Key Points
- ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻ ብኣፍሪቃ ካብተን ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ካልኦት ብዝተቐላጠፈ መጠን ትመውቕ ኣላ።
- እታ ኣህጉር ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ነይራ ።
- ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢሙዋ እዩ።
ኣፍሪቃ ካብተን ዝተረፋ ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ኣህጉር ብዝቐልጠፈ እያ ትመውቕ ዘላ ፡ ከም ደርቂ ዝኣመሰለ ዝኸበደ ክሊማን ምምዝባል ኣየርን ድማ የጋጥማ ኣሎ ። ውድብ ሕቡራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ፡ ክሊማዊ ለውጢ ነቲ ዘሎ ጸጋታት ንምውሳድ ግጭት ኸለዓዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ።
እታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ከምዝነበረት ዝሓበረ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ (WMO) ፡ ምስቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ዋዕላ ክሊማ ንምስምማዕ ምዃኑ ሓቢሩ ።
እዚ ከም ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደርቂ ኣብ 40 ዓመት ፡ ኣብ ኣልጀርያ ድማ ኣብ በረኻ ዘጋጠመ ሓደጋታት ፡ 5,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ኣብ ቊጠባዊ መዳይ ድማ 8.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝወረደ ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ማዕከን ህጹጽ ኵነታት ካብ ዝተረኽበ ምንጪ ይሕብር ።

Source: SBS
ኣብ 2022 ኩነታት ክሊማ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ፡ "ለውጢ ክሊማን ምንካይ መሰረታዊ ባህርያዊ ሃብትን ፡ በቲ ዘሎ ትሑት ልሙዕ መሬትን ማይን መጋሃጫን ግጭታት ኸለዓዕል ይኽእል እዩ ።"
ድሮ "ውን ኣብ ልዕሊ ጥሪት ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ክፋላት ናይ ሓውሲ-ደረቕ ሳሕል ይረአ ኣሎ ። ብገምጋም ፡ኣብ 2021 ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ 1.04 ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ይተፍእ ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ገምጋም ዳርጋ ርብዒ እዩ ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ገምጋም መጠን ሙቐት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 1991-2022 ኣብ ዓሰርተ ዓመት 0.3C ከምዝነበረን ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ 0.2C ዝነጻጸር እዩ ።
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንነጀው ብዙሕ ማዕበል ዋዒታት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ፡ መጠን ሙቐት ብናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ።
እዚ ድማ 33 ሚልዮን ቶን ወይ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገምጋም ንታሕቲ ዝዀነ ኣስታት 10 ሚእታዊት ምህርቲ ኣእካል ከም ዝውሕድ ምግባሩ ፡ ኣብ ከም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ካልእ ክፋላት እታ ኣህጉር ጽቡቕ ዝናም ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ሓፈሻዊ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ሕርሻዊ ምህርቲ ከም ዝጐደለ: እዚ ድማ ካብ 1961 ኣትሒዙ ብ34 ሚእታዊት ከም ዝንከ እዩ ዝግለጽ።

Source: SBS
"ኣፍሪቃ ካብ 10 ሚእታዊት ዘይበዝሕ ነዳዲ ግሪን ሃውስ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ኣለዋ ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ክትጻወሮ እትኽእል ዝተሓተት ኣህጉር እያ ።
ዋና ጸሓፊት ትካል ዓለማዊ መትሮሎጂ ፕሮፌሰር ፔተር ታዓላስ ከምዚገልጾ: - "ህቦብላ: ብርቱዕ ዝናም: ምዕልቕላቕ ማይ: ትሮፒካዊ ህቦብላ: ከምኡውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደርቂ ኣብ ማሕበረ-ሰባትን ቊጠባን ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ: እዚ ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ኣለዉ ።"
ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኵነታት ኣየር ትዕዝብትታትን ናይ መጠንቀቕታ ኣገልግሎትን "ብቑዕ ኣይኰነን" ዝበለ ንሱ፡
"ነዚ ሃጓፋት እዚ ዓጺና ፡ ህይወት ዘድሕን መጠንቀቕታታት ንዅሉ ሰብ ከም ዝበጽሕ ክንገብር ቈሪጽና ኢና" በለ ።