ኣብ ቪክቶሪያ ካብ ዝተረኽቡ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሓንቲ መምህርን ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪን ይርከብዎም።

ኣብ መልበርን ሓንቲ መምህርን ናይ ከባቢ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪን ካብቶም ኣብ ቪክቶርያ ዝርከቡ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ እዮም ፡ ምንጪ መልከፍቲ ናይዚኦም ዘይፍለጥ እዩ ።

A teacher from Melbourne's Al-Taqwa College has tested positive to COVID-19.

A teacher from Melbourne's Al-Taqwa College has tested positive to COVID-19. Source: AAP

ቪክቶሪያ ሽዱሽተ ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ሓቢራ ኣላ ፡ ተለኺፋ'ከላ ኣብ ማሕበረሰብ ንሓደ ሰሙን መልበርን ዝጸንሐት መምህርን ናይ ከባቢ ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪንን ዘጠቓለለ እዩ ።

እታ ኣብ ትሩጋኒና ካብ ዝርከብ ኮሌጅ ኣል-ታቅዋ ዝመጸት መምህር ብረቡዕ ተመርሚራ እቲ ቫይረስ ተረኺብዋ: ሰበ-ስልጣን ድማ ምንቅስቓሳታ ንምክትታል ይቀዳደሙ ኣለዉ ።

ንሳ ሓንቲ ካብቶምካብ ዉሽጢ ኣብ 24 ሰዓት ክሳዕ ኃሙስ ንግሆ ብኮሮና ቫይረስ እተታሕዛ ሽዱሽተ ሓደስቲ እያ ነይራ ።

እቲ ናይ ጥዕና ክፍሊ ከምዝገለጾ መርመራታት ኣብ ቶም ሰለስተ መልከፍቲ ይቕጽል ኣሎ ።
እቶም ካልኦት ሰለስተ ከኣ ፡ ምስቲ ድሮ እተፈልጠ ዓንኬል መልከፍቲ ዝተሓሓዙ እዮም ፣ ኣብ እዋን መልከፍቶም፡ ኣብ ውሸባ ዝጸንሑ እዮም ።

ካልእ ካብቲ ምስጢራዊ መልከፍቲ ከኣ ፡ ሓደ ኣብ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኒውፖርት ዝነጥፍ ተጻዋቲ ቀዳም ምስ ዌስት ፉትስክረይ ኣብ ዝተገብረ ግጥም ኣብ ሜዳ Shorten Reserve ተሳቲፉ ኔሩ።

ሊግ ኩዕሶ እግሪ ምዕራባዊ ዞባ እቲ ተጻዋታይ ኣብዚ ሰሙን ሕማቕ ዝኾነ ስምዒት ክስምዖ ከምዝጀመረን ሰሉስ ኣብ ስልጠና ከምዘይተሳተፈን ሓቢሩ ።

ናይ ኒውፖርት ፕሬዝዳንት ማርዋን ኣቡ-ዘይድ ብወገኑ እቲ ተጻዋታይ ብረቡዕ ኣወንታዊ ውፅኢቱ ድሕሪ ምፍላጡ ብኡንብኡ ከምዝተረኽበ ተዛሪቡ ።

ደቂ ጋንታኡን ሓለፍቲ ክለቡን ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝረኽቡ ክምርመሩን ክፍለዩን ተነጊርዎም ኣሎ ።

ንሱ ንAAP ኣብ ዝሃቦ ቃል ፡ "ኵሉ ነገር ኣቋሪጽና ኣለና ፡ ክፍሊ ጥዕና መጺኡ ፡ ኩነታትና ኣበይ ከምዝርከብ ኽመልሰልና ኢና ንጽበ ዘለና" በለ ።

እቲ ተጻዋታይ ምስቲ ኣብ ኮሌጅ ኣል-ታቅዋ ዝርከብ መምህር ዝተሓሓዝ እንተ ደኣ ኰይኑ ርግጸኛ ኣይኰነን ። እዚ ኮሌጅ እዚ ፡ ንልዕሊ 2000 ተመሃሮን 300 ሰራሕተኛታትን ክምርመሩን ርእሶም ኪግልሉን ትእዛዝ ተዋሂቡ እዩ ።

ኮሌጅ ኢሊም ከምኡ "ውን ናይ ኣውስትራሊያ ኣህጉራዊ ኣካዳሚ ካምፕታት ከምኡ" ውን ኣብ ታርነይት ዝርከብ እስላማዊ ኮሌጅ መልበርን (ICOM) እውን ከም ቅድመ-ጥንቃቐ ብሓሙስ ተዓጽየን ኣለዋ።

እታ ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ መምህር ናይ ቤት ትምህርቲ ኣል-ታቅዋ ፡ ኣብ ከባቢ ሆቦንስ በይ ምስ ሰብኣያ እያ እትነብር ፣ ብኸመይ በቲ ቫይረስ ከም እተጠቕዐት ንምፍላጥ ድማ ህጹጽ መርመራታት ይካየድ ኣሎ ።


Share
Published 5 August 2021 12:07pm
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends