ሱዳን፥ ኣንጻር ደማዊ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ትገብር

ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፡ ሰራዊት ሱዳን ብሰኑይ ነቲ ሲቪላዊ ኣካል መንግስቲ ኣሲሩ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ፡ ካብዚ ተግባር 'ክግታእ' ከርኢ ጸዊዖም እዮም ፣ በዚ ኩነታት ፡ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም።

People protest in Khartoum, Sudan on 29 October 2021.

People protest in Khartoum, Sudan on 29 October 2021. Source: AAP

ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ዝቃወም ህዝቢ ፡ ብቀዳም ንጐደናታት ሱዳን ኣዕለቕልቑ ውዒሉ ፣ እዚ ዝኾነሉ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ንድሕሪት ዝጎትት ሓደገኛ ዝዀነ ወተሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ወተሃደራት ንሲቪላዊ መሪሕነት ሱዳን ኣሲሮም፡ ነቲ መንግስቲ ኣፍሪሶም ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ምእዋጆም፡ ንሓደ ሰሙን ክቕጽል ምዃኑን እዚ ኩነታት ናብ ኣህጉራዊ ኩነኔ ኣምሪሑ ።

ኣንጻር እቲ ዕልዋ ዝተላዕለ ናይ ጐደና ተቓውሞታት ብሓይሊታት ጸጥታ ግብረመልሲ ተዋሂብዎ ፡ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰልፈኛታት ሞይቶም ፡ ከባቢ 170 ድማ ቈሲሎም ።
ደም ዘፍሰሰ ሰልፊ እኳ እንተነበረ ፡ እቶም ንተቓዉሞ ዝወጸ ሰልፈኛ ግና ክሳብ መወዳእታ ከምዝደፍእሉ እዮም ዝገልጹ። እቶም ነቲ ናይ ቀዳም ሰልፊ ዝወደቡ ሰባት ፡ ምስቲ ኣብ 2019 ንዉልቀ መላኺ ዑመር ኣል-በሽር ዝዓለወ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝመሳሰል ፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዝግበር "ሚልዮን ድልዱል" ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።

"ብወተሃደራዊ ስርዓት ኣይንመሓደርን ኢና ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ኢና ነመሓላልፎ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ነስምዕ ዘለና" ብምባል ሱዳናዊ ተጣባቒ መሰላት ታሃኒ ዓባስ ገሊጹ።

ዓባስ ፡ "ሓይሊታት ሰራዊት ደማውያንን ዘይፍትሓውያንን እዮም ፣ ኣብ ጐደናታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ንጽበ ኣለና" በለ ። "ደጊም ግና ኣይንፈርሕን ኢና" ።

በሽር ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር ምስቲ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሓባር መንግስቲ ዘቖመ ኣብዝሓለፈ ሰሙን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ዕልዋ ፈጺሙ ኣሎ።

ዓመጽ ከይፍጸም ዝተዋህበ መጠንቀቕታ

ኣብ ድሮ እቲ ቀዳም ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ሓደ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዀኑ ሰባት ከምተቐትሉ ፡ ብምግማት እቲ ተቓውሞታት ንሰራዊት ሱዳን "ናይ ሓቂ ፈተና" ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጹ ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልተ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጻ ክቝጠቡን ነቲ ዜጋታት ብሰላም ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር መሰሎም ምሉእ ብምሉእ ከኽብሩን ንጽውዕ" በለ ።

ናይ ብሪጣንያ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሮበርት ፍትዊዘር እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ንሱ ኣብ ትዊተር "ናይ ጸጥታ ኣገልግሎታትን መራሕቶምን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ተቓወምቲ ንዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክስከሙ እዮም" ኢሉ ።

ሓይልታት ጸጥታ ብብዝሒ ኣብ ዘዋፍርሉ ዝነበሩ እዋን ፡ ነታ ርእሲ ከተማ ካርቱም ምስካልኦት ከተማታት ዘራኽብ ድንድላት ኣብ ዝዓጽዉሉ ዝነበሩ እዋን ፡ መስመር ቴሌፎን ብቐዳም ንግሆ ተቛሪጹ ነይሩ ።

ኣብ ቀንዲ መገድታት ፡ ብሃውሪ ንሓለፍቲ መገዲ ፡ ከምኡ "ውን ኣብ መካይን ደው እናበሉ ይፍትሹ ኔሮም።

እቲ ንሲቪላዊ መንግስቲ ዝድግፍ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸመ ሓይሊ ነቲ ዝፈጸሞ መጠኑ ዝሓለፈ ዓመጽ ንምምኽናይ ፡ ናይ ጥፍኣት ኣጋጣሚታት ክፈጥር መዲቡ ከም ዘሎ ተረዲእና ኣለና" በለ ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ጂብሪል ኢብራሂም ፣ እቶም ተቓወምቲ ናይ ተቓዉሞ መሰሎም ሕሉው ኮይኑ ግን ከኣ ንሳቶም እዮም ንዓመጽ ዝቃልዑ ዝብል ርእይቶ ሂቡ ።

"መገዲ ኤሌክትሪክ ብምዕናው ፡ ከምኡውን እቲ ህዝቢ ዝሃነጾ ጐዳኢ ነገራት ብሰላማዊ መገዲ ምስ ምግላጽ ምንም ርክብ የብሉን" ክብል ብትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ካርቱምን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ዕግርግር ዝመልኦ ተቓዉሞታት ተራእዩ እዩ ።

ኣኻውሕን ፍርስራስን ጨናፍርን ኣብ ጽርግያታት ብምግባር ተሽከርከርት ዝዓግቱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ፡ ብሓይሊታት ጸጥጣ ፡ መንብዒ ጋዝን ናይ ጎማ ጠያይቲን ክትኮሰሎም ውዒሉ።

ድኳናት ብብዝሒ ተዓጽዮም እዮም ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከኣ ከም ኣካል እቲ ሲቪላዊ ዘይምእዛዝ ዝግበር ወፈራ ብምሕባር ናብ ስርሖም ኣይከዱን።

ናይ ሱዳን ቲቪ፡ ግለ ካብ ወተሃደራውያን ሰባት ፡ ብተቓወምቲ ከም ዝቘስሉዎም ዘርኣየት ኮይና ፡ ከምኡ እውን ተራ ሱዳናውያን ንሰራዊቶም ከም ዝሃድኑን ንስቪላዊ ዘይምእዛዝ ከም ዝነቕፉን ዝገልጽ ተኸታታሊ ምስክርነት ኣቕሪባ ።

ዝወሃብ ሓገዝ ደስኪሉ

ሱዳን ካብ ነሓሰ 2019 ኣትሒዛ ብሲቪላዊ ወተሃደራዊ ባይቶ ክትምራሕ ጸኒሓ፡ ምስኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ መንግስቲ ኮይኑ ናብ ምሉእ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕዩ በዚ ዕልዋ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ዘሎ።

እቲ መስርሕ ምስግጋር ንሰለስተ ዓመት ከም ዝጸንሕን ኣብ መወዳእታ ብምርጫ ከም ዚዛዝምን እዩ ዝሕሰብ ነይሩ ።

ሓምዶክ ንሓጺር እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ተፈቲሑ ኣብ ትሕቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክዕጾ ተጌሩ ኣሎ። ካልኦት ሲቪላውያን መራሕትን ኣገልገልትን እውን ገና ኣይተሓዙን ዘለዉ ።

ዓብደልገል ኣል-ባሻ ካብ ከተማ ኦምዱርማን ፡ "ሱዳናውያን ከምቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ሰውራ ዝተራእየ ምዕባለታት ክዕወቱ ወሲኖም ተላዒሎም እዮም" ኢሉ ።
sudan_close_aap.jpg
ኣብ ትሕቲ እቲ ንሳላሳ ዓመታት ናይ ሓጺን ግዝኣት በሽር ዝነበረ ላዕለዋይ ጀነራል ቡርሃን ፡ ሰራዊት "ዕልዋ መንግስቲ ኣይነበረን" ክብል እኳ እንተ ፈተነ ፡ "መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዳግም ንምምርማር" ጥራይ እዩ ዕላማ ገይሩ እዩ ተጌሩ ይብል ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ንባንኪ ዓለምን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብናጻ ረዲኤትዝወሃብ ሓገዛት ከም ዝድስክል ገበሮ ፣ ኣብዚ እዋን እታ ሃገር ካብ ትሕቲ በሽር ጀሚራ ኣብ ዝነበረ ጽንኩር ቊጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ ኣላ ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ "ከቢድ ዕንቅፋት" ከም ዝዀነ ክገልጽ ከሎ ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ሱዳን ኣባልነታ ብምድምሳስ እቲ "ዘይሕገ መንግስታዊ" ዝዀነ መንግስቲ ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ።

ብዓርቢ ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንሰራዊት "ምግታእ ከርእዩን ተወሳኺ ጥፍኣት ከይፍጠሩን" ጸዊዑ ነይሩ ።

ናይ ሰኑይ ስልጣን ምሓዝ ኣብ ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ነይሩ ፣ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝደኸያ ሃገራት ኮይና፡ ካብ 1956 እታ ሃገር ነጻ ካብ ትወጽእ ኣትሒዛ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከይረኣየት ፡ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ዝተሸመት ሃገራት እያ ።


Share

Published

Updated

Source: AFP, SBS


Share this with family and friends