። ካልእ ኣማራጺ የብልናን "በለ ብሰኑይ ።

    ብ መንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ ጅምላዊ ቅትለት ከብል ዝኽእል እንታይ እዩ?

    ብ1946 ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ገበን ከም ዝኾነ ኣዊጁ ።
    ኣብ ዓንቀጽ 2 ናይቲ ኣዋጅ ፡ "ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ፡ ኣብ ጉጅለ ሃገር፡ ዓሌት፡ ዘርኢ ወይ ሃይማኖት ዝፍጸም ጥፍ ኣት ወይ ጽንተት " ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ ።
    እዚ ተግባራት እዚ ፡ ንኣባላት ሓደ ካብቶም ጉጅለ ምቕታል ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጕድኣት ምውራድ ፡ ኰነ ኢልካ ጥፍኣት ከምጽእ ወይ ቆልዑ ከይውለዱ ምኽልካል ብሓይሊ ቆልዑ ናብ ካልእ ምግዓዝን የጠቓልል ።

    እስራኤል እትርከበን ኣባል ሃገራት ፡ ነቲ ተግባራትከይፍጽማን ፡ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍጽም ኣፍልጦ ክህባን ክቐጽዓን ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለወን ።

    ብኸመይ ኣብ ፍርዲ ተቕርቦ?

    ክሲ ንምምስራት ዝሕግዙ ሰለስተ ቀንዲ መማረጺታት:

    ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ኣባል ናይቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ቤት ምኽሪ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካልእ ነቲ ጅምላዊ ቅትለት ዝፈጸመት ኣባል ክሲ ንምምስራት ክትጥቀመሉ ይከኣል ።

    ጋምብያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ሮሂንጂያ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ናይ ሚያንማር ክሲ መስሪታ እያ ። መግለጺታት ሰበ ስልጣን ፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን መግለጺታትን ናይ መሰኻኽር መግለጺታትን ከም መርትዖታቶም ገይሮም እዮም ነቲ ክሲ ኣቕሪቦሞ ።
    ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ዝያዳ ከም ዘቤታዊ መስርሕ ገበናዊ ተሓታትነት ዝጠቅም ኮይኑ ፡ ኣብኡ ድማ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ጃምላዊ ቅትለት ክሲ ትምስርተሉ ባይታ እዩ ።

    እቲ ዓቃቢ ሕጊ ፡ ነቲ ብላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ወይ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍጸም ፍሉይ ገበናት ዝርእይሉ ጕዳይ ይኸፍት ።
    ይኹን እምበር ፡ ICC እቲ ክሱስ ኣብ ዘየለወሉ መርመራታት ኣየካይድን እዩ ፡ ምእሳርን ንሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራብን ድማ ኣጸጋሚ እዩ ።
    A bald man in a blue suit speaks into a microphone
    Karim Khan has served as Prosecutor of the International Criminal Court (ICC) since 2021. Source: AAP / Mauricio Duenas Castaneda/EPA
    ናይ ICC ዓቃቢ ሕጊ ካሪም ክሃን ንኩነታት ፍልስጤም ኣብ 2021 ዝምርምር ጉዳይ ክሲ መስሪቱ ፡ ንህሉው ኩነታት ንምግምጋም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጋዛ ንምእታው ፈቲኑ ነይሩ ።

    ክሃን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እስራኤል ካብ "ገበናዊ ሓላፍነት" ክትድሕን እንተኾይና ኣብ ጋዛ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት መሰረታዊ ቀረብ ከምዝበጽሖም ዘሎ ከተረጋግጽ ከም ዘለዋ ገለጸ ።
    ብ29 ጥቕምቲ ካብ ዶብ ራፋ ኮይኑ ከም ዝገለጾ ፡ "ንህጻናት ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ንሰላማዊያን ሰባት ፡ ረድኤት ንሰብኣዊ ረድኤት ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን" በለ ።
    ኣብ መወዳእታ ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዛዕባ ጃምላዊ ቅትለት ዝምልከት ጕዳይ ውሳነ ክህብን ብኻልኦት ግዝኣታት ሓይሊ ምጥቃም ክፍቀደሉን ፡ ከምኡ ድማ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲኻ ዝያዳ መጥቃዕቲ ንኸይውላዕ ስልጣን ክህብን ይኽእል ነይሩ ።

    "እዚ ግና ብሰንኪ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናይ ቐውፊ መሰላ ተጠቒማ እቲ ዉሳነ ክሓልፍ ኣይከኣለን" በለ ።

    "ኣመሪካ ነዚ ምስ እስራኤል ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ኽሓልፍ ኣይፈቐደትን ። እንተኾነ ብ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ነዚ ዘተግብር መገዲታት ኣሎ "ይብል ።

    - With additional reporting by Reuters.

    Share
    Published 7 November 2023 9:04am
    By Ewa Staszewska
    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
    Source: SBS


    Share this with family and friends