ኮሮና ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ ብቀዳማይ ሚኒስተርን ብሰብ መዚ ጥዕናን ሰልፊ ከይግበር መጠንቅቕታ እንተተዋህበኳ፡ ኣብቲ "Black Lives Matter" ዝብል ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣውስትራሊያዊያን ተሳቲፎሞ።
እቲ ሰልፊ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ብምኽንያት ኣሰቃቒ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተላዕለ ቁጠዐ ዝግበር ዘሎ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ኣጋርነት ንምርኣይን ኮይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ህዝቢ ኣቦርጂኒውን ፍትሒ ክወጻሎም ዝጽውዕ ሰልፊ እዩ።
ብውሑድ 30,000 ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ጽርግያታት መልበርን፡ ሲድኒ፡ ኣደላይድን ሆባርትን ሰላማዊ ምረሻ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ደቀባት ጸለምቲ ኣውስትራሊያዊያን ዝግበር ዓሌታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ደው ክብል ጻዊዒት ቀሪቡ።
ኣብ ሲድኒ ነቲ ሰዓት 3 ናይ ሚሸት ክጅምር ዝነበሮ ሰልፊ ቅድሚ ቅሩን ደቓይቕ እዩ፡ ናይ NSW ቤት ፍርዲ እቲ ዝግበር ሰልፊ እዚ ድማ ነቲ እቲ ዝግበር ሰልፊ ንህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ብምዃኑ ክግበር የብሉን ንዝብል እዩ ዓጺፍዎ።

Protesters wearing masks protest against Indigenous deaths in custody. Source: AAP
እዚ ብይን ማለት ነቶም ድሮ ሰልፊ ክገብሩ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ጽርግያታት ብምዕጻዎም ከምዘይቕጽዑ ዝገበረ ዉሳነ እዩ ኔሩ።
እቲ እኩብ ህዝቢ፡ ነቲ ዉሳነ ምስሰምዐ "ህዝቢ ተዓዊቱ" ብምባል ሓጎሶም ገሊጾም።
ልዕሊ 10,000 ካብ ታውን ሆል ናብ በልሞር ፓርክ ብምምራሽ ሰዓት 4:32pm ብምብርካኽ "black lives matter" እናጸርሑ ነቶም ካብ 1991 ኣትሒዙ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲታት ዝሞቱ 432 ደቀባት ዘኪሮም።
ብውሕዱ 10,000 ሰልፈኛታት ኣብ ከተማ መልበርን ተኣኪቦም፡ ስድራቤታትን ፈለጥቲን ናይቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቐቑ ህዝቢ ኣቦርጂን ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረታት ኣስሚዖም።

Protesters took a knee in Sydney and held a minute's silence. Source: SBS News: Nick Baker
ደቀባት መልበርን ዝኾኑ መራሕቲ ዓሌት ዉሩንጀሪ ከም ምልክት ሓዘን ኣብ ግምባሮም ጻዕዳ ሕብሪ ተለኽዮም ኔሮም።
"ደቂ ሰባት ስለዝኾና ኩላትና ቀይሕ ደም ኢና ነፍስስ" ሓደ ካብ መደርቲ ምስበለ እቲ ህዝቢ ናይ ደገፍ ድምጺ ኣስምዐ።
ህዝቢ ኣቦርጂን፡ ካብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ጠቕላላ ብዝሒ ሰለስተ ሚእታዊ ጥራይ እንተኾኑኳ፡ ካብቶም ዘለዉ እሱራት ግና እቶም 28 ሚእታዊ ደቂ ኣቦርጂን ምዃኖም ኣብቲ እዋን ሰልፊ ተገሊጹ።
ብሂሊኮፕተራት ዝተዓጀቡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ እንተተረኽቡኳ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ እዩ ኔሩ።

There is a strong police presence at the Black Lives Matter rally in Sydney. Source: SBS News: Nick Baker
ሓንቲ ኮዴ ጊልበርት ትበሃል ሰልፈኛ ሒዛቶ ዝነበረት ጭርሖ ከምዚ ይንበብ፡ "ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምስማዕ እንተደኺምካ ክሳብ ክንደይ ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዝበጽሕ ኣድልዎ ተሳቕዮም ከምዘለዉ ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። "
"ኣውስትራሊያውን ኣብ ዉሽጣ ብዙሕ ሞት እዩ ዝፍጸም ገለ ነገር ክግበር ድማ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ናይ ኣመሪካ ጸገም ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚውን ይፍጸምዩ ግና ኣይንዛረበሉን ኢና። " ክትብል ሚስ ጊልበርት ን ገሊጻ።
ጀይ ዝተባህለ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ዝሓዞ ጽሑፍ: "ንፍትሒ ሓቢርና ደው ንብል!" ይብል

Jay (R) attended the Black Lives Matter rally in Melbourne. Source: Jarni Blakkarly
"ንኹላትና ዝጸሉ እዩ። ከም ጸሊም ብዙሕ ዓሌታዊ ኣድልዎ ይበጽሓኒ እዩ። ኩላትና ን ኣሓትናን ን ኣሕዋትናን ደው ክንብል ኣለና። እዚ ንኹላትና ዝትንክፍ ነገር እዩ።" ክብል ን SBS News ገሊጹ።
ሰብ መዚ ክፍለግዝኣት ቪክቶሪያ ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ልዕሊ 20 ሰባት እንተተኣኪቦም መቕጻዕቲ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም ኔሮም።
'ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ንሓብር'
ኣብ ከተማ ኣደላይድ ዋላ ብምኽንያት ኮቪድ-19 እገዳታት እንተሎኳ ፖሊስ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ክግበር ብምፍቃዱ፡ ሰልፈኛታት ን ቪክቶሪያ ስኩወር መሊኦሞ ኣምስዮም።
ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ኣፎምን ኣፍንጫኦምን ሸፊኖም ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክትግበር ብዝከኣል ፈቲኖም።
መዳራይ ጃክ ቡክስኪን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ኣቦርጂን ይኹን ኣይኹን ኩሉ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ ኢሉ።
"እዚ ከም ህዝቢ ናብ ሓደ ንመጸሉ እዩ። ሎሚ ኩላትና ሓደ ኮይና ኣለና፡ ምንቅስቓስና ምስ ህዝቢ እዩ ዝከውን።" ኢሉ።

Protesters participate in a Black Lives Matter rally in Adelaide. Source: AAP
"ህዝቢ ምሳና ክጓዓዝ ኢና ንደሊ፡ ነዚ እዮም ህዝቢ ኣቦርጂን ክሓቱ ጸኒሖም።"
ብዓርቢ ፖሊስ ኮሚሽነር ግራንት ስተቨንስ ፍቓዱ ከምዝኾነ ምስ ኣፍለጠ እቲ ብዝሒ ህዝቢ ነታ ከተማ ኣጥለቕሊቕዋ እዩ።
"እዚ ፍሉይን ኣዚዩ ዝድነቕን ህሞት እዩ። ህዝቢ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ክቃወም መሰል ኣለዎ።"
ክብል ሚስተር ስተቨንስ ገሊጹ።
ኣስታት 10,000 ህዝቢ ኣብ ኪንግ ጆርጅ ስኩወር ናይ ብርስቤን ዝተኣከበ ህዝቢውን ሰልፊ ክገብር ዊዒሉ።
መደርቲ ባህላዊ ወነንቲ መሬት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤቶም ከይተረፈ ብፖሊስ ዝወርድ ግፍዒ ኣብቲ እዋን ዘርዚሮም።
"ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ ብሓባር ንላዓልን ብሓደ ድምጺ ንጠርዕን። ኣብዚ ሃገር ነጻነት ከይህልወና ድምጽና ከይነስምዕን መሰል ነጻነትና ዝገፍፍ ሕጊ እዩ ዘሎ። ," ወደባት ዋንጋን ጃጋሊንጉ ኣድሪያንቡራጉባ ተዛሪቡ።
ነቶም ደቆምን ኣዝማዶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሞትዎም ስድራቤታት ነቲ ዝወረዶም ስምብራት መሕወዪ መንግስቲ ደገፍ ክገብረሎም ምስጸውዐ ካብ ጻት ናብ ጻት እቲ ጎደናታት ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝቢ ናይ ደገፍ ድምጺን ጣቕዒትን ደርጉሑ።
"ህዝብና ኣብ ማእሰርቲ ክመውትከሎ ድምጽና ብዓውታ መመሊሱ ከድሂ ኣለዎ።" ኢሉ
ኣንቲ ኣለክስንድራ ጋተር ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኣቦርጂናዊያን ዝምርምር ሮያል ኮሚሽን ክቐዉም ጸዊዓ።
"ዝኾነ ኣባል ፖሊስ ናብ ሕጊ ኣይቀረበን፡ ብዛዕባዚ ኩሉ ንሰምዕ ኢና። " ክትብል ነቲ ህዝቢ መደረ ኣስሚዓ።
እቲ ብዛዕባዚ ዝምርምር ኮሚሽን ኣብ 1991 ዝውድእ ኣትሒዙ 434 ኣቦርጂናዊያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም።