ቀንዲ ነጥብታት:
- እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ ‘ናይ ወለዲ (Parent)’ን ‘ኣበርክቶ እትገብረሉ ናይ ወለዲን (Contributory Parent)’ ቪዛታት ዝወስድዎ ግዜን መጠን ክፍሊትን እዮ።
- ኣብ ሚያዝያ 2019 ተኣታትዩ ብገንዘብ ዝምወል ግዝያዊ ቪዛ ንወለዲ Sponsored Parent (Temporary) (Subclass 870) ነቶም ወለዲ ናብ ኣውስትራልያ ግዒዞም ክሳብ 10 ዓመታት ክነብሩ ወይ ክጸንሑ ከፍቅደሎም እዩ።
- ንነብሲ ወከፍ ዓመተ መደብ ፍልሰት/ማይግሬሽን ቁጽሪ ናይ’ቶም ዝወሃቡ ቪዛታት ገደብ ኣለዎ።
ዜጋታት ኣውስትራልያ፡ ቀወምቲ ነበርትን መለክዒታት ዘማልኡ ዜጋታት ኒው ዚላንድን ወለዶም ናብ ኣውስትራልያ ብግዝያዊ ይኹን ቀዋሚ ከምጽእዎም ይኽእሉ’ዮም።
ክልተ ቀንዲ መደባት ቪዛ ኣለው - ‘ናይ ወለዲ (Parent)’ን ‘ኣበርክቶ እትገብረሉ ናይ ወለዲን (Contributory Parent)’።
እቲ ‘ኣበርክቶ እትገብረሉ ናይ ወለዲ’ መደብ ቪዛ ዝያዳ ዝኸበረ እዩ፡ ንነብሲ ወከፍ ካብ ባሕቲ ሓምለ ክሳብ 30 ሰነ ዝህልው ‘ዓመተ መደብ ፍልሰት/ማይግረሽን (Migration Program Year)’ ዝያዳ ወይ ተወሰኽቲ ቦታታት ቪዛ ይኸፍት/ይቕርብ።
ኣብ ብሪዝበን ዝመደበሩ ‘ዘ ማይግረሽን ፕለይስ’ ወኪል ፍልሰትን ጠበቓን ዝኾነ ዘኪ በንትሊ፡ እቶም ዝያዳ ሕስር ዝበሉ ኣማራጺታት ብዙሕ ሰብ ዝደልዮም ወይ ጠለብ ዘለዎም’ዮም፡ ግን ክፍቀዱ ወይ ክጸድቁ ክሳብ 30 ዓመታት ይወስዱ ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ ስድራቤታት ንነብሲ ወከፍ ወላዲ ኣብ መንጎ 45,000ን 55,000ን ዶላር ኣውስትራልያ ከውጽኡ ወይ ክኸፍሉ ድሉዋት እንተኾይኖም እቲ ቪዛኦም ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሓሙሽተ ዓመታት ክረኽብዎ ይኽእሉ’ዮም።
እቲ ደንጓዪ መንገዲ ወይ ኣገባብ ኣዝዩ ዘገምታዊ ወይ ግዜ ዝወስድ እዩ። ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመታት ይወስድ።
ኣብ ልዕሊ’ቲ ከማልእዎ ዘለዎም ፋይናንሳዊ መልክዒታት፡ ኣመልከትቲ ቪዛ ፈተናታት ናይ ጠባይ፡ ጥዕናን ኣመልከትቲ ብመንገዲ ኣዝማዶም ወይ ቤተሰቦም ምስ ኣውስትራልያ ዘለዎም ምትእስሳር ወይ ዝምድና ዝዕቅን ‘ሚዛን ቤተሰብ (balance of family)’ ክሓልፉ ኣለዎም።

Smiling multi-generation Asian family Source: Getty Images
ወለዲ ሚዛን ቤተሰብ ዝሓልፉ ካብ ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃገር ንላዕሊ ዝበዝሑ ኣብ ኣውስትራልያ ብቀዋሚ ዝነብሩ ደቂ እንተሃልዮሞም’ዮም።
ሰለስተ ደቂ እንተሃልዮምኹም፡ ክልተ ካብኦም ኣብ ኣውስትራልያ መንበሪ ፈቓድ ከምዘለዎምን ነበርቲ ምዃኖምን ከተርእዩ የድልየኩም።
ካብ ሚያዝያ 2019፡ መንግስቲ ብገንዘብ ዝምወል ግዝያዊ ቪዛ ንወለዲ Sponsored Parent (Temporary) (Subclass 870) ኣተኣታትዩ።
ሳም ጃዛየሪ፡ ካብ ሲረስ ማይግረሽን ሎውየርስ፡ ከም ዝብሎ በዚ ሓድሽ ቪዛ ዝመጹ ወለዲ ንነብሲ ወከፍ ቪዛ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ብድምር ዝለዓለ 10 ዓመታት ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም።
ነቶም ዘመልክቱ ወለዲ ምስ ደቆም ወይ ደቂ ደቆም ክሳብ 10 ዓመታት ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ይህቦም።
ዋጋ ናይ’ዚ ቪዛ 5,000 ዶላር ኣውስትራልያ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ወይ 10,000 ዶላር ኣውስትራልያ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ንምጽናሕ’ዩ።
እቲ መመስርሒ ግዜ ብግምት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኮይኑ ካብ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ናይ ሓዲኦም ወለዲ ጥራይ’ዮም ኣብ ሓደ እዋን ተመዊሎም ዝመጹ።
በዚ Sponsored Parent (Temporary) (Subclass 870) ቪዛ ዝመጹ ወለዲ ኣብ ኣውስትራልያ ክሰርሑ ወይ ከኣ ንቀዋሚ መንበሪ ቪዛ ከመልክቱ ኣይክእሉ።
ድሕሪ 10 ዓመታት እዞም ወለዲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም።

Daughter embracing mother after outdoor family dinner party Source: Getty Images
ንኣብነት፡ ድምር ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ’ቶም ኣብ ፋይናንሳዊ ዓመት ባሕቲ ሓምለ 2019 ክሳብ 30 ሰነ 2020 ዝተዋህቡ ቪዛታት ንወለዲ 7,371 ኔሩ።
ብተወሳኺ፡ 15,000 Sponsored Parent (Temporary) (Subclass 870) ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመተ መደብ ማይግሬሽን ክፍቀዱ ይኽእሉ።
እቲ ዝለዓለ ገደብ ቁጽሪ ምስ ተበጽሐ፡ ክፍሊ ኢሚግረሽንን ምክልኻል ዶባትን ናይ ዝቕጽል ዓመተ መደብ ማይግሬሽን፡ ድሕሪኡ ዝመጽእ ባሕቲ ሓምለ ክሳብ ዝጅምር ቪዛ ምሃብ ወይ ምፍቃድ የቋርጽ።
ብቛንቋኹም ሓገዝ እንተደሊኹም ን ብቑጽሪ 13 14 50 ደዊልኩም ርኸብዎም።