ጣሊባን ኣንጻሩ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ እዋን ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከምዝመስረተ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ጣሊባን ንባህላዊ ብዙሕነት እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ኣድማዕነት ዘለዎ መንግስቲ ከም ዝህሉ ተመባጺዑ፡ እንተኾነ ኵሎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እቲ መንግስቲ ካብቲ ምንቅስቓስ ተሸይሞም ኣለዉ።

Taliban spokesman Zabihullah Mujahid addresses a press conference in Kabul on 7 September, 2021.

Taliban spokesman Zabihullah Mujahid addresses a press conference in Kabul on 7 September, 2021. Source: AFP

ጣሊባን ብሰሉስ መንግስቲ ከምዘቖመ ኣፍለጠ ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርዝርሓደገኛ ምንቅስቓስ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ ፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ድሕሪ ሰሙናት ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ተዓሊዩ ምስተሰደ እዩ።

ጣሊባን ስልጣን ኣፍጋኒስታን ንምቁጽጻር ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ መንግስቲ ኣብዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ኣንጻር ግዝኣቶም ተቓውሞታት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ፡ በዚ እተላዕለ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ሄራት ክልተ ሰባት ብጥይት ተቐትሉ ።

ጣሊባን ብ1990 ኣብ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ግዝኣት ፡ ላዕለዋይ ሚኒስተር ዝነበረ ሙላህ መሓመድ ሓሰን ኣኩሁንድ ፡ ተጠባባቒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ከገልግል ከም እተመዘዘ ኣፈኛ እቲ ውድብ ኣብ ካቡል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ እዩ ።

ጣሊባን ንብዙሃ ባህሊ እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ዘተኣማምን መንግስቲ ከም ዝህሉ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኵሉ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ነቶም ቀንዲ መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስን ተዋሂብዎም ዘሎ ፣

 


Share
Published 8 September 2021 8:12am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends