እዚ ሓደ ዞባ ኢዱ ስለዘይዘይሃበሉ ብሓይሊ ብረት ክጭፍልቕ ዝቃለስ ዘሎ ኮይኑ እታ ኻልእ ድማ ኣብ ሃገራ ንዝነብሩ ሓደ ክፋል ህዝቢ ክጸንቱ እናረኣየት ብሒም ክትብል ዘይከኣለት እያ።
ገለ ሰባት ንሰላማዊ ውጽኢት ዝደፍኡ መሲሎም ዝተራእዩ እዮም፡ እንተኾነ እቲ ካልእ ገጾም ተሸፊኑ ዝጸንሐ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ክልቲኦም እዚኣቶም ተረከብቲ ሽልማት ኖበል እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስቲቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይሊታት ብሰላም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ብሓይሊ ክፈትሖ ብምፍታን ነታ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ካልኣይ ትስራዕ ሃገር ፋሕፋሕ ከየብላ ስለተሰግአ፡ እቲ ንኣብይ ኣሕመድ ዝተውህበ ስልማት ኣብ ምልክት ሕቶ ወዲቑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እቲ ናይ ኖበል ኮሚቴ ነቲ ዝሃቦ ስልማት ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።
“እቲ ኮሚቴ ነቶም ክሽለሙ ዝሓጽዮም ሰባት ዝሓለፈ ታሪኾም ንሹህ ምዃኑ ከረጋግጽ'ዩ ዝፍትን።" ክብል ሳይድ ሀንሪክ ዳይረክተርን ተመራማርን ፕሮፌሰር ኣብቲ ብዝዕባ ምምራጽ ተሸለምቲ ኖበል ሽልማት ዝመሚ ትካል ምርምር ሰላም ኦስሎ ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብዚ ቅሩብ ዓመታት፡ ሚስተር ኡርዳል ከምዝብሎ፡ እቲ ኮሚቴ “ ተሸለምቲ እቲ ሽልማት ምእንቲ ከቢድዎም ክሰርሑ ተባሂሉ፡ ነቶም ኣብ መስርሕ ሰላም ምስፋን ዝርከቡ ሰባት ክንህብ ጀሚርና፡ እዚ ግና ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ።"
እዞም ዝስዕቡ ተሸለምቲ ኖበል ገለ ኣብነታት እዮም።
ኣብይ ኣሕመድ (2019)
Tእቲ ኮሚቴ ን ኣብይ ዝሸለሞ፡ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስደየበ ኣብ ዉሑድ ኣዋርሕ ብዝሰርሖ ስራሕ እዩ፡ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ጭቆና ደሞክራሲ ናብ ኢትዮጵያ ከተኣታቱን እሱራት ፖለቲካን ፈቲሑ፡ ኣብ መዲያ ዝጸንሐ ጸቕጢ ኣፍኲሱ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ጎሮቤት ሃገር ኤርትራ ዕርቂ ክገብር ኪኢሉ።
እንተኾነ ኣብ ፈለማ ሕዳር፡ ሚስተር ኣብይ ስራዊቱ ንትግራይ ከጥቅዕን ብ ኣየር ክድብድብን ኣዚዙ። እዚ ናይ ትግራይ ዞባ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተሰረዘ ምርጫ ካብ ፈደራል መንግስቲ ወጻኢ ባዕሉ ምርጫ ዝገበረ ዞባ እዩ።
እቲ ኲናት እናበርተዐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ , መንግስቲ ኣብይ ኣብቲ ዞባ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ኣዊጁን መራኸቢታት ቆሪጹን ኣሎ።
ጇን ማኑወል ሳንቶስ (2016)
ሚስተር ሳንቶስ፡ ናይ ኮሎምቢያ ኦረሲደንት'ከሎ እዩ፡ ምስቲ ናይታ ሃገር ዕጡቕ FARC ዕርቂ ብምግባር "ኣብ ኮሎምቢያ ን 50 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ደው ስለዘበለ" ተባሂሉ እዩ ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ክኸውን ኪኢሉ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሚስተር ሳንቶስ ተሸላሚ ኖበል ምዃኑ ምስተገልጸ ብኡ ንብኡ እያ ኮሎምቢያ እቲ ብረፈረንደም ዝተወሰነ ስምምዕ ሰላም ኮሎምቢያ ዝነጸገቶ።
ኣብ መወዳእታኡ ብኽንደይ ድፍኢት ኣብዚ ቅሩብ እዋን እቲ ስምምዕ ሰላም ብሓጋጊ ኣካል መንግስቲ ኮሎምቢያ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተራእየ ምዕባለ እታ ሃገር ዳግም ናብ ኲናት ተሸሚማ ኣላ።

Juan Manuel Santos speaks in Bogota, Colombia, Friday, July 20, 2018. Source: AP
ባራክ ኦባማ (2009)
ኣብቲ ናይ ፈለማ እብረ ስልጣን ፕረሲደንት፥ ሚስተር ኦባማ "ኣኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ክጠናኸርን ብ መንጎ ህዝቢታት ምትሕብባር ክሰፍንን ብዝገበሮ ዓቢ ጻዕሪ" ብዝብል እዩ ተሸላሚ ኖበል ሰላም ኮይኑ።
እንተኾነ፡ ገለ ን ኦባማ ዝወቕስዎ፡ ደገፍቱን ገዛእ ርእሱ ከይተረፈ እቲ ዝተሰለሞ ሽልማት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዮሞ እዮም። ምኽንያቱ ናይ ዓለም ሰላም ኣብዘበኑ ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። ነቲ ዘፍረዮ ነገር ርእዩ "ንምንታይ ተሸሊመ?" ክብል ኣብቲ ታሪኽ ህይወቱ ዝገልጽ መጽሓፍ ሓቲቱ ኣሎ።
ገለ ተንተንቲ ከምዝበልዎ፡ እቲ ናይ ኖበል ኮሚቴ ዓቕሚ ሚስተር ኦባማ ርእዩ ተስፋ ኣሕዲሩ ስሚዒታዊ ዉሳነ እዩ ወሲዱ።
ሚስተር ኦባማ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኣፍጋኒስታን ከምዝ ኣቱን ፕሮግራም ምጥቃዕ ብ ድሮን ከምዘስፋሕፍሕ ኣብ ዘአሙ ጌሩ እዩ።
ኪም ዳአ-ጁንግ (2000)
ሚስተር ኪም፡ ኣብ እዋን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ደቡብ ኮርያ ካብ ስደት ክሳብ ንሞት ዝተፈርደ እሱርን ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ፕረሲደንት ክኸውን ዝኸኣለ " ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ደቡብ ኮርያን ኣብ ምብራቕ ኤሽያን ዘተኣታተወ ብፍላይ ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ ንሰላምን ዕርቅን ዝጸዓተ" ተባሂሉ እዩ ናይ ኖበል ተዓዋቲ ክኸውን ዝኸኣለ።
ናብ ሰሜን ኮርያ ንምኻድ ዝተብዐን ምስ ዉልቀ መላኺ ኪም ኢል ሶንግ ዝዘተየ እዩ።
እንተኾነ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ጽልኢ ክሳብ እዚ ዘሎ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጁን ኡን ቀጺለናኦ ጥራይ ዘይኮናስ ክልቲኤን ሃገራት ወነንቲ ኑክሌሳዊ ኣጽዋርን ሚሳይልን ኮይነን እየን።

Kim Jong-il (R) and Kim Dae-jung (L) during summit talks in Pyongyang in June 2000. Source: YONHAP NEWS AGENCY
ሞን ጁአን ናይ ኣመሪካ ፕርሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ እንተተራኸቡኳ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ኣብ ክልቲኡ ኮርያታት ሰላም ክሰፍን ርሑቕ ጉዕዞ ዝጽበ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ያሲር ዓራፋት፡ ሺሞን ፐረዝን ይስሓቕ ራቢንን (1994)
ኣቦ ወምበር ዉድብ ሓርነት ፍልስጢኤምን ክልተ መራሕቲ እስራኤልን "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክወርድ ብምጽዓሮም፡ ኣብ መንጎ ፍልስጢኤምን እስራኤልን ሰላም ንኽሰፍን ናይ ኦስሎ ስምምዕ ብምፍራሞምን" ተባሂሎም ብሓባር ተሸለምቲ ኖበል ክኾኑ ኪኢሎም እዮም።
እቲ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚስተር ዝነበረ ይስሓቕ ራቢን ኣብ 1995 ነቲ ስምምዕ ዝቃወም ብሕሉፍ እስራኤላዊ ተቐቲሉ።
ብድሕርዚ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምስፋን ዝተገብረ ተኸታታሊ ጻዕሪ በርዒኑ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ህይወት ዝበልዐ ግጭታት ተኻይዱ።
ኡንግ ሳን ሱ ክዪ (1991)
ሱ ክዪ፡ መስራቲት ሃገራዊ ሊግ ንዲሞክራሲ መይንማር ኮይና ኣብ እዋን መሪሕነት ወተሃደራዊ ጁንታ መይንማር ኣብ ዓለም ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ዝነበረት እያ። በዚ ድማ እቲ ስርዓት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣሰራ።
እቲ ናይ ኖብል ኮሚቴ “ዘይግጭታዊ ቃልሲ ን ደሞክራሲን ሰ ኣዊ መሰልን" ብዝገበረቶ ቃልሲ ነቲ ሽልማት ሂብዋ። እቶም ጀነራላት ን]መይንማር ክሳብ 2010 ካብ ማእሰርቲ ኣይፈትሕዋን በዚ ድማ ኣብ ዓለም ፍልጥቲ ተቓላሲት ሰብ ኣዊ መሰላት ኮነት።
ናብ ስልጣን ብዝሓኾረት ግና ሚስ ሱ ክዪ ብፍጹም ተቐይራ ጥራይ ዘይኮነትሲ ኣብ መይንማር ዝርከቡ ኣስላም ሮሂንጃዊያን ክጭፍጨፉ እናሰምዐት እናረኣየትን ብሒም ክትብል ኣይከኣለትን።
ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ፍትሒ ቀሪባ ነቲ ዝተፈጸመ ክሲ ምጽናት ዘርኢ ዝተወደበ ቅትለት ኣይነበረን ክትብል ተኸራኺራትሉ።
ገለ ተመራመርቲ ታሪኽ ኖበል ዋላ ኣብ ኣመራርጻ ተዓወቲ ጌጋታት እንተተፈጸሙ እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ናይ ገዛእ ርእሱ ዉሽጣዊ ክብሪ ኣለዎ ይብሉ።

Aung San Suu Kyi, who was sentenced on Monday. Source: Getty Images
“እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ነቶም ነቲ ሽልማት ዝምጥን ክብሪ ክሳብ መወዳእታ ዝፍጽሙ ክወሃብ ጸኒሑ ኣይብልን'የ" ክብል ሪቻርድ ጉንደርማን ኣካብ ኢንዲያና ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባዚ ዝጸሓፈ ፕሮፌሰር ይዛረብ። “እንተኾነ እዚ ሽልማት ንርእሱ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰላም ወሳኒ ምዃኑ ዘጉልሕ መሳርሒ እዩ።"