ኣውስትራልያ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2022 ፊፋ ኣብ ዙር 16 ብኣርጀንቲና 2ብ1 ድሕሪ ምስዓራ ካብ ዋንጫ ዓለም ተገሊፋ ኣላ።
ኣብ መበል 1000 ኣብ ጸወታ ዝተሳተፈን ሾብዓተ ግዜ ተዓዋቲ ናይ ባሎን ዲ ኦር ዝኾነ ሊዮነል መሲ ኣብ መበል 34 ደቒቕ ንኣርጀንቲና ናይ መጀመርታ ሸቶ ናይቲ ጸወታ ኣመዝገበ ።
ኣርጀንዳዊ ጁልያን አልቫረዝ ፡ ኣብ መበል 59 ደቒቕ ፡ ነታ ካልአይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ፡ ዓወት ናይ ኣርጀንቲና ዘይተርፍ ገበረ ።
እታ ካልአይቲ ሸቶ ንኣውስትራልያ "እተሰምብድ ህሞት" ተባሂላ እያ ተገሊጻ፣ ናይ ሶኮሮስ ሓላው ልዳት ማቲ ራያን ካብ ኽልተ ኣጥቃዕቲ ኣርጀንቲና ነታ ኵዕሶ ካብ ልዳቱ ንምርሓቕ ፡ ኣብዝገበሮ ፈተነ ኣልቫረዝ ቆብ ኣቢሉ ነታ ሸቶ ከመዝግባ ኪኢሉ።
ድሕሪኡ ፡ ክሬግ ጉድዊን ኣብ መበል 76 ደቒቕ ካብ ርሑቕ ዝቐልዓ ኩዕሶ፣ ንኣውስትራልያ ሽቶ ከመዝግበላ ኪኢሉ። እንተኾነ ሶኮሩ ካልኣይቲ ኩዕሶ ኣብ ሸቶ ከብጽሑ ኣይከኣሉን።
ጋራንግ ኮል ካብ ስዕረት ንኽትናገፍ ሒደት እትኽእል ጸወታ ክውዳእ ካልኢታት ጥራይ ተሪፉ ኣብዝነበረ ተረፎ ፡ ኣብ መበል 97 ደቒቕ ዝፈተና ጽብቕቲ ቅላዕ ብ ሓላው ልዳት ኣርጀንቲና ኤሚ ማርቲነዝ ክትድሕን ከኣለት ።
ሕጂ ኣርጀንቲና ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትበጽሕ ከላ ፡ ኣውስትራልያ ግና ካብቲ ውድድር ተኣልያ ኣላ ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከብ እንኮላይ ፌደሬሽን ኣደባባይ ከምኡውን ናይ AAMI ፓርክ ኣብ መልበርን: ፓራማታን ኣደባባይ ከምኡ "ውን ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ሃርበር: ከምኡ" ውን ኪንግ ጆርጅ ኣደባባይ ከምኡውን ኲን ስትሪት ሞል ኣብ ብሪዝቤን ህዝቢ ንጋንታ ሶኮሩ ክድግፍ ብ ኣሻሓት ወጺኡ ኔሩ ።