ሓደ ጕጅለ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ፍልስጤማውያን "ብጃምላዊ ቅትለት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣትዮም" ከም ዘለዉን ኣብ ጋዛ ዘሎ ኵነታት "ናብ ፈጺምካ ጥፍኣት" ከም ዝበጽሐን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ካብቲ ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,400 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ፣ ልዕሊ 240 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም። እስራኤል ብድሕርዚ ንጋዛ ብደብዳብ ነፈርቲ ምድብዳብ ቀጺላ እያ ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓማስ ዝመሓደር ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ንነጀው ልዕሊ 9,400 ሰባት ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም እዮም ።
ሰራዊት እስራኤል ብ13 ጥቅምቲ ከም ዝገለጾ ፡ ትሕተ ቅርጺ ሓማስ ንምድምሳስን ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራትን ንምቍጽጻርን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ ፡ ንኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ጋዛ ናብ ደቡብ ገጾም ክግዕዙሓቲትዎም ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ንዶብ ራፋ ምስ ዓጸወቶ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጋዛ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ እተሓጽረ ቀጽሪ ተቐርቂሮም ይርከቡ ኣለዉ ።
ኣብ ጋዛ ብእስራኤል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዕንወት ኣስዒቡ ፡ ኣምቡላንስ ዒላማ ዝገበረን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መዕቆቢታት ብመጥቃዕቲ ኣየር ተሃሪሙ እዩ ።
እስራኤልናይ ኤለክትሪክን ብነዳድን መስመራት ቆሪጻቶ እያ: በዚ ምኽንያት ብዘይካ እተን ናብ ጋዛ መግቢ: ማይ: ነዳዲ: ከምኡውን መድሃኒት ዝኣመሰለ ነገራት ጽዒነን ዝኣትዋ ውሱናት ማካይን ምሉእ ብምሉእ እቲ ህዝቢ ኣብ ዕጽዋ ይርከብ ።
ብሰንኪ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ፡ ሓይሊ ኣየር ዮርዳኖስ ፡ ብሰኑይ ሕክምናዊ ረድኤት ብፓራሹት ናብ ጋዛ ክድርቢ ተገዲዱ እዩ። ሰለስተ ነፈርቲ ፈረንሳ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ 54 ቶን ረድኤት ናብ ግብጺ ከም ዘውረዳ ፡ እዚ ከኣ ረድኤት ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዞባ ክበጽሕ ተዂሲ ደው ክብል ጸቕጢ ዝገብር እይ ።
ሸውዓተ ፍሉያት ራፖርተራት ው.ሕ.ሃ. ብሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ፍልስጤማውያን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዘለዉ ርግጸኛታት ኢና" ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ ።
"ረድኤት ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ምእንቲ ኽበጽሖም ፡ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተዅሲ ክንገብር ንሓትት ኢና" ድማ ክብል እቲ መግለጺ ሓቢሩ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሎም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብሰላም ክሳዕ ዝምለሱ ፡ ተዅሲ ደው ንኺብል ንዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺግዎ እዩ ።
"ንፈተውትናን ንጸላእትናን እዚ ንብሎም ኣለና ። ክሳዕ እንስዕሮም ክንጸንሕ ኢና ። ካልእ ኣማራጺ የብልናን "በለ ብሰኑይ ።
ብ መንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ ጅምላዊ ቅትለት ከብል ዝኽእል እንታይ እዩ?
ብ1946 ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ገበን ከም ዝኾነ ኣዊጁ ።
ኣብ ዓንቀጽ 2 ናይቲ ኣዋጅ ፡ "ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ፡ ኣብ ጉጅለ ሃገር፡ ዓሌት፡ ዘርኢ ወይ ሃይማኖት ዝፍጸም ጥፍ ኣት ወይ ጽንተት " ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ ።
እዚ ተግባራት እዚ ፡ ንኣባላት ሓደ ካብቶም ጉጅለ ምቕታል ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጕድኣት ምውራድ ፡ ኰነ ኢልካ ጥፍኣት ከምጽእ ወይ ቆልዑ ከይውለዱ ምኽልካል ብሓይሊ ቆልዑ ናብ ካልእ ምግዓዝን የጠቓልል ።
እስራኤል እትርከበን ኣባል ሃገራት ፡ ነቲ ተግባራትከይፍጽማን ፡ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍጽም ኣፍልጦ ክህባን ክቐጽዓን ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለወን ።
ብኸመይ ኣብ ፍርዲ ተቕርቦ?
ክሲ ንምምስራት ዝሕግዙ ሰለስተ ቀንዲ መማረጺታት:
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ኣባል ናይቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ ቤት ምኽሪ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካልእ ነቲ ጅምላዊ ቅትለት ዝፈጸመት ኣባል ክሲ ንምምስራት ክትጥቀመሉ ይከኣል ።
ጋምብያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ሮሂንጂያ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ናይ ሚያንማር ክሲ መስሪታ እያ ። መግለጺታት ሰበ ስልጣን ፡ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን መግለጺታትን ናይ መሰኻኽር መግለጺታትን ከም መርትዖታቶም ገይሮም እዮም ነቲ ክሲ ኣቕሪቦሞ ።
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ዝያዳ ከም ዘቤታዊ መስርሕ ገበናዊ ተሓታትነት ዝጠቅም ኮይኑ ፡ ኣብኡ ድማ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ጃምላዊ ቅትለት ክሲ ትምስርተሉ ባይታ እዩ ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ፡ ነቲ ብላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ወይ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጃምላዊ ቅትለት ዝፍጸም ፍሉይ ገበናት ዝርእይሉ ጕዳይ ይኸፍት ።
ይኹን እምበር ፡ ICC እቲ ክሱስ ኣብ ዘየለወሉ መርመራታት ኣየካይድን እዩ ፡ ምእሳርን ንሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራብን ድማ ኣጸጋሚ እዩ ።

Karim Khan has served as Prosecutor of the International Criminal Court (ICC) since 2021. Source: AAP / Mauricio Duenas Castaneda/EPA
ክሃን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እስራኤል ካብ "ገበናዊ ሓላፍነት" ክትድሕን እንተኾይና ኣብ ጋዛ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት መሰረታዊ ቀረብ ከምዝበጽሖም ዘሎ ከተረጋግጽ ከም ዘለዋ ገለጸ ።
ብ29 ጥቕምቲ ካብ ዶብ ራፋ ኮይኑ ከም ዝገለጾ ፡ "ንህጻናት ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ንሰላማዊያን ሰባት ፡ ረድኤት ንሰብኣዊ ረድኤት ዕንቅፋት ክኸውን የብሉን" በለ ።
ኣብ መወዳእታ ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዛዕባ ጃምላዊ ቅትለት ዝምልከት ጕዳይ ውሳነ ክህብን ብኻልኦት ግዝኣታት ሓይሊ ምጥቃም ክፍቀደሉን ፡ ከምኡ ድማ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲኻ ዝያዳ መጥቃዕቲ ንኸይውላዕ ስልጣን ክህብን ይኽእል ነይሩ ።
"እዚ ግና ብሰንኪ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናይ ቐውፊ መሰላ ተጠቒማ እቲ ዉሳነ ክሓልፍ ኣይከኣለን" በለ ።
"ኣመሪካ ነዚ ምስ እስራኤል ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ኽሓልፍ ኣይፈቐደትን ። እንተኾነ ብ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ነዚ ዘተግብር መገዲታት ኣሎ "ይብል ።
- With additional reporting by Reuters.