'ብናህሪ'ዩ ዝላባዕ ዘሎ': ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ደልታ 'እቲ ኣዝዩ ዝመሓላለፍ ዓሌት'ዩ' ክብል የጠንቅቕ

ውድብ ጥዕና ዓለም ዓሌት 'ደልታ' ካብ'ቶም ክሳብ ሕጂ ተለልዮም ዘለው 'እቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ' እዩ ክብል የጠንቅቕ፡ ክኢላታት ሕክምና ኸኣ ካብ'ቶም ዝቐደሙ መልከፍትታት ዝተፈጥረ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኢምዩኒቲ) ክጥሕሶ ይኽእል'ዩ ይብሉ።

Director General of the World Health Organization, Tedros Adhanom Ghebreyesus,

Director General of the World Health Organization, Tedros Adhanom Ghebreyesus, Source: AAP

እዚ ብልዑል ተመሓላላፊ/ተላጋቢ ዝኾነ ዓሌት ደልታ ኣብ'ቶም ዝለዓለ መጠን ክታበት ዘለወን ሃገራት ከይተረፈ ልዑል ወሰኽ ኣብ ሓደስቲ መልከፍቲታት ኮቪድ-19 የኸትል ኣሎ - ክኢላታት ከኣ ጎስጓሳት ክታበት ነዚ ንምቁጽጻር ምስ ግዜ ኣብ ምቅላስ ከምዝርከቡ የጠንቅቑ።

ብደረጃ ዓለም ለበዳ ኮቪድ-19 ሕጂ'ውን እናቐነሰ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ንደሓር ዝተሓተ ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍታትን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ከኣ እናነከዩ ዝኸዱ ቁጽርታትን ኣብ መላእ ዓለም መዝጊቡ።
እንተኾነ ግን ስግኣታት ብዛዕባ'ዚ ዓሌት እናዓበዩ ይኸዱ'ለው፡ ነተን ቅድሚ ሕጂ ለበዳታተን ተቖጻጺረን ዝነበራ ሃገራት ከይተረፈ ሓደስቲ ቀይድታት ከተኣታትዋ ቀሲቡወን ኣሎ።

"ብደረጃ ዓለም ብዛዕባ ዓሌት ደልታ ኣብ'ዚ እዋን ዓቢይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሎ - ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን ብዛዕባ'ዚ ሰጊኡ'ዩ ዘሎ" ክብል ሓላፊ WHO ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

"ደልታ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተለለዩ እቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ዓሌት'ዩ፡ ብውሑዱ ኣብ 85 ሃገራት ከምዝተራእየ ተፈሊጡ'ሎ፡ ኣብ'ቶም ክታበት ዘይወሰዱ ክፋላት ሕብረተሰብ ከኣ ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣሎ።

"ገለ ሃገራት ቀይድታትን መምርሒታትን ህዝባዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ኩነታትን ኣብ ዘቃልላሉ ኣብ መላእ ዓለም ወሰኽ ምምሕልላፍ ንዕዘብ ኣለና።"

ቁጽሪ መልከፍታት ኣብ ሩስያ፡ ኣውስትራልያ፡ እስራኤልን መላእ ክፋላት ኣፍሪቃን ይውስኹ ኣለው፡ እዚ ኸኣ ብኸፊሉ ብምኽንያት ደልታ እዩ።

ካልኦት ሃገራት ከኣ እተን ቀጺሉ ከምኡ ዘጋጥመን ንሰን ከይኮና ፈሪሐን ኣለዋ።

ዝያዳ ተመሓላላፊ

ዶክተር ማይክ ራያን፡ ዳይረክተር መደብ ህጹጻት ኩነታት ጥዕና ኣብ WHO፡ ዓሌት ደልታ ከመይ ኢሉ ቀልጢፉ ይላባዕ ኣሎ እቲ ልክዕ መንገዲ ክሳብ ሕጂ ፍሉጥ ኣይኮነን ይብል፡ ግን 'እቲ ሕልፍ ክትብል' ዘጋጥም ምምሕልላፍ ናይ ሒደት ካልኢታት ብዓይኒ ሳይንስ ከጋጥም ተኽእሎ ኣለዎ።

"እቲ ቫይረስ ምናልባት ነቶም ዋህዮታት ኣብ ምልካፍ ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል፡ መልከፍቲ ወይ ረኽሲ ከጋጥም ከኣ ውሑዳት ቫይረሳት የድልዩ፡" ክብል ንሱ ካብ ጀነቫ ኣብ ዝህቦ ዝነበረ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኦንላይን መግለጺ ሓቢሩ።

"ንዓኹም መልከፍቲ ቫይረስ ከጋጥመኩም ኣብ ዝኽእል ዓቐን ቅድሚ ምብጻሕኩም ብክንደይ ዝኣኽሉ መጠናት ቫይረስ ክትትንከፉ/ክትምረዙ ወይ ከኣ ከተተንፍሱ ኣለኩም፧ እዚ ኣብ'ቶም ቀዳሞት ዓሌታት ቫይረስ'ውን እንተኾነ ፍሉጥ ኣይነበረን፡ ኣብ'ዞም ሓደስቲ ዓሌታት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ርዱእ ኣይኮነን - ደልታ'ውን ኣብ'ዚ ዝኣቱ'ዩ።"

ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኤፒደሚዮሎጂስት ማሪያ ፋን ከርክሆቭ ዝግመት ኮቪድ-19 ተመራመርቲ ስነፍልጠት ብቐረባ የጽንዕዎ'ዮም ዘለው ትብል።

ዓሌት ደልታ SARS-CoV-2 ፈለማ ዝተረኽበሉን ዝተፈለጠሉን ኣብ ከባቢ ወርሒ ሚያዝያ ከስፋሕፍሕ ዝጀመረሉ ኣብ ህንዲ'ዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ፈለማ እግሪ ዝተኸለ ኣብ ብሪጣንያ ኮይኑ ነቲ ቅድሚኡ ኣሻቓሊ ዝነበረ ዓሌት ኣልፋ ቀልጢፉ ቀዲምዎ ከይዱ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብመርመራ ተለልዮም ካብ ዝተሰርዑ ኩሎም መልከፍትታት 95% የቕውም።

ደልታ ካብ ኣልፋ ንላዕሊ ካብ ከባቢ 40 ክሳብ 60 ካብ ሚእቲ ብዝለዓለ ተመሓላላፊ ተባሂሉ ይሕሰብ፡ ኣልፋ ንባዕሉ ካብ'ቲ ንቀዳማይ ማዕበል መልከፍቲ ኮቪድ-19 ጠንቂ ዝነበረ ዓሌት ንላዕሊ ተመሓላላፊ'ዩ።

እዚ ተርእዮ ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ሃገራትን'ውን ክድገም ተራእዩ'ዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ'ቶም ብመርመራ ተለልዮም ዝተሰርዑ 35% ዝተረጋገጹ መልከፍትታት ዓሌታ ደልታ ኮይኖም ተረኺቦም፡ እዚ ኸኣ ካብ'ቲ ሰነ 5 ዝተመዝገበ ከባቢ 10% ዝለዓለ ምዃኑ'ዩ - እዞም ቁጽርታት ከኣ ምስ'ቶም ኣብ እስራኤል ዝረኣዩ ዘለው ተመሳሰልቲ'ዮም።

ኤውሮጳዊ ማእከል ንምቁጽጻር ሕማማት (ECDC) ዓሌት ደልታ ክሳብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ 70% ናይ'ቶም ሓደስቲ መልከፍትታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ክሳብ መወዳእታ'ቲ ወርሒ ኸኣ 90% ከቕውም'ዩ ዝብል ግምት ሂቡ'ሎ።

 

እቲ መፍትሒ ክታበት እዩ

 

ዝለዓለ ኣሜሪካዊ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ነዚ ዓሌት፡ ነቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየዱ ጻዕርታት እቲ "ዝለዓለ ስግኣት" ክብል ገሊጽዎ፡ ኣብ መስርሕ ክታበት ከኣ ምቅልጣፍ ክህሉ ጸዊዑ ክብላ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካ ሰሉስ ጸብጺበን።

 

ገለ መጽናዕትታት ክታበታት ቁሩብ ትሕት ዝበለ ኣድማዕነት ኣንጻር ደልታ ከምዘለዎም እንተኣመልከቱ'ኳ ሕጂ'ውን እንተኾነ ብዝለዓለ መጠን ኣድማዕቲ'ዮም፡ እዚ ኣድማዕነት ግን ካልኣይ ዙርያ ክታበት ምስ ተኸተብኩም ጥራይ'ዩ ዝኸውን።

 

ናይ ቀረባ ግዜ ኣሃዛት መንግስቲ ብሪጣንያ ከምዘመልክትዎ ምሉእ ክታበት ምውሳድ ብሰንኪ ዓሌት ደልታ ሆስፒታል ከይትኣትዉ ብከባቢ 96%፡ ምልክታት ሕማም ዘለዎ መልከፍቲ ከይህልወኩም ከኣ ብ79% ይከላኸለልኩም።

 

እንተኾነ ግን ሓደ ግዜ ምስ ተኸተብኩም ጥራይ ዝህሉ ምክልኻል ሕማም ኣዝዩ ዝደኸመ'ዩ፡ 35% ጥራይ'ዩ።

'ዓለም ኣይከኣለቶን'

ደልታ ኣዝዩ ተመሓላላፊ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ክንቆጻጸሮ እንተኾይንና ክኢላታት ልዕሊ 80% ብዝሒ ህዝቢ ክኽተብ ኣለዎ ይብሉ - እዚ ኸኣ ነተን ዝለዓለ መደባት ክታበት ዘለወን ሃገራት'ውን እንተኾነ ነዚ ዓሊመን ክሰርሓ በዳሂ'ዩ።

 

ኣብ ኣፍሪቃ WHO ሓደ ካብ ሚእቲ ናይ'ቲ ህዝቢ ጥራይ ተኸቲቡ ኢሉ ይግምት - እዚ ኸኣ ዝተሓተ መጠን ኣብ መላእ ዓለም ምዃኑ'ዩ።

 

ዶክተር ቴድሮስ "ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኣሻቓሊ ተርእዮ'ዩ፡ ሓደገኛ እናኾነ ኸኣ ይኸይድ ኣሎ" ይብል።

 

ዓሌት ደልታ ኣብ 14 ሃገራት ኣፍሪቃ ተረኺቡ ከምዘሎ ተጸብጺቡ'ሎ፡ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ኡጋንዳን እቲ ዝበዝሐ መጠን ናይ'ቶም ሓደስቲ መልከፍታት የቕውም።

 

ብመደብ ኮቫክስ ናብ ድኻታት ሃገራት ዝውሕዙ ክታበታት ደሪቖም/ነቒጾም ከምዘለዉ WHO ዝሓለፈ ዓርቢ ሓቢሩ።

 

"ዓለም ሓሚቓ'ያ ዘላ"፡ ሕጽረት ቀረብ ክታበታት ክልተ-ዝመስመሩ ለበዳ የኸትል ኣሎ ይብል ዶክተር ቴድሮስ፡ " እቶም ክታበታት ሃቡና ጥራይ" ክብል ከኣ ምሕጽንትኡ የቕርብ።

ናብ ቀይድታት ተመሊስና ክንኣቱ?

እቲ ተወሳኺ ምትሕልላኽ ፈጢሩ ዘሎ ደልታ ነቲ ኣቐዲሞም ስለዝተለኽፉ ዝፈጠርዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብዓቢኡ ይሰግሮ ዘሎ ስለዝመስል'ዩ፡ ይብል ሳሙኤል ኣሊዞን ዝተባህለ ኣብ ሞዴሊንግ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘተኩር ክኢላ ስነህይወት።

 

"ድሕሪ ደጊም ኣብ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምክልኻል ሕማም ዓቕሚና ጥራይ ክንምርኮስ ኣይንኽእልን ኢና።" ክብል ንAFP ሓቢሩ።

 

ብዙሓት ዝቑጽሮም ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ሰባት ኣብ ዘይተኸተብሉ ተረርቲ ስጉምትታትን መምርሒታትን ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ደው ንምባል ደጊሞም ክተኣታተው ይኽእሉ፡ ኣብ'ተን ክንከፍቶ ኢና ኢለን ቃል ብምእታው መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ዝርጋሐ ክታበት ዘተኣታተዋ'ውን እንተኾነ።

 

ኣብ ኤውሮጳ ECDC ዝኾነ ተወሳኺ ምፍኳስ መምርሒታት ወይ ቀይዲታት ኣብ ኩሎም ክፋላት ዕድመ ወሰኽ ሓደስቲ መልከፍትታት ክኽሰት ክገብር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

 

ከም በዓል እስራኤልን ኣውስትራልያን ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ናብ ገለ ካብ'ቶም ቀይድታት ተመሊሰን ከምዘለዋ ድሮ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

 

"ዕላማና ከነጥፍኦ'ዩ፡" ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናፍታሊ በነት፡ "እቲ ሓዊ ንእሽቶ እንከሎ ሳንኬሎ ማይ ኣልዒልና ከነፍስሰሉ'ዩ።"


Share
Published 27 June 2021 7:07pm
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends