ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ሱዳን ስልጣን መንግስቲ ተኻፊሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተቓዉሞ ኣብዝገብርሉ ዝነበሩ ፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተኮሱ ተፈሊጡ ።
እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፡ ካብ እተፈላለየ ኣውራጃታት እታ ርእሰ ከተማ ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣምሪሖም ።
ብዙሓት ሰባት ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ ሒዞም ፡ "ንወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ኣይፋል" ፡ "እቲ ሰራዊት ኣሕሊፉ ክህበካ ይኽእል እዩ ፡ እቲ ጐደና ግና ከቶ ኣይጠልመካን እዩ" ኢሎም ይጭርሑ ምንባሮም ፡ ኤኤፍፒ ሓቢሩ ።
ኣብታ ሃገር ርሑቕ ምዕራብ ፡ ሓደ ብዓል ስልጣንን ማእከላይን 48 ሰባት ብሰንኪ ዓሌታዊ ግጭት ከም እተቐትሉ ገሊጹ ኣሎ ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ተቓወምቲ ብዙሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ከለዉ ፡ ጽርግያታት ብ ኣእማን ይዓጽዉን ጎማታት መኻይን የንድዱን ኣለዉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝተገብረ ዕልዋ ፡ ኣብቲ ክግበር ዝጸንሐ ተቓውሞታት ፡ 44 ሰባት ክሳዕ 22 ሕዳር ከም እተቐትሉ ፡ ማሕበር ሓካይም ገሊጹ ኣሎ ።
ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ፡ ድማ ብጥይት ቈሲሎም እዮም ።
ላዕለዋይ ጀነራል ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ስልጣን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎ እኳ እንተ ነበረ ፡ ድሕሪ ኣህጉራዊ ኩነኔን ህዝባዊ ተቓውሞን ግን ፡ ብ21 ሕዳር ብዝኸተሞ ስምምዕ ዳግማይ ናብ ስልጣኑ መሊስዎ ኣሎ ።
እቲ ስምምዕ ምስተገብረ ተጣበቕቲ ዴሞክራሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ስልጣን ጸቕጢ ክገብሩ መብጽዓ ኣትዮም ኣለዉ ።
ማሕሙድ ኣቢዲን ኣብ ማእከል ካርቱም ኣብዝግበር ዝነበረ ሰልፊ ከምዝብሎ፡ "ሓምዶክ ነቲ መሰጋገሪ መገዲ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ሂብዎ" በለ ።

Sudan's top general Abdel Fattah Al-Burhan speaks during a ceremony to reinstate Prime Minister Abdalla Hamdok in Khartoum, Sudan, 21 November, 2021. Source: AP
ሚስተር ቡርሃን ኣብ ሓምለ 2023 ንሱዳን ናብ "ነፃን ግልፅን ምርጫ" ንምምራሕ ቃል ኣትዩ እዩ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ጥቓ ቻድ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ብውሑዱ 46 ሰባት ብቐዳምን ሰንበትን ብሰንኪ ግጭት እናበርትዐ ብምምጽኡ ከም ዝሞቱ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ኻሚስ ዓብደላ ንAFP ሓቢሩ ።
ኮሚተ ሓካይም ብዘይዶብ ፡ ኣብ ዳርፉር ከባቢ ክሪንክ 48 ሰባት ከም ዝተረሸኑ ኣፍሊጡ ።
ኣብቲ ንዓመታት ብህውከት ክሕመስ ዝጸንሐ ምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ኣብ ሰለስተ ሰሙን ቝጽሪ ዝሞቱ ሰባት 100 በጺሑ ።