ሰብኣየይ ብምማቱ ኣዚየ ሓዚነ፡ ድሓር ግን ነታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ከምዝቐተለ ተረዲአ።

ሱዛን ፡ ሰብኣያ ምስ ሞተ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ፡ ካብ ርሑቕ ዘመድ ናይ ቴሌፎን ደወል ተቐበለት ። ብዛዕባ እቲ ዘፍቀረቶ ሰብኣይ ዝገልጽ ምስጢርን ዓብዪ ምስጢርንን ድማ ረኸበት ።

ሕጉሳት ዝመስሉ ሰብ ሓዳር እናሰሓቑ ይተሓቛቖፉ

ሱዛን ፍራንሲስ ምስ ነፍስሄር ሰብኣያ ዋይነ Source: Supplied

እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ዘቤታውን ጾታውን ዓመጽ ዝሓዘ እዩ።


ሱዛን ፍራንሲስ ሰብኣያ ዋይን ካብ ዝመውት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፡ ካብ ሓደ ዝሰኸረ ሰብኣይ ቴሌፎን ተደወለላ ፣ እቲ ደዋላይ ናይ ርሑቕ ዘመድ ሰብኣያ እዩ።
ሱዛን ንመደብ ኤስ ቢ ኤስ ኢንሳይት ፡ "ንሰብኣየይ ስለምንታይ ከም ዝተመርዓኽዎ ብምሕታት ፡ ብሓቂ ዘጨንቕ ነገራት እዩ ዝዛረብ ነይሩ" በለት ።
ነቲ ዝርርብ ናይ ሰኽራም ሰብኣይ ዘረባ እዩ ኢላ ነቲ ቴሌፎን ዓጸወቶ ፣ ኣብ ሓዘን ናይቲ ብሃንደበት ዝሞት ሰብኣያ ከተተኩር ደለየት ።
"ነቲ ናይ ቀብሪ (ምቅጻል ሬሳ) ስነ ስርዓት ከወሃህድ ነይሩኒ ። ብሓዘን ተዋሒጠ ስለ ዝነበርኩ ፡ ነቲ ዝርርብ ናብ ሓደ ወገን ኣቐመጥክዎ ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ፡ ህይወተይ ምርግጋእን ምጽንናዕን እዩ ነይሩ "በለት ።

ይኹን እምበር ፡ ንሓማታ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ክሳዕ እትሓታ፡ እቲ ናይቲ ሰኽራም ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ኣእምሮኣ ንክልተ ዓመት እዩ ነይሩ ።
"[ሓማተይ] ብብኽያት ፊቕ በለት ። ብሓቂ ስለ ዝሓረቐት ፡ ከይዳ ኽትድቅስ ነበራ ። ካብ ገዛ ክወጽእ ነይሩኒ ። ንሳ ፡ ሰብኣየይ ወዲ 22 ዓመት እንከሎ ንሰበይቱ ከም ዝቐተላ ነገረትኒ ።"
እቲ ክሲ ኣብ ፈለማ ቅትለት ከም እተፈጸመ ተሓሲቡ ነይሩ: ድሕሪኡ ናብ ኮነ ኢልካ ዘይተገብረ ቅትለት ከምዝፈጸመ ተሓስበ ። ኣብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነብረላ ዝነበረ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ድማ ንሰለስተ ዓመት ተኣስረ ።
ሱዛን ፡ "ንሰበይቱ ኰነ ኢሉ ካብቲ መደያይቦ ናይ ገዛኦም ከም ዝደፍኣ ፡ ወይ ከኣ ከም ዘንከራረዋ ፡ ንሳ እውን ካብቲ መደያይቦ ከም ዝወደቐት ፈለጥኩ" በለት ።
ሱዛን ነቲ ቅድሚ 30 ዓመት ምስኣ ምርኻባ ነዚ ተግባር እዚ ዝፈጸመ ሰብኣይን ነቲ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ዘፍቀረቶ ሰብ ሓደ ከምዝኾኑ ንምትዕራቕ ብውሽጣ ተቓለሰት ።
"ክልቲኦም ብሓንሳእ ፡ ሓደ ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም "በለት ።
ክልቲኦም ብሕጉስ ኣብ ናይ ዕረፍቲ መገሻ
Susan Francis says years after her husband's death, she struggles with all the questions she has about his dark past that she will never know the answers to. Source: Supplied

ምስ ግዜ ኩሉ ነገር ኣይልወጥን እዩ

ካብ ዩኒቨርሲቲ መልበርን ፡ ኣሶሸይትድ ፕሮፌሰር ፍልስፍና ፡ ካረን ጆንስ ከምትብሎ፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም እተለወጠ ዝሕብር ጽቡቕ መሐበሪ እኳ እንተ ኾነ፡ እዚ ግን ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኣይኰነን ።
"ሰባት ክልወጡን ክዓብዩን ከም ዝኽእሉ ናይ ምግንዛብ ሓላፍነት ኣሎና ። እቲ ሰብ እቲ ካብ ልቡ ምስ ተቐየረ ፡ ርእሱ ከም እተቐየረ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ " ።
ይኹን እምበር ፡ ንሕሉፍ ህይወትና ንምውናን ብምእባይና ፡ ጠባይና ፈጺሙ ከም ዘይተለወጥና እዩ ዝሕብር ።
ሱዛን ፡ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል እኳ እንተ ተገንዘበት ፡ ንሰበይቱ ዝቐተለ ድሕሪኡ ንካልእ ሰበይቲ እንተ ተመርዓወ ፡ ካብ ሕሉፍ ህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ንጹህ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓን እዩ ።
"ዋይነ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኡ ሓድሽ ህይወት ክጅምር መሰል ኣለዎ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ሰባት ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ክፈልጥዎ ዘለዎም ነገራት ኣለዎም" በለት ።
"ቅድሚ ምምርዓውና ፡ ገለ ክፋል ታሪኹ ክፈልጥ ነይሩኒ "በለት ።
ሕጉሳት ሰብ ሓዳር .
Susan Francis' husband Wayne went to jail over the death of his first wife, almost 30 years before Susan met him. Source: Supplied
ሱዛን ነቲ ኣብ መንጎ ዘይቅላዕ ምስጢርን ምትላልን ዘሎ ቀጢን መስመር እኳ እንተ ተቐበለቶ ፡ ዋይነ ግና ከም ዘታለላ እያ ትኣምን ።
"እዚ ምስ ኣተና ዝግበር እዩ ። ሓደ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕላማ ንኸቐድም ኢሉ ገለ ነገር እንተ ዘይነጊሩካ: ኣብዚ ምትላል ኣሎ ማለት እዩ "በለት።
"እንተ ነጊሩኒ ምስኡ ኸይወጽእ ወይ ንኸይምርዓዎ ወሲነ ነይረ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ነቲ ነገር ስለ ዘጽንሖ ፡ መንነተይ እተጸልወ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ "በለት ።
ቀደም ዘይነበረ ኣብ መንጎና መፍለዪ ከም ዘሎ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ከመይ ከም ዝጽገን ኣይፈልጥን እየ።
Susan Francis
ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ጆንስ ፡ ኣብ ዝምድናታት ምትእምማን ተጽንዕ ። ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ እነፍቅሮ ሰብ ምፍላጥና ፡ ነቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ስምዒትን ነቲ ሕጂ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብን ክጸልዎ ከም ዝኽእል ትዛረብ ።
"እቲ ሕጂ ርክብና እተሃንጸሉ መሰረት ጽኑዕ ዘይምዃኑ ምስ ፈለጥና የጨንቐና እዩ ።"

'ሕጂ ካብኡ ዝወጻእኩ ኮይኑ እስምዓኒ'

Susan’s anger stems from Wayne’s betrayal of the values she assumed they shared.

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ዝፍጸም ግህሰት ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብብጾተን እተቐትላ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዜና ዝግበር ዝርርብ ፡ ብዛዕባ እቲ ምይይጥ ክንገብር ከለና ከመይ ይስምዖ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገርመኒ እዩ" በለት ።
"እቲ ዝዀነ ብዘይምንጋሩ ፡ ኣዝዩ መታለሊ እዩ ነይሩ ። ብዛዕባ እቲ ብብሕተይ ዘገድሰኒ ዝነበረ ነገር ፡ ማለት ብዛዕባ ዝዀነት ትኹን ጓል ኣንስተይቲ ከይፈለጥኩ ክነብር ክሕዘኒ ወሰነ ። "
ናይ ኣውስትራሊያ ትካል ሓለዋ ጥዕናን ድሕንነት ዝወጸ ሓድሽ ጸብፃብ ከምዘመልክቶ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ሽዱሽተ ኣንስቲ ሓንቲ ብናይ ሕጂ ወይኻኣ ብቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መጻምዲ ኣካላዊ ወይኻዓ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙዋ እዩ ።
ሱዛን ብዛዕባ እቲ ሕቡእ ሕሉፍ ታሪኽ ዋይን ካብ እትፈልጥ ሓሙሽተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ ፣ ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበራ ኣሉታዊ ስምዒት እውን ትቃለስ ኣላ ።

"ሕጂ ፡ ነቲ ዘጋጠመ ስለ ዝፈለጥኩ ፡ ካብኡ እተፈለኹ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ። ኣብ መንጎና ዘየለ ምፍልላይ ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ: ነዚ ብኸመይ ከም ዘዐርዮ ድማ ኣይፈልጥን እየ "በለት ።

ሱዛን ፡ ወይን ንሰበይቱ ኽቐትላ ሓሲቡ እንተ ኰይኑን ነቲ ኣብ ዳሕራይ ህይወቱ ዘጋጠሞ ፍጻመ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ከመይ ከምዝርእዩን ክትፈልጥ ምደለየት ። ድሕሪ ሞቱ ሸውዓተ ዓመት ጸኒሑ ፡ እዚ ሕቶታት እዚ ሕጂ'ውን የተሓሳስባ ኣሎ ።
"ከምዚ ዓይነት ዝርርብ እንተንጅምር ደስ ምበለኒ ። ምስኡ ኮፍ ኢለ ፡ ብድምጹ ፡ ብቓል ኽነግረኒ እደሊ እየ "በለት ።





If you or someone you know is impacted by domestic violence, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit In an emergency, call 000. , operated by No to Violence, can be contacted on 1300 766 491.

Share
Published 4 April 2023 8:11pm
By Anushri Sood
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends