እታ ካብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ንላዕሊ ብፍጥነት ትመውቕ ዘላ ኣህጉር።

ብመሰረት ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ፡ እቲ ሓደጋ ዝገደደ ባህርያዊ ሓደጋን ደርቅን እዩ ከጋጥሞ ።

ኣብ ምድረበዳ ኣብ ዝተረኽበ ዘይልሙዕ ገረብ ትጣጥም ዘላ ግመል

ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ከቢድ ኵነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ነይራ ። Source: AAP / SOPA Images

Key Points
  • ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻ ብኣፍሪቃ ካብተን ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ካልኦት ብዝተቐላጠፈ መጠን ትመውቕ ኣላ።
  • እታ ኣህጉር ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ነይራ ።
  • ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢሙዋ እዩ።
ኣፍሪቃ ካብተን ዝተረፋ ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ኣህጉር ብዝቐልጠፈ እያ ትመውቕ ዘላ ፡ ከም ደርቂ ዝኣመሰለ ዝኸበደ ክሊማን ምምዝባል ኣየርን ድማ የጋጥማ ኣሎ ። ውድብ ሕቡራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ፡ ክሊማዊ ለውጢ ነቲ ዘሎ ጸጋታት ንምውሳድ ግጭት ኸለዓዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ።
እታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ከምዝነበረት ዝሓበረ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ (WMO) ፡ ምስቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ዋዕላ ክሊማ ንምስምማዕ ምዃኑ ሓቢሩ ።
እዚ ከም ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደርቂ ኣብ 40 ዓመት ፡ ኣብ ኣልጀርያ ድማ ኣብ በረኻ ዘጋጠመ ሓደጋታት ፡ 5,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ኣብ ቊጠባዊ መዳይ ድማ 8.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝወረደ ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ማዕከን ህጹጽ ኵነታት ካብ ዝተረኽበ ምንጪ ይሕብር ።
A graphic depicting the mean temperature in Africa over 122 years
Source: SBS
እቲ ናይ ብሓቂ ኣሃዛት ብሰንኪ እቲ ዘሎ ሃጓፋት ጸብጻብ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ።

ኣብ 2022 ኩነታት ክሊማ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ፡ "ለውጢ ክሊማን ምንካይ መሰረታዊ ባህርያዊ ሃብትን ፡ በቲ ዘሎ ትሑት ልሙዕ መሬትን ማይን መጋሃጫን ግጭታት ኸለዓዕል ይኽእል እዩ ።"

ድሮ "ውን ኣብ ልዕሊ ጥሪት ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ክፋላት ናይ ሓውሲ-ደረቕ ሳሕል ይረአ ኣሎ ። ብገምጋም ፡ኣብ 2021 ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ 1.04 ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ይተፍእ ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ገምጋም ዳርጋ ርብዒ እዩ ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ገምጋም መጠን ሙቐት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 1991-2022 ኣብ ዓሰርተ ዓመት 0.3C ከምዝነበረን ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ 0.2C ዝነጻጸር እዩ ።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንነጀው ብዙሕ ማዕበል ዋዒታት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ፡ መጠን ሙቐት ብናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ።

እዚ ድማ 33 ሚልዮን ቶን ወይ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገምጋም ንታሕቲ ዝዀነ ኣስታት 10 ሚእታዊት ምህርቲ ኣእካል ከም ዝውሕድ ምግባሩ ፡ ኣብ ከም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ካልእ ክፋላት እታ ኣህጉር ጽቡቕ ዝናም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሓፈሻዊ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ሕርሻዊ ምህርቲ ከም ዝጐደለ: እዚ ድማ ካብ 1961 ኣትሒዙ ብ34 ሚእታዊት ከም ዝንከ እዩ ዝግለጽ።
A graph depicting weather, climate and water-related disasters in Africa in 2022.
Source: SBS
ብሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ካል ኦት ሃገራት ዝ ኣቱ ዓመታዊ መግቢ ፡ ብጠቕላላ ናይ ሰለስተ ዶላር ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ፡ ካብ 35 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2025 ናብ 110 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካክብ ክብልዩ ።

"ኣፍሪቃ ካብ 10 ሚእታዊት ዘይበዝሕ ነዳዲ ግሪን ሃውስ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ኣለዋ ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ክትጻወሮ እትኽእል ዝተሓተት ኣህጉር እያ ።

ዋና ጸሓፊት ትካል ዓለማዊ መትሮሎጂ ፕሮፌሰር ፔተር ታዓላስ ከምዚገልጾ: - "ህቦብላ: ብርቱዕ ዝናም: ምዕልቕላቕ ማይ: ትሮፒካዊ ህቦብላ: ከምኡውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደርቂ ኣብ ማሕበረ-ሰባትን ቊጠባን ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ: እዚ ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ኣለዉ ።"

ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኵነታት ኣየር ትዕዝብትታትን ናይ መጠንቀቕታ ኣገልግሎትን "ብቑዕ ኣይኰነን" ዝበለ ንሱ፡

"ነዚ ሃጓፋት እዚ ዓጺና ፡ ህይወት ዘድሕን መጠንቀቕታታት ንዅሉ ሰብ ከም ዝበጽሕ ክንገብር ቈሪጽና ኢና" በለ ።

Share
Published 6 September 2023 1:25pm
Source: SBS, Reuters


Share this with family and friends