ሉኣላውነት፡ ውዕል፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ፡ ንምንታይ'ያ ጥሪ 26 ኣሸጋሪት ዕለት ንደቀባት ኣውስትራልያ ዝኾነት፧

Watu washiriki katika maandamano ya "siku ya uvamizi" kwenye siku kuu ya Australia mjini Melbourne 26 January, 2018.

Watu washiriki katika maandamano ya "siku ya uvamizi" kwenye siku kuu ya Australia mjini Melbourne 26 January, 2018. Source: Getty

"ጥሪ 26" ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክገልጽዋ እንከለው፡ ሕመረት ናይ'ቲ ጉዳይ እቲ ሉኣላውነት ዝብል ኣምር'ዩ፡ እዚ ማለት ኤውሮጳውያን ቅድሚ ምምጽኦም ዝነበረን ፈጺሙ ዘይተገድፈሎምን መበቆላዊ ሕጋዊ ስልጣን ደቀባት ኣውስትራልያውያን ኣብ ልዕሊ መሬቶም፡ ትምህርቶም፡ ሕግታቶም፡ ፖሊሲታቶም፡ ጥዕንኦም፡ ወዘተ. ማለት'ዩ።

ኣብ ሕመረት ክትዓት ብዛዕባ መሰላት ኣቦሪጂንን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ብዛዕባ ሉኣላውነት ዝብል ኣምር ብሰፊሑ ስምምዕ ኣሎ። እንተኾነ ግን ኣብ መንጎ ጉጅለታት ደቀባት ሉኣላውነት ከመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለዉ።

እዚ ኸኣ መበገሲ ነጥቢ ህዝባዊ ክትዓት ኣውስትራልያ ብዛዕባ ወግዓዊ ኣፍልጦ፡ ውዕል፡ ድምጺን ሓቅን እዩ። እዚኦም ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ነቶም ኣውስትራልያ ትዝትየሎም ዘላ ዝተፈላለዩ ሞዴላት ንወግዓዊ ኣፍልጦ ደቀባት (Indigenous recognition) ክቐርጽዎ ጸኒሖም።
Australians Celebrate Australia Day As Debate Continues Over Changing The Date
Australians Celebrate Australia Day As Debate Continues Over Changing The Date Source: Getty Images


'ወግዓዊ ኣፍልጦ/ተቐባልነት (Recognition)'

ሓደ ካብ'ቶም ዝተኣመሙ መንገድታት ንወግዓዊ ኣፍልጦ፡ ቅዋም ኣውስትራልያ ብምቕያር ንደቀባት ዝኾኑ ህዝብታት (Indigenous peoples) ወግዓዊ ኣፍልጦ ክህቦም ምግባር'ዩ። እቲ ኣብ 2020 ዝተሰርሓሉ ቅዋማዊ ለውጥታት ብሓደ ነዊሕ ዝርዝር ክኢላታት ዝሓዙ ፓነላት፡ መርመራታት ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት)፡ ኮሚሽናት ቅዋምን ቤት ምኽሪታት ረፈረንደምን፡ ካብ 1980ታት ኣትሒዞም ዝተዋህቡ ጸብጻባትን ምሕጽንታታት ኣብ ትሕቲኡ ዝገበረ'ዩ።

ኣብ ቅድመ ግንባር ናይ'ዞም ዘተታት ዝርከብ ሓደ ካብ'ቶም ኣዝዮም ዝተፈልጡ ቅድታት/ሞዴላት ‘()’ እዩ፡ እዚ ናይ'ቶም ኣብ መላእ ሃገር ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰባት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝተኻየዱ 13 ነናይ ሰለስተ መዓልቲ ዘተታት መዛዘሚ ተባሂሉ ዝግለጽ'ዩ።



ዳይረክተር ናይ ሓደ 'ካብ ልቢ' ዝተባህለ ብዛዕባ መግለጺ ኡሉሩ ህዝባዊ ኣፍልጦ ንምዕዛዝ ዝሰርሕ ጎስጓስ ዲን ፓርኪን ሓደ ድምጺ ንባይቶ (ፓርላመንት) ክህሉ ህዝባዊ ደገፍ ንምርካብ ንሰርሕ ኣለና ይብል።

"ናትና ዕማም 100 ካብ ሚእቲ መግለጺ ኡሉሩ'ዩ። ስለ'ዚ ድምጺ፡ ውዕል፡ ሓቂ፡ ብዝለዓለ መጠን ኣካል ናይ'ቲ ኣጀንዳናን፡ ከም'ቲ ዝብልኩዎ ኣብ ውሽጡ ሓደ ድምጺ ንፓርላመንት ዝህብ ተወካሊ ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝኾነ ምስ ፓርላመንት ዝራኸብ፡ ናብ ደሞክራሲ ኣውስትራልያ ዝዛረብን መሐለውታ ቅዋም ኣውስትራልያ ዝህልዎን፡ ከም'ቶም ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተበተኑ ካልኦት ኣካላት ክብተን ዘይክእል መታን ክኸውን ማለት'ዩ።"

'ድምጺ'

ዕላማ ኣፍልጦ ምሃብ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ኣብ ቅዋም ንማሕበረሰቦም ኣብ ዘገድሱ ዛዕባታት ተጽዕኖ ክገብሩን ክውስኑ ክኽእሉን 'ድምጺ' ንክረኽቡ ወይ ንኽወሃቦም ወይ ክህልዎም ንምግባር'ዩ።

እንተኾነ ግን ገሊኦም እቲ 'ድምጺ' ክህሉ ወይ ክብጻሕ ዝኽእል ሓደ ኣብ ክንዲ 'ድምጺ ንፓርላመንት' 'ድምጺ ንመንግስቲ' ዝህብ ተወካሊ ኣካል ብምቛም'ዩ ዝብሉ ኣለው፡ ከም በዓል ሚኒስተር ደቀባት ኣውስትራልያውያን ዝኾነ ኬን ዋያት።

"እቲ ክውንነት ድምጺ ናብ ፓርላመንት ክህልወካ ከምዝኽእል እዩ፡ ግን እቲ 'ድምጺ ንመንግስቲ' ዝብል ናብ ናይ'ቲ መዓልቲ ኣብ ቦታ መንግስቲ ዘሎ ዝኾነ ወሳኒ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝህሉ ድምጺ እዩ፡ ንሶም'ዮም ውሳነ ዝህቡ፡ ፖሊሲታት ዝሕንጽጹን ሕጋጋት ዝድንግጉን።

"ስለ'ዚ ነዚ ኣካል ኢኻ ተጽዕኖ ክትገብር ዘለካ፡ እዚ መንግስቲ'ዩ። እቲ ድምጺ ናብ ፓርላመንት ብመንገዲ ድምጺ ናብ መንግስቲ'ዩ ዝርከብ፡" ይብል ሚስተር ዋያት።
Minister for Indigenous Australians Ken Wyatt speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra, Tuesday, August 17, 2021.
Minister for Indigenous Australians Ken Wyatt speaks to the media during a press conference at Parliament House in Canberra, Tuesday, August 17, 2021. Source: AAP Image/Lukas Coch
እንተኾነ ግን ንካብ ቡንጃሉንግን ኩንጋራካን ዝኾነት ዳኒ ላርኪን ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ቅዋም ከምዝውቀር ዝግበር፡ ሓደ ኣካል ክሕገግ ዝብል እማመ ሚስተር ዋያት 'ዘጉሂ'ን 'ዘሕዝን'ን ውጽኢት ዘለዎ ክኸውን'ዩ ትብል።

"ነቲ ድምጺ ናብ ፓርላመንት ናብ ቅዋማዊ ድምጺ ህዝቢ (ረፈረንደም) ንምስጓሙ ብዙሕ ደገፍ ጸኒሑ'ዩ፡ እቲ ምንታይ'ሲ ሃፊፉ ከይተርፍን ሓንቲ ብርዒ ብምውስዋስ ከይምንጠልን ንምክልኻሉ ወይ ንምሕላዉ ተባሂሉ። ኣነ እዚ ብዙሕ ዘየርብሕ ውጽኢትን ነቶም ኣብ'ዚ ጉዳይ ብጽዑቕ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ዘጉሂ ክኸውን'ዩ ኢለ ይሓስብ፡ ካብ ኩሉ ዝለዓለ ኸኣ ነቶም ዓበይቲ ዓዲን ሽማግለታትን።" ትብል ንሳ።

'ውዕል'

እቲ ካልእ ብዓቢይ መጠን ክትዓት ዝተኻየደሉ ኣምር 'ውዕል' እዩ፡ እዚ ማለት ወግዓዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ መንግስትን ደቀባት (ኢንዲጀነስ) ህዝብታትን ኮይኑ ህላወ ሉኣላውያን ሕብረተስባት (ኔሽንስ) ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ቅድሚ መግዛእቲ ብሪጣንያን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ምግባት መሬትን ምምንጣልን ህዝብታት ቀዳሞት ሕብረተሰባት (First Nations peoples) ከምዝነበሩ ኣፍልጦ ዝህብ'ዩ። ንብዙሓት ሓደ ሃገራዊ ውዕል ወይ ግዝኣታት ወይ ዞባዊ መሰረታት ዝገበሩ ውዕላት (ኣብ ክንዲ ድምጺ ናብ ፓርላመንት ዝኸውን) ቀዳማይ ሽቶ/ዕላማ ክኸውን ዘለዎ'ዩ፡ ልክዕ ከም'ቲ ኒው ዚላንድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ህዝብታት ቀዳሞት ሕብረተሰባት ዝኣተወኦ፡ እዚ ሉኣላውነት ወግዓዊ ኣፍልጦ ክረክብን መበገሲ ዕርቅን ምንጋር-ሓቅን ማለት ስለዝኾነ።

በዚ ምኽንያት እዩ፡ ልእኽቲ ቪክቶርያን ካብ ጉናይን ጉንዲጅማራ ዝኾነት ሊዲያ ቶርፕ፡ ንስልፊ ግሪን ወኪላ ሰነተር ኣብ ቪክቶርያ ዘላ፡ ዘካተተ ሓደ ጉጅለ ደቀባት ኣውስትራልያውያን ካብ ውዕል ኡሉሩ (ኡሉሩ ሳሚት) ኣብ 2017 ኣቋሪጾም ዝወጹ።
Lidia Thorpe
Senator Lidia Thorpe during a smoking ceremony at the Aboriginal Tent Embassy at Parliament House in Canberra. Source: Getty Images
ንሳ ንነብሲ ወከፍ እንዳ ወይ ሉኣላዊ ሕብረተሰብ ዘካተተ ሓደ ሓቛፊ ምምኽኻር ሕጂ'ውን ክካየድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዋ።

"እንታይ ይደልዩን እንታይ የድልዮምን ክውስኑ ናቶም መሰል እዩ። ኣነ ምስ ሰባት ክብሪ ዝሓለዉ ዝርርባት ምክያድና ከነረጋግጽ ከድልየና እዩ ኢለ ይሓስብ፡ ሰባት፡ ኩሎም ሰባት ናብ ጠረጴዛ ክመጹ ክንፈቕደሎም ኣለና፡ ንብዙሓት ሰረታውያን/ኣብ ባይታ ዘለዉ ህዝብታትና ዓጽዩ ንገሊኦም ጥራይ ዝዕድም መስርሕ ክኸውን የብሉን።" ትብል ሊድያ ቶርፕ።

ብዛዕባ ሉኣላውነት ክምጻእ እንከሎ ሰረታዊ ምጥባቕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ እቲ ደፋኢ ሓይሊ ንምምሕያሽ ህይወት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝግበር ጻዕሪ'ዩ።

ገለ ጉጅለታት መንእሰያት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ነቲ ውዕል ዝብል ኣምር ይመርጽዎ፡ ነቲ ድምጺ ህዝቢ ወይ ቅዋማዊ ኣፍልጦ ዝብል ይነጽግዎ፡ ብኣመለኻኽትኦም ምስ'ቶም ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣበዩ መግዛእታዊ መሓውራት ምዝርራብ ስለዝኾነ። ብኣረኣእያኦም እቲ መግዛእታዊ ምምሕዳር ምስ ሉኣላውነት ደቀባታዊ ህዝብታትን መበቆላዊ መሰል ርእሰ-ውሳነኦምን ይጋጮ።

እዚም ጉጅለታት መንእሰያት ብመንገዲ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መድረኽን ከምኡ'ውን ለውጢ ክግበር ብምጥላብ ተቓውሞታትን ሰልፍታትን ኣብ ጎደናታት ብምውህሃድ፡ ብምጉስጓስን ብምምራሕን ነዚ ፖለቲካዊ ቅርጸ መሬት ይጸልውዎ ኣለው።

ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ኣንጻር ወግዓዊ ቅዋማዊ ኣፍልጦ ዝማጎቱ ኸኣ እቶም ተዋጋእቲ ኣቦሪጂናላዊ እምቢታ (Warriors of the Aboriginal Resistance)፡ WAR ተባሂሎም ዝጽውዑ'ዮም።

ካብ ጋሚላራይ፡ ኩማን ሙሩዋሪን ዝኾነ ቦ ስፒሪም፡ ካብ'ቲ ጉጅለ ኮይኑ ዎር ነዚ 'ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝኸይድ ኣካይዳ' ካብ ቀደም ክቃውሞ ጸኒሑ'ዩ ይብል።

"ኣነ ብኸመይ ምስ ማሕበረሰብ ዘተታት ምክያድ እዩ ኢለ ይግምት፡ ቅኑዓት ኣገባባት ተኸቲልካ ምክያዶም ጥራይ ናይ ግድን ኣይኮነን ኢለ ይሓስብ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኸኣ እዚ ኣቦሪጂናል ህዝብታት ክንዝትየሉ ንጽበዮ ወይ ንደልዮ ዝነበርና ነገር ኣይኮነን። ውዕል እዩ ኩሉ ግዜ ኣብ ዛዕባ ዝቐረበን ኩሉ ግዜ ኣካል ናይ'ቶም ዘተታት ዝነበረን።"
Protest against Australia Day in Melbourne
Indigenous activists and supporters protesting in Melbourne on 26 January 2019. Source: Getty Images
ወግዓዊ መርገጺ WAR ምስ መግዛእታዊ ስርዓታት ዘይምዝርራብ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ሚስተር ቦ መሰል ርእሰ-ውሳነ ንህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን በዚ መዳይ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ክወስዱ ዝህቦ ትርጉም ይርድኦ እዩ።

ንወግዓዊ ኣፍልጦ ኣብ ዝምልከት ዓወት እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል'ውን ክትዕ ኣሎ።

ተጣባቒ፡ ክኢላ ሕጊን ኣቦ ወንበር ኣቦሪጂናል ቤት ምኽሪ መሬት ኣብ ታዝመንያ፡ ካብ ፓላዋ ዝኾነ ማይክል ማንሰል ህዝብታት ኣቦሪጂናል ኣብ መንጎ ስማዊን ትርጉም ዘለዎን ወግዓዊ ኣፍልጦ ክመርጹ ዕድል ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለዎ።

"ስማዊ ዝኾነ ወግዓዊ ተፈላጥነት ከም'ቲ ኣብ 2007 ኬቪን ራድ ነቶም ስቶልን ጀነረሽን/ዝተሰርቁ ወለዶ ተባሂሎም ዝጽዉዑ ይቕሬታ ክሓቶም እንከሎ ዝተፈጸመ ዓይነት ነገር እዩ።" ይብል ንሱ።

ሚስተር ማንሰል ንሱ ብኸመይ ዱልዱል ኣቦሪጂናላዊ ወግዓዊ ኣፍልጦ ክመጽእ ይገብር ብዝርዝር የቐምጥ።

"ሓደ ውዕል ንፈደራል ፓርላመንት እንተዝቐርበሉ ኔሩ እዚ ዝተሓላለኸ መስርሕ ኣይኮነን። ንምምስራት ሓደ ክብሪ ዘለዎ ኣካል ሃገራዊ ኣቦሪጂናል ወኪል ክቐውም ፈደራል ፓርላመንት ክሕግግ ምግባር'ዩ፡ እዚ ኣካል፡ ኣቦሪጂናዊ ማሕበረሰባት ኣብ ዝሓሸ መነባብሮ መታን ክህልዉ ንምምቕራሕ ሃብቲ ቀዳምነታቱ ጌሩ የቐምጦም።"

ካልኣይ፡ ፈደራል ፓርላመንት ሓደ ኮሚሽን ውዕል (Treaty Commission) ክቐውም ውሳነ ከሕልፍ/ክሕግግ ምገበርኩ፡ እዚ ኮሚሽን ብተወሳኺ ሓርፋፍ ውዕል ክምልከት ምገበርኩ፣ ኣነ በዞም ክልተ ነገራት ኣብ ህይወት ኣቦሪጂናዊ ህዝብታት ርኡይ ዝኾነ ምምሕያሽ ክመጽእ ይኽእል'ዩ ኢለ ይሓስብ።" ክብል ብተወሳኺ ይገልጽ።

ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዝለዓሉ፡ ግዝኣታዊ፡ ዞባውን ከባቢያውን ደረጃታት ሓደ 'ድምጺ' ህዝብታት ኣቦሪጂን ብሓባር ኮይኖም ክውጥኑ ብምባል ሰለስተ ኣማኸርቲ ኣካላት ኣቚሙ'ሎ። 

ካብ ኩንጋራካንን ኢዋይድጂን ዝኾነ ፕሮፌሰር ቶም ካልማ ኣብ'ቲ ፈደራል መንግስቲ 'ድምጺ' ብሓባር ዝውጥን ላዕለዋይ ጉጅለ ኣማኻሪ እቲ ካልእ ኣቦ ወንበር'ዩ።
Scenes In The Winter Light Of Australia
The red rock face of Uluru at sun set, the sacred home for thousands of years of the Yankunytjatjara and Pitjantjatjara people in the central Australian desert. Source: Getty Images AsiaPac
ንሱ ሓላፍነቶም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሞዴላት ንፈደራል መንግስቲ ምቕራብ ከምዝኾነ ይገልጽ፡ እቲ ፈደራል መንግስቲ ኸኣ እንታይ ዓይነት ቅርጺ እቲ 'ድምጺ' ይሕዝ ይውስን።

"ምምስራት ናይቶ'ም ኣካላት ውዕል (Treaty Bodies) ኣለዉና፡ ግን እቲ ንሕና ንገብሮ ነዚኦም ውዕላት ምምልካት ኣይኮነን። ስራሕና ብዛዕባ ድምጺ ንፓርላመንት ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር ብዝኾነ ተቐሚጡ'ሎ።"

እቲ ጸብጻብ ሕጂ ተጠናቒቑ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ፈደራል መንግስቲ ሒዝዎ ዘሎ መደብ እቲ ጸብጻብ ብካቢነ ክረአ፡ ንምኽክር/ልዝብ ክለኣኽን ድሕሪኡ ብሕጊ ክጸድቕን'ዩ፡ እዚ ኩሉ ቅድሚ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ምእታዉ ክኸውን'ዩ።

ነቶም ኣብ'ቲ ሞዴሎም ሕድገታት ክገብሩ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ጉጅለታት፡ ፕሮፌሰር ካልማ ህዝብታት ኣቦሪጂን እዚ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ዕድል ክጥቀምሉ ኣለዎም ይብል።

"ኣነ ነዚ ኣብ'ዚ ዘለናዮን ሕጂን ዘሎ ክንምልከቶ ኣለና ኢለ ይሓስብ። እንታይ ኢና ከነድምዕ ንኽእል፧ ከም ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣብ'ቲ ክብርና ዋጋ ዕዳጋ ከይገበርና እቶም ክብጽሑ ዝኽእሉ እንታይ'ዮም፧

"ንሚኒስተር ጉዳያት ደቀባት ደገፍ ዝህብ፡ ድምጺ ንመንግስትን ድምጺ ንፓርላመንትን ከሰጉም ዝደሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሎና። ስለ'ዚ ንሕና ነዚ ክንጭብጦ እዩ ዘለና፡ ንኽእል እንከለና ክንምዝምዞ እዩ ዘለና።"

ገስጋስ ምዕባለ ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ኣብ ኣቦሪጂናል ገማግም ባሕሪ ካብ ዝዓልቡ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ'ዩ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሞዴላት ወግዓዊ ኣፍልጦ ክውሰን እንከሎ፡ ማሕበረሰባት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን፡ ኣብ'ዚ እዋን ኣብ ታሪክ ኣውስትራልያ መንግስቲ ንወግዓዊ ኣፍልጦን ድምጽን ኣብ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኣቕሪብዎ እንከሎ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክፍጸም ወይ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘለዎ ይሰማማዑ።


Share
Published 22 January 2022 3:35pm
Updated 12 August 2022 2:54pm
By NITV, Essam Al-Ghalib
Source: NITV


Share this with family and friends