ሰራዊት ሱዳን ንቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክመልሶ ተሰማሚዑ።

ሰራዊት ሱዳን ብዕልዋ መንግስቲ ኣውሪዱ ኣብ ገዛኡ ድሕሪ ንሰሙናት ምቕያዱ ንዓዳላ ሓምዶክ ናብ ቦታኡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ክምለስ ተሰማሚዖም ኣለው ።

Abdalla Hamdok will be reinstated as Sudan's prime minister weeks after he was deposed in a military coup.

Abdalla Hamdok will be reinstated as Sudan's prime minister weeks after he was deposed in a military coup. Source: AAP

ናይ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ቀዳማይ ሚንስትር ዓብደላ ሓምዶክን ብዝገበርዎ ስምምዕ፡ ናብ መንበሩ ክምለስን ካብቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ መራሕቲ ሲቪላዊ ክፍትሖምን ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለው ክብሉ ኣሸማገልቲ ትማሊ ሰንበት ገሊጾም ።

ሚስተር ቡርሃን ብ25 ጥቅምቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣዊጁ ፡ ነቲ መንግስቲ ካብ ስልጣን ኣውሪድዎ ፡ እዚ ድማ ንክልተ ዓመት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝዓለመ መሰጋገሪ መድረኽ ድሕሪ ምቛሙ፡ ኣህጉራዊ ኩነኔን ቀጻዒ ስጉምትን ፡ ከምኡውን ሰፊሕ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ ።
"ኣብ መንጎ ጀነራል ቡርሃን፡ ዓብደላ ሓምዶክ ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ፡ ንፕረዚደንት ሃምዶክ ናብ ስልጣኑ ንኽምለስ፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ፡ ስምምዕ ተገይሩ " ይብል ናይቲ ኣብ ሽምግልና ዝመርሐ ተጠባባቒ ሓላፊ ሰልፊ ኡማ ፋድላ በርማ ገሊጹ።

ካብ ምጅማር እቲ ቅልውላው ኣትሒዙ ርክብ ንምስላጥ ኣብ ዝርርብ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ከም ምሁራት ፡ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝርከብዎም ጕጅለ ሱዳናውያን መንጎኛታት ፡ ቀንዲ ነጥብታት እቲ ርክብ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ።

በዚ ድማ ሚስተር ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክምለስን ኵሎም እሱራት ከም ዚፍትሑን ከምኡ'ውን እቲ መሰጋገሪ እዋን ዘመሓድር ቅዋማዊ: ሕጋውን ፖለቲካውን ስምምዕ ከም ብሓድሽ ከም ዚጅመርን ዘጠቓልል እዩ ።

ዝተመደበ ሰላማዊ ሰልፊታት

እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃውያን ውድባትን ዝሰርሐን ኣብ ብሪጣንያ ዝተማህረ ናይ ቁጠባ ምሁር ሚስተር ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ ክምላስ ቀንዲ ጠለብ ማሕበረሰብ ዓለም ኮይኑ ጸኒሑ።

"እቲ ስምምዕ ድሕሪ ሎሚ (ሰንበት) ብወግዒ ክንገር እዩ ፡ እዚ ዝኸውን ቅጥዕታትን ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ኣዋጃትን ድሕሪ ምፍራምን ክውን ክኸውን'ዩ።" ክብል እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም መንጎኛታት ከኣ ፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ጕጅለታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ዝዀኑ ጕጅለታትን ወተሃደራት ድሕሪ እተገብረ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ገለጹ ።

እቲ ናይ ሰንበት መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ፡ እቶም ንደሞክራሲ ዝቃለሱ ሰባት ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ብውሑዱ 40 ሰባት ዝቐተለ ኩነታት ተፈጺሙ። ብረቡዕ 16 ሰባት ካብ ዝቕተሉላ መዓልቲ እታ ዝኸፍአት እያ ነይራ ።
Sudanese protest in Khartoum on 17 November against the military coup that ousted government.
Sudanese protest in Khartoum on 17 November against the military coup that ousted government. Source: AAP
እቲ ናይ ተቓውሞ ጻውዒት ዝቐረበ በቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ነቲ ዲክታተርያዊ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ንምእላይ ኣብዝተገብረ ቃልሲ ዝመርሐ ናይ ሱዳናውያን ማሕበር ክኢላታት (SPA) እዩ።

ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምብታን "ውሑድ ሓይሊ" ከም እተጠቕሙ ብምግላጽ: ዝዀነ ይኹን ተተኳሲ ከም ዘይተጠቕሙ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ። ኣብ ሰሜን ካርቱም ካብ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ሓደ ጥራይ እዮ ሞይቱ።

ብቀዳም ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝዓለመ ሰልፊ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተበጊሱ ኣብ ሰሜን ካርቱም ዝርከብ ፈለግ ኒል ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ህዝቢን ፣ እቶም ተቓወምቲ ከኣ ፡ ጽርግያታት ዓጽዮም ጎማታት መኪና የንድዱ ከምዝነበሩ AFP ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜን ካርቱም ዕግርግር ኣብ ዝነበረሉ ሰልፊ: ሓደ መደበር ፖሊስ ተቓጺሉ: ሓይልታት ጸጥታን ተቓወምቲ ሰልፈኛታትን ነቲ ምንዳድ ንሓድሕዶም ተኻሲሶም።

ሰበ-ስልጣን ሱዳን ነቲ ቅትለት ዝምልከት መርመራ ክካየድ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ ።

ካርቱም ጸጥ ኢላ ትርከብ

ይኹን እምበር ፡ ብሰንበት፡ ኣብ ከባቢ ካርቱምን ጐደናታትን መኻይን ብዘይ ጸገም ክዛወራ ተራእየን ፣ኣብ እዋን ሰልፊታት ቀንዲ ጐደናታት ዝዕጸወሉ ስለዝነበረ ካብ ካልእ እዋን እተፈልየ እዩ ነይሩ።

ኣብ ጽንኩር ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን ፡ ካብ 1956 ኣትሒዛ ደሞክራስያዊ ምምሕዳር ብዙሕ ዘየስተማቐረትን ንነዊሕ ዓመታት ወተሃደራዊ ምልዕዓል ዝረኣያ ሃገር እያ ።

እቲ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት በሽር ዘገልገለ ሚስተር ቡርሃን ፡ ኣብ 2019 ሰራዊት ን ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ከም ተጣባባቒ መራሒ ኮይኑ።


ሚስተር ቡርሃን ፡ እቲ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ "ዕልዋ መንግስቲ ኣይኰነን" ብምባል ፡ "ነቲ መሰጋገሪ ንምእራም" ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ኣትሪሩ ተዛሪቡ ኔሩ።

 


Share

Published

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends