ብ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሱዳን ሰላማዊ ሰልፊ ይወጹ፡ ፖሊስ ኣንጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘንብዕ ይትኩስ።

ብሰኑይ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓይልታት ናይ ናጽነትን ለውጢን ተጌሩ ።

Sudanese protest against a political deal struck between Abdel Fattah al-Burhan and Prime Minister  Abdalla Hamdok in Khartoum.

Sudanese protest against a political deal struck between Abdel Fattah al-Burhan and Prime Minister Abdalla Hamdok in Khartoum. Source: Anadolu

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን መንግስቲ ተኻፊሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተቓዉሞ ኣብዝገብርሉ ዝነበሩ ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሱ ተፈሊጡ ።

እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፡ ካብ እተፈላለየ ኣውራጃታት እታ ርእሰ ከተማ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣምሪሖም ።

ብዙሓት ሰባት ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ ሒዞም ፡ "ንወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ኣይፋል" ፡ "እቲ ሰራዊት ኣሕሊፉ ክህበካ ይኽእል እዩ ፡ እቲ ጐደና ግና ከቶ ኣይጠልመካን እዩ" ኢሎም ይጭርሑ ምንባሮም ፡ ኤኤፍፒ ሓቢሩ ።

ኣብታ ሃገር ርሑቕ ምዕራብ ፡ ሓደ ብዓል ስልጣንን ማእከላይን 48 ሰባት ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት ከም እተቐትሉ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ተቓወምቲ ብዙሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከለዉ ፡ ጽርግያታት ብ ኣእማን ይዓጽዉን ጎማታት መኻይን የንድዱን ኣለዉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተገብረ ዕልዋ ፡ ኣብቲ ክግበር ዝጸንሐ ተቓውሞታት ፡ 44 ሰባት ክሳዕ 22 ሕዳር ከም እተቐትሉ ፡ ማሕበር ሓካይም ገሊጹ ኣሎ ።

ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ድማ ብጥይት ቈሲሎም እዮም ።
ላዕለዋይ ጀነራል ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ስልጣን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ እኳ እንተ ነበረ ፡ ድሕሪ ኣህጉራዊ ኩነኔን ህዝባዊ ተቓውሞን ግን ፡ ብ21 ሕዳር ብዝኸተሞ ስምምዕ ዳግማይ ናብ ስልጣኑ መሊስዎ ኣሎ ።

እቲ ስምምዕ ምስተገብረ ተጣበቕቲ ዴሞክራሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ስልጣን ጸቕጢ ክገብሩ መብጽዓ ኣትዮም ኣለዉ ።

ማሕሙድ ኣቢዲን ኣብ ማእከል ካርቱም ኣብዝግበር ዝነበረ ሰልፊ ከምዝብሎ፡ "ሓምዶክ ነቲ መሰጋገሪ መገዲ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ሂብዎ" በለ ።

Sudan's top general Abdel Fattah Al-Burhan speaks during a ceremony to reinstate Prime Minister Abdalla Hamdok in Khartoum, Sudan, 21 November, 2021.
Sudan's top general Abdel Fattah Al-Burhan speaks during a ceremony to reinstate Prime Minister Abdalla Hamdok in Khartoum, Sudan, 21 November, 2021. Source: AP
ሚስተር ኣል-ቡርሃን ካብ ፈለማ፡ እቲ ወታሃደራዊ ስጉምቲ "ዕልዋ መንግስቲ ኣይኮነን" ክብል ኣትሪሩ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ ፡ እዚ ስጉምቲ "ዚ ነቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝጀመረ ናብ ምሉእ ዲሞክራሲ ንምስግጋር" ምጽራይ መንግስቲ "እዩ ።

ሚስተር ቡርሃን ኣብ ሓምለ 2023 ንሱዳን ናብ "ነፃን ግልፅን ምርጫ" ንምምራሕ ቃል ኣትዩ እዩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ጥቓ ቻድ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ብውሑዱ 46 ሰባት ብቐዳምን ሰንበትን ብሰንኪ ግጭት እናበርትዐ ብምምጽኡ ከም ዝሞቱ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ኻሚስ ዓብደላ ንAFP ሓቢሩ ።

ኮሚተ ሓካይም ብዘይዶብ ፡ ኣብ ዳርፉር ከባቢ ክሪንክ 48 ሰባት ከም ዝተረሸኑ ኣፍሊጡ ።

ኣብቲ ንዓመታት ብህውከት ክሕመስ ዝጸንሐ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ኣብ ሰለስተ ሰሙን ቝጽሪ ዝሞቱ ሰባት 100 በጺሑ ።

 


Share

Published

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends