ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣውስትራሊያ ንጸለምቲ ፍትሒ ዝሓትት ሰልፊ፡ ዓሰርተታት ኣሻሓት ተሳቲፎሞ። ኣንጻር ደቀባት ዝወርድ ዓመጽ ኮኒኖም።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተገብሩ ተቓዉሞታት ኣንጻር ዓሌትነት ዘይተራእየ ብዝሒ ህዝቢ ዝተሳተፎ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዝተሳተፍዎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ተጌሩ።

More than 10,000 protesters are estimated to be at the Black Lives Matter protest in Brisbane.

More than 10,000 protesters are estimated to be at the Black Lives Matter protest in Brisbane. Source: AAP

ኮሮና ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ ብቀዳማይ ሚኒስተርን ብሰብ መዚ ጥዕናን  ሰልፊ ከይግበር መጠንቅቕታ እንተተዋህበኳ፡ ኣብቲ "Black Lives Matter" ዝብል ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣውስትራሊያዊያን ተሳቲፎሞ።

እቲ ሰልፊ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ብምኽንያት ኣሰቃቒ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተላዕለ ቁጠዐ ዝግበር ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ኣጋርነት ንምርኣይን ኮይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ህዝቢ ኣቦርጂኒውን ፍትሒ ክወጻሎም ዝጽውዕ ሰልፊ እዩ።

ብውሑድ  30,000 ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ጽርግያታት መልበርን፡ ሲድኒ፡ ኣደላይድን ሆባርትን ሰላማዊ ምረሻ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ደቀባት ጸለምቲ ኣውስትራሊያዊያን ዝግበር ዓሌታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ደው ክብል ጻዊዒት ቀሪቡ።
Protesters wearing masks protest against Indigenous deaths in custody.
Protesters wearing masks protest against Indigenous deaths in custody. Source: AAP
ኣብ ሲድኒ ነቲ ሰዓት 3 ናይ ሚሸት ክጅምር ዝነበሮ ሰልፊ ቅድሚ ቅሩን ደቓይቕ እዩ፡ ናይ NSW ቤት ፍርዲ እቲ ዝግበር ሰልፊ   እዚ ድማ ነቲ  እቲ ዝግበር ሰልፊ ንህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ብምዃኑ ክግበር የብሉን ንዝብል እዩ ዓጺፍዎ።

እዚ ብይን ማለት ነቶም ድሮ ሰልፊ ክገብሩ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ጽርግያታት ብምዕጻዎም ከምዘይቕጽዑ ዝገበረ ዉሳነ እዩ ኔሩ።

እቲ እኩብ ህዝቢ፡ ነቲ ዉሳነ ምስሰምዐ "ህዝቢ ተዓዊቱ" ብምባል ሓጎሶም ገሊጾም።

ልዕሊ 10,000 ካብ ታውን ሆል ናብ በልሞር ፓርክ ብምምራሽ ሰዓት  4:32pm ብምብርካኽ "black lives matter" እናጸርሑ ነቶም ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲታት ዝሞቱ  432 ደቀባት ዘኪሮም።
Protesters took a knee in Sydney and held a minute's silence.
Protesters took a knee in Sydney and held a minute's silence. Source: SBS News: Nick Baker
ብውሕዱ 10,000 ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ መልበርን ተኣኪቦም፡ ስድራቤታትን ፈለጥቲን ናይቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቐቑ ህዝቢ ኣቦርጂን ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረታት ኣስሚዖም።

ደቀባት መልበርን ዝኾኑ መራሕቲ ዓሌት ዉሩንጀሪ ከም ምልክት ሓዘን ኣብ ግምባሮም ጻዕዳ ሕብሪ ተለኽዮም ኔሮም።

"ደቂ ሰባት ስለዝኾና ኩላትና ቀይሕ ደም ኢና ነፍስስ" ሓደ ካብ መደርቲ ምስበለ እቲ ህዝቢ ናይ ደገፍ ድምጺ ኣስምዐ።

ህዝቢ ኣቦርጂን፡ ካብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ጠቕላላ ብዝሒ ሰለስተ ሚእታዊ ጥራይ  እንተኾኑኳ፡ ካብቶም ዘለዉ እሱራት ግና እቶም 28 ሚእታዊ ደቂ ኣቦርጂን ምዃኖም ኣብቲ እዋን ሰልፊ ተገሊጹ።
There is a strong police presence at the Black Lives Matter rally in Sydney.
There is a strong police presence at the Black Lives Matter rally in Sydney. Source: SBS News: Nick Baker
ብሂሊኮፕተራት ዝተዓጀቡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ እንተተረኽቡኳ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ እዩ ኔሩ።
ሓንቲ ኮዴ ጊልበርት ትበሃል ሰልፈኛ ሒዛቶ ዝነበረት ጭርሖ ከምዚ ይንበብ፡ "ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምስማዕ እንተደኺምካ ክሳብ ክንደይ ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዝበጽሕ ኣድልዎ ተሳቕዮም ከምዘለዉ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። " 

"ኣውስትራሊያውን ኣብ ዉሽጣ ብዙሕ ሞት እዩ ዝፍጸም ገለ ነገር ክግበር ድማ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናይ ኣመሪካ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚውን ይፍጸምዩ ግና ኣይንዛረበሉን ኢና። " ክትብል ሚስ ጊልበርት ን ገሊጻ።
Jay (R) attended the Black Lives Matter rally in Melbourne.
Jay (R) attended the Black Lives Matter rally in Melbourne. Source: Jarni Blakkarly
ጀይ ዝተባህለ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ዝሓዞ ጽሑፍ: "ንፍትሒ ሓቢርና ደው ንብል!" ይብል

"ንኹላትና ዝጸሉ እዩ። ከም ጸሊም ብዙሕ ዓሌታዊ ኣድልዎ ይበጽሓኒ እዩ። ኩላትና ን ኣሓትናን ን ኣሕዋትናን ደው ክንብል ኣለና። እዚ ንኹላትና ዝትንክፍ ነገር እዩ።" ክብል ን SBS News ገሊጹ።
ሰብ መዚ ክፍለግዝኣት ቪክቶሪያ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ልዕሊ 20 ሰባት እንተተኣኪቦም መቕጻዕቲ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም ኔሮም።

'ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ንሓብር'

ኣብ ከተማ ኣደላይድ ዋላ ብምኽንያት ኮቪድ-19 እገዳታት እንተሎኳ ፖሊስ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ክግበር ብምፍቃዱ፡  ሰልፈኛታት ን ቪክቶሪያ ስኩወር መሊኦሞ ኣምስዮም።

ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ኣፎምን ኣፍንጫኦምን ሸፊኖም ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክትግበር ብዝከኣል ፈቲኖም።

መዳራይ ጃክ ቡክስኪን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ኣቦርጂን ይኹን ኣይኹን ኩሉ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ ኢሉ።
Protesters participate in a Black Lives Matter rally in Adelaide on Saturday, June, 6, 2020. A protest against the deaths of Aboriginal people in custody and solidarity with the US protests for George Floyd. (AAP Image/Morgan Sette) NO ARCHIVING
Protesters participate in a Black Lives Matter rally in Adelaide. Source: AAP
"እዚ ከም ህዝቢ ናብ ሓደ ንመጸሉ እዩ። ሎሚ ኩላትና ሓደ ኮይና ኣለና፡ ምንቅስቓስና ምስ ህዝቢ እዩ ዝከውን።" ኢሉ።

"ህዝቢ ምሳና ክጓዓዝ ኢና ንደሊ፡ ነዚ እዮም ህዝቢ ኣቦርጂን ክሓቱ ጸኒሖም።"

ብዓርቢ ፖሊስ ኮሚሽነር ግራንት ስተቨንስ ፍቓዱ ከምዝኾነ ምስ ኣፍለጠ እቲ ብዝሒ ህዝቢ ነታ ከተማ ኣጥለቕሊቕዋ እዩ።

"እዚ ፍሉይን ኣዚዩ ዝድነቕን ህሞት እዩ። ህዝቢ ኣብ  ኣገደስቲ ጉዳያት ክቃወም መሰል ኣለዎ።"

ክብል ሚስተር ስተቨንስ ገሊጹ።

ኣስታት 10,000 ህዝቢ ኣብ ኪንግ ጆርጅ ስኩወር ናይ ብርስቤን ዝተኣከበ ህዝቢውን ሰልፊ ክገብር ዊዒሉ።
መደርቲ ባህላዊ ወነንቲ መሬት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤቶም ከይተረፈ ብፖሊስ ዝወርድ ግፍዒ ኣብቲ እዋን ዘርዚሮም።

"ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ ብሓባር ንላዓልን ብሓደ ድምጺ ንጠርዕን። ኣብዚ ሃገር ነጻነት ከይህልወና ድምጽና ከይነስምዕን መሰል ነጻነትና ዝገፍፍ ሕጊ እዩ ዘሎ።  ," ወደባት ዋንጋን ጃጋሊንጉ ኣድሪያንቡራጉባ ተዛሪቡ።

ነቶም ደቆምን ኣዝማዶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሞትዎም ስድራቤታት ነቲ ዝወረዶም ስምብራት መሕወዪ መንግስቲ ደገፍ ክገብረሎም ምስጸውዐ ካብ ጻት ናብ ጻት እቲ ጎደናታት ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝቢ ናይ ደገፍ ድምጺን ጣቕዒትን ደርጉሑ።
"ህዝብና ኣብ ማእሰርቲ ክመውትከሎ ድምጽና ብዓውታ መመሊሱ ከድሂ ኣለዎ።" ኢሉ

ኣንቲ ኣለክስንድራ ጋተር ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኣቦርጂናዊያን ዝምርምር ሮያል ኮሚሽን ክቐዉም ጸዊዓ።

"ዝኾነ ኣባል ፖሊስ ናብ ሕጊ ኣይቀረበን፡ ብዛዕባዚ ኩሉ ንሰምዕ ኢና። " ክትብል ነቲ ህዝቢ መደረ ኣስሚዓ።

እቲ ብዛዕባዚ ዝምርምር ኮሚሽን ኣብ 1991 ዝውድእ ኣትሒዙ 434 ኣቦርጂናዊያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም።

 

 


Share
Published 6 June 2020 7:23pm
By SBS News
Source: SBS


Share this with family and friends