ነቶም ብነፈርቲ ኲናት ዝተቐትሉ ኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቓስም ሱሌማኒን ዒራቓዊ መራሒ ሰራዊት ዓብዱ ማሕዲ ኣልሙሓንዲስ ንምቕባር ዓሰርተታት ኣሻሓት ህዝቢ ናብ ባቕዳድ መሪሾም።
ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናል ትራምፕ ብዓርቢ ንኣዛዚ ናይ ወጻኢ ኢራናዊ ሓለዋ ሰውራ ክቕተል ትእዛዝ ምስሃበ ንኣመሪካን መሓዙታን ምስ ኢራንን ምስ ኣብዝተፈላለዩ ሃገራ ዝርከቡ ሓይሊታትን ኣብ ሓዲሽ ናይ ረጽሚ ሃዋሁው ሸሚምዎም ኣሎ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ፍሉይ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ጎላማሊ ኣቡሓምዛ ከምዝገለጾ ኢራን ንኣመሪካዊያን ኣብዝሃለዉ ሃልዮም ኣብዝርከብሉ ክቕጽዑ ኣለዎም። ኣብ ጋልፍ ንዝርከባ ናይ ኣመሪካ መራኽብ መጥቃዕቲ ክግበረለን ከምዝኽ እልውን ኣሚቱ ኣሎ።
ሱሌማኒ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ብ ኣየር ምስተቐትለ ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ፡ ነቶም ኣመሪካዊያን ካብ ዒራቕ ክወጹ መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

Mourners surround a car that carries a coffin during a funeral procession for Qassem Soleimani, the commander of Iran's elite Quds Force. Source: picture alliance
ኣብ ናይ ወጻኢ ኩባኒያታት ነዳዲ ዝሰርሑ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣመሪካዊያን ድሮ ካብ ደቡባዊ ዒራቕ ከተማ ባዝራ ብ ዓርቢ ወጺኦም ናብ ዓዶም ከይዶም ኣለዉ።
ቀረባ መሓዛ ኣመሪካ ዝኾነት ብሪጣንያ ዜጋታት ናብ ዒራቕን ኢራንን ከይጎዓዙ ኣፍሊጣ ኣላ።
ብሰንኪ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ኣመሪካን መሓዙታን ንሓይሊታት ዒራቕ ካብ ምስልጣን ደው ኣቢለን ከምዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ሱሌማኒ ናይ ተሂራን ካብ ቀንዲ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣዛዚ ኣብ ወጻኢ ዝሰርሕ ሓለዋ ሰውራ ሓይሊ ኩዱስ ኮይኑ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ጽልዋ ክዓዝዝ ቀንዲ ሃንዳሲ ዝነበረ ፍሉጥ ጀነራል አዩ ኔሩ።
ሙሃንዲስ ድማ ምክትል ኣዛዚ ናይ ዒራቕ ህዝባዊ ሓይሊታት ጎስጓስ (PMF), ዝነበረ እዩ።
ዓሰርተታት ኣሻሓት ህዝቢ ዝተሳተፍዎ ብ PMF-ዝተወደበ ስነስር ዓት ቀብሪ ንሬሳታት ሱሌማኒን ሙሃንዲስን ካል ኦት ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝተቐትሉ ብቐዳም ኣብ ባቕዳድ ተፈጺሙ ኣሎ።

Mourners react as they attend a funeral procession for Qassem Soleimani. Source: picture alliance
ካብ ቀበርቲ ንሙሃንዲስን ሱሌማኒን ከም ጀግናኦም ዝኾኑ ብዙሓት ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ሚሊሺያታት ይርከብዎም።
እቲ ቀባሪ ስእሊ ናይቶም ኣዘዝቲ ዝነበሩ ብምሓዝ "ሞት ን ኣመሪካ! ኣይፋልን ን እስራኤል!" ዝብል ጭርሖ የስም ዑ ኔሮም
ናይ ዒራቕ ቀኣማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብዱል ማሕዲን ናይ ዒራቕ ኮማንደር ሚሊሽያ ሓዲ ኣልኣሚርን ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ተሳቲፎም ኔሮም።
ሓዘንተኛታት ነቲ ሬሳታት ብመኪና ጽዒኖም ናብ ናይ ሽ ዓዊያን ቅድስቲ ከተማ ከርባላ ናብ ደቡብ ባቕዳድ ወሲዶሞ።
ሬሳ ናይ ሱሌማኒ ግና ናብታ ምስ ዒራቕ ትዳወብ ናይ ኢራን ክፍለሃገር ኩዘስታን ብቐዳም ተወሲዱ ኣሎ።

Mourners attend a funeral procession for Qassem Soleimani. Source: picture alliance
ሱሌማኒ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካዊያን ዲፕሎማትን ሰራዊትን ዘይተርፍ መጥቃዕቲ ክገብር መዲቡ ኔሩ ክብል ብ ዓርቢ ድሕርቲ ቅትለት ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ኔሩ።
ሰልፊ ደሞክራት ኣመሪካ ነቲ ስጉምቲ ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ዘጋድድ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክብሉ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
እዚ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ዝተገብረ ዝሓለፈ ሰሙን ን ኢራን ዝድግፉ ሚሊሺያ ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ ድሕሪ ወሪሮም ም እታዎም ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቲ ብሙሓንዲስ ዝቖመ ካታይብ ሕዝቡላህ ሚሊሽያ ከቢድ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ እዩ።