ውሉዳት ክህልውኻ ኣብ እትደልየሉ እዋን ፡ ብሰንኪ መኻንነት ክትወልድ ኣይትኽእልን ኢኻ ክትበሃል ኣዚዩ መንፈስ ዝሰብር ዜና እዩ።
ስቲቨንን ሳራ ጊላምን ፡ ስቲቨን ክወልድ ዘይክእል ምዃኑዝሰምዑላ ህሞት ክሳዕ ክንደይ ኣጨናቒት እዋን ምንባሩ ይዝክሩ ።
"ብንብዓት ኢና ተሓጺብና" ክትብል ሳራ ንመደብ SBS ኢንሳይት ፡ ገሊጻ ። "መንእሰያት ሰብ ሓዳር ስለ ዝዀንና ፡ 'ስለምንታይ ከምዚ ክኸውን ይኽእል' ኢልና ንሓስብ ኔርና "
ስቲቨን ተወሳኺ መርመራ ምስ ተገብረሉ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ 500 ሰብኡት ንሓደ ሰብ ዝጸሉ ፡ Klinefelter Syndrome ዝብሃል ኣብ ዘር ኢ ዘጋጥም ጥዕናዊ ጸገም ከም ዘለዎ ተፈልጠ ።
ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ ተወሳኺ x ክሮሞዞም ዘለዎም ድማ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ሆሮምን ደቂ ተባዕትዮ ወይ ተስተስትሮን የምርሕ ፣ እዚ ንመፍረ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ይጸሉ ።
ስቲቨን ንመደብ SBS ኢንሳይት ፡ " ዝፈሸልኩ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" በለ ።
ሓካይም ነቶም ሰብ ሓዳር ክልተ መፍትሒ ኣቕረቡሎም ፡ - ንምጥናስ ካብ ካልእ ሰብ ዝልገስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምጥቃም ወይ ስቲቨን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተ ኣልይዎ ንምርግጋጽ ፡ መርመራታት ክገብሩሉሞ ባዮፓፕሲ ክገብሩሎም ፡ እቲ ዝርከብ ዘርኢ ድማ ኣብ IVF መስርሕ ወሊድ ክካየድ ዝብል እዩ።

Sarah and Steven were determined to have a child. Source: SBS
ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ፡ ሓካይም 11 ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ (ስፐርም) ረኺቦም ። ኰይኑ ግና ፡ ሳራ ነታ እንቋቝሖኣ እተፍርየላ መዓልቲ ፡ ግዜ ወሳኒ ኔራ ። ሓካይም 12 እንቋቝሖ ወሰዱ ፡ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ድማ ደቆም ናይ ምውላድ ዕድሎም ተጸበዩ ።

Fertility specialist Dr Bill Ledger says men tend to only become aware of poor sperm health and contributing infertility conditions once it's too late. Source: SBS
ወጻኢታት ጥንሲ
ይኹን እምበር ፡ ብ ኣሻሓት ዶላራት ኣጥፊእካ'ውን ከም ኩሉ ናይ IVF መስርሕ ዉሉድ ናይ ምርካብ ውሕስነት የብሉን ።
"ኣብ ቀራና መገዲ ኢና ኔርና ፣ ቤትን ተወሳኺ ትሕዝቶ ኣሎናዶ ? ብመገድታት IVF ዲና ክንሓልፍ ዘለና ፡ ውሉዳት እውን ኽንወልድ ንኽእል ዲና ?" ብምባል ሳራ ። "ናይ ብሓቂ ጠላዕ እዩ ነይሩ፡ ክሳብ ሎሚ ተኻሪና ኣለና ።"
ዶክተር ቢል መርገር ኣብ ሆስፒታል ሮያል ሲድኒ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ክኢላ ሕክምና ፍርያምነት እዩ ። ዶክተር ናይ ጊላም እኳ እንተ ዘይኰነ ፡ ኣብ ናይ 30 ዓመት ተመክሮኡ ፡ ብዙሓት ናይ መኻንነት ጸገማት ዘለዎም ሕሙማት ርእዩ እዩ ።
ኣብ ደቂ-ተባዕትዮ መኻንነት ንምውሳን ፡ ሓካይም ሰለስተ ነገራት ኣብ ግምት የእትዉ፡ ቍጽሪ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ፡ ቅርጺ ናይ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይን ጉያኡን (ናይ ምንቅስቓስ ክእለት) ።
ሓደ ሰብኣይ ፡ "ንፍርቂ እቶም ድኹም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘለዎም ሰባት ፡ ንጹር ምኽንያትኣይተረኽበሎምን" በለ ። ምናልባት እውን ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ከምኡ ኰይኖም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ፣ እንተኾነ ጸገም ከምዘለዎም ዝፈልጡ ክወልዱ ምስ ደልዩ እዮም "በለ።
መጠን መኻንነት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሽዱሽተ ሰባት እቲ ሓደ ብመኻንነት ይጽሎ ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ፡ ሓፈሻዊ ጽርየት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ብዙሓት ክኢላታት ይኣምኑ እዮም ።
"ዘከራኽር እኳ እንተ ኰነ ፡ ብምኽንያት ጉድለት ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ" በለ ። "ሕማም ሽኮር: ምኽራሽ: መድሃኒታት ምውሳድ ብርሒ ንምጉዳል ዝውሰዱ መድሃኒታትን ገለ ካብቶም ጠንቂታት እዮም" በለ።
ይኹን እምበር: ሰብኡትን ኣንስትን ንኸይፋረዩ ዕንቅፋት ዝዀኖም ሓደ ፍሉጥ ምኽንያት ኣሎ ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዙሓ ሰባት ኣቦ ወይ ኣደ ንምዃን ክሳብ ዝኣርጉ ዝጽበዩ ምህላዎም እዩ ።"
ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ስነ-ህይወታዊ ሰዓተን ካብ ቀደም ኣትሒዘን እየን ዝፈልጣ ። መብዛሕትአን ኣንስቲ ኣብ መወዳእታ 30ታትን መጀመርታ 40ታትን ዓይነቱ ዝጎደለ እንቋቝሖ ይህልወን ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሰብኡት ባዮሎጂካዊ ሰዓት ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም: ኣብ 45 ዓመት ዕድማ ናይ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እናንቈልቈለ ከምዝኸይድ ሓደ ተመራማሪ ይገልጽ: እቲ ጽልዋ ኣብቶም ካብ ዓበይቲ ኣቦታት ዝውለዱ ህጻናት ብዙሕ ሕልኽላኻት ከምጽእ ይኽእል እዩ ።
"ዕድሚአን ካብ 35 ዓመት ንላዕሊ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ፡ ከም ምንጻል ጥንሲ ፡ ዳውን ሲንድሮም ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥመን ይኽእል እዩ" በለት ። "እንተዀነ ግን: እቲ ኣቦ እንተ ዓብዩ: ኣብ ሰብ ሓዳር ናይ ምብርዓን ስግኣተ-ሓደጋ ይውስኽ ኣሎ: ሚዛን ዝውለዱ ህጻናት ይፈኲስ: መንሽሮታት: ብተወሳኺ ዘይስሩዕ ዉልደት ልሙድ እዩ ።"

Tenille and Jamie say they've never felt the urge to have children. Source: SBS
'ንምውላድ ግዜ ከይዓርበኩም ኣይትደንጉዩ'
ሳራን ስቲቨንን ቈልዑ ዘይምውላድ ኣብ ሓሳቦም'ውን ኣይነበረን ።
እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ቀራና መገዲ ደው ኢሎም ፡ ኣብ መስርሕ IVF እምነት ኣሕደሩ ። ናይ ሳራ 12 እንቋቝሖን ናይ ስቲቨን 11 ዋህዮታት ዘርኢ ተባዕታይን ምስ ተወስደን ኣብ ላባራቶሪ ምስተራኸበን ፡ ንጓሎም ተበኮሩ ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ነቲ ናይ መወዳእታ ድቂ ረኺቦም ፣ ቻርሊ ድማ ተወልደ ።
እቲ መስርሕ 10 ዓመትን 150,000 ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእን እኳ እንተ ነበረ ፡ ሳራን ስቲቨንን በቲ ውጽኢት ብዙሕ ኺሕጐሱ ከኣሉ ።
እቶም ሰብ ሓዳር ፡ መስርሕ ፍርያምነት IVF ክጥቀምሉ ብምኽኣሎም እንተ ኣሐጎሶምኳ ግዜ ክሳዕ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ የረጋግጹ።
ሳራ ፡ "መልእኽትና ፡ ውሉዳት ኽትወልዱ እንተ ደሊኹም ፡ ብዛዕባ ፍርያምነትኩም ዝምልከት ምስ ዕድመኹም እዩ ዝኸይድ ስለዚ ግዜ ከይመሰየ ብእዋኑ ተጠቕምሉ።" በለት ።