እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንእሰያት ዝለክፍ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት S-T-I ኣብ ኣውስትራልያ ክላምዲያ (chlamydia)’ዩ። ኣካያዲት ሕክምና/Medical director ውጥን ቤተሰብ New South Wales (Family Planning New South Wales) ዶር. ደቦራ ባተሰን ከም’ዚ ክትብል ትገልጽ።
“ስለ’ዚ ዝበዝሕ ክላምዲያ እቲ ብቐሊሉ ክላምዲያ ኢልና ንጽውዖ’ዩ። ብሓንቲ ንጽል ዓቐን ጸረባልዕ single dose of antibiotics ዝፍወስ’ዩ። ናብ’ቲ ሕማም ነድሪ ጎሎ pelvic inflammatory disease ኢልና ንጽውዖ ፈጺሙ ኣይምዕብልን’ዩ፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ሕማም ነድሪ ጎሎ pelvic inflammatory disease እንተሓሚማ እዚ ኣስጋኢ ኩነታት’ዩ፡ እንተዘይተፈዊሱ/ሕክምናዊ ምክትታል እንተዘይተገይርሉ፡ ናብ ምምካን ደረጃ ክኸይድ ይኽእል’ዩ፡ ናብ ዘየቋርጽ/ሓዳሪ ቃንዛ’ውን ክምዕብል/ክሰግር ይኽእል’ዩ።”

ሰለስተ ርብዒ ሕማማት ክላምዲያ እቶም ዝሓመሙ ሰባት ምልክታት ስለዘየርእዩ ብጋህዲ ከይተፈልጡ ይተርፉ። ዶር. ባተሰን ገለ ምልክታት ክንከታተሎም ዘለና ኣለው ትብል።
“ደቀንስትዮ ሓደሓደ ግዜ ንኣብነት ኣብ መንጎ ናይ ጽግያት ግዜአን መድመይቲ ከጋጥመን ይኽእል፡ ወይ ብፍላይ፡ መድመይቲ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ። ካብ ብልዕተን ዝወጽእ ፈሳሲ ወይ ቃንዛ ጎሎ ክህልወን ይኽእል። ደቂተባዕትዮ፡ ምልክታት እንተተራእይዎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይረኣዮምን’ዩ፡ ክሸኑ እንከለው ቃንዛ ክገብረሎም ይኽእል፡ ንኣብነት፡ ወይ ቃንዛ ኣብ ከባቢ ፍረ ነብሶም። ካልኦት ዓይነታት ቃንዛታት’ውን የጋጥሞም፡ ፈሳሲ ዝወጽእ ብርግጽ፡ ካብ ጫፍ መትሎኦም/ብልዕቶም - ስለ’ዚ እዚ ሓደ ካብ’ቶም ምልክታት ክላምዲያ ወይ ከም በዓል ጅግል/gonorrhea ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓይነታት STI ጾታዊ ሕማማት’ዩ።”

ኣደል ማርዶሎ ብመጻእትን ስደተኛ ድሕረባይታ ዘለወን ደቀንስትዮ ተመሪሑን ንዕአን ዘገልግል ትካል ሕብረባህላዊ ማእክል ንጥዕና ደቀንስትዮ ተካይድ። ንሳ ንማህደረ ትምህርቲ ኢሎም ዝመጹ ናይ ደገ ተመሃሮ international students ብSTIያት ክልከፉ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ይርከቡ ትብል።
“ናብ ኣውስትራልያ ዝመጽሉ ኣብ’ቲ ምናልባት ሓደስቲ ሰባት ዝፋለጥሉን ምስኦም ጾታዊ ርክብ ክምስርትሉ ዝደልይሉ ግዜ ይኸውን። እንተኾነ ግን ኣብ መበቆል ሃገሮም ቀረብ ጾታዊ ኣስተምህሮ ዘይነበሮም እንተኾይኖም፡ ንብዙሓት ከም ተመሃሮ ናብ’ዚ ዝመጹ ሰባት ከኣ ከም’ኡ ኮይኑ ረኺብናዮ፡ ነብሶም ክከላኸልሉ ዝኽእሉ ሓበሬታ ከይሰነቑ ናብ ጾታዊ ርክባት ክኸዱ ይኽእሉ’ዮም።”
ኣሊሰን ክዌሎ ኣብ ቪክቶርያ ዝርከብ ማእከል ባህሊ፡ ብሄረሰብን ጥዕናን ኣደ ወንበር ኮይና ትመርሖ። ንሳ ባህላዊ ጸቕጥታት ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ’ቶም ሕብረባህላዊ መበቆል ዘለዎም መንእሰያት ጸገማት ጾታዊ ጥዕና ከስዕቡ ይኽእሉ’ዮም ትብል።
“ብዛዕባ ድንግልና ዝምልከት ከም ኣብነት እነትወሲድና ጸገማት ኣለው፡ ክትምርዓው እንከለኹም ድንግል ክትጸንሑ ባህላዊ ጸቕጢታት እንተሃልዮም፡ ብዙሕ ግዜ መንእሰያት ድንግልንኦም ንምክልኻል ጾታዊ ርክብ ናይ መዓኮር ይህልዎም። እዚ ብተወሳኺ ዝያዳ ኣካላዊ ጸቕጢ ይፈጥረሎምን ንዝለዓለ ሓደጋ ምልኻፍ ብጾታዊ ሕማማት STI የቃልዖም።”
ብትካል ከርቢ ዝተዳለወ ጸብጻብ ዓመታዊ ክትትል ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ መወዳእታ 2015 ቁሩብ ልዕሊ 25 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኤችኣይቪ ኣለዎም። 68% ካብ ኩሎም’ቶም ኣብ’ቲ ዓመት ብመርመራ ዝተረኽቡ ኣብ ግብረሶዶማውያንን ድርብ ጾታዊ ደቂተባዕትዮን gay and bisexual men’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ኣሊሰን ኮወልሆ ኣውስትራልያ ብሉጽ ዓለማዊ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ክንክን ጥዕና ኣለዋ ዝብል ኣረኣእያ/እምንቶ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዝፋቐሩ ደቂተባዕትዮ መንእሰያት ብዛዕባ ምክልኻል HIV ትሑት ጥንቃቐ ክገብሩ የኽእሎም ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ።
“ንሕና መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ኣብ’ቲ ቀንዲ ግብረሶዶማዊ ተርእዮ ንፈለማ ግዜ ክኣትው፡ ከም’ኡ ምዃኖም ብወግዒ ከፍልጡ ምስ ዝውስኑ ማለት’ዩ፡ ዓሌታውነት ከጋጥሞም ብፍላይ ተነቀፍቲ ይኹኑን ናብ HIV ዝኣመሰሉ ነገራት ብፍላይ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት የለውን ተባሂሉ ስለዝንገሮም፡ ይቃልዑ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና።”

“ንሕና መጻምዲ ክፈላለዩ እንከለው’ሞ፡ እቶም ደቆም ከኣ ምስ ዝዓብዩ፡ በበይኖም ክነብሩ እንከለው፡ ንኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት እዚ ብፍጹም ኣብ ሓደጋ ዝወድቅሉ ግዜ ከምዝኾነ ንፈልጥ። ተርእዮታት S-T-I ኣብ መሳለጥያታት መእለዪ ንዓበይቲ’ውን ንዕዘብ ኣለና። ኣነ፡ ደጊመ ዝብሎ፡ ሰባት ጾታዊ ርክብ ኣይፍጽሙን’ዮም ኢልካ ምሕሳብን፡ እቲ ልክዕ/ግቡእ ሓበሬታን ነብሶም ክከላኸሉ ዘኽእሎም ከም በዓል ኮንዶም ዝኣመሰለ ቴክኖሎጂ ይቕርብሎም ስለዘየለውን፡ ብልክዕ ኣዝዩ ጎዳኢ’ዩ ኢለ ይሓስብ።”
ሰባት ንዓሰርተ ዓመታት ወይ ካብ’ኡ ንላዕሊ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ከየርኣዩ ብHIV ተለኺፎም ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ 1994 ስሉጣት ሕክምናታት ኣንቲረትሮቫይራል ካብ ዝተኣታተው ንንየው ምዝጉባት ሕማማት ኤይድስ ብቕልጡፍ እንተነከዩ’ኳ ዶር ባተሰን ሰባት ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ነብሶም ክከላኸሉ ኣለዎም ትብል።
ወይቦ Hepatitis B ኣብ ደገ ንዝተወልዱ ሰባት ዘጥቅዕ ካልእ ሕማም’ዩ። እዚ ብተለምዶ ሰብ ዝለክፍ ብመንገዲ ብዘይመከላኸሊ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ወይ ክሳብ ውሽጢ ደም ሰራውር/ውሽጠ ቨይናዊ መውጋእቲ መድሃኒት ምስ ዝፍጸም’ዩ። ኣሊሰን ኮወልሆ ካብ ድሕረ-ኲናት ማሕበረሰባት ዝመጹ ሰባት መርመራ ወይቦ/Hepatitis B ክገብሩ ወይ ከኣ ክኽተቡ ተተባብዕ።
“ኣብ ኣውስትራልያ ዓበይቲ ዝልከፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂተባዕትዮ ምስ ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽሙ’ዩ። እንተኾነ ግን ምስ’ቶም ሓቢርና ንሰርሕ ማሕበረሰባት፡ ዝልከፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ትኹል ምምሕልላፍ vertical transmission’ዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣደ ናብ ህጻን ኣብ ግዜ ሕርሲ ማለት’ዩ።”

ኣደል ሙርዶሎ ካብ ትካል ሕብረባህላዊ ማእክል ንጥዕና ደቀንስትዮ ጸገማት መረዳድኢ ቋንቋ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ከይደልዩ/ከይሓቱ ክኽልክሎም ይኽእል’ዩ ትብል።
“ሓደ ሓደ ግዜ ተኽእሎታት ኣስተርጓሚት ምርካብ ኩሉ ግዜ ኣይህሉን፡ ብፍላይ ንኣሽቱ ማሕበረሰባት ምስ ዝኾኑ፡ ብብቕዓት ነቲ ቋንቋ ክትዛረብ እትኽእልን ጓለንስተይቲ ዝኾነትን ማለት’ዩ፡ ስለ’ዚ ኣብ ገጠራዊ ከባቢታትን ኣዝዮም ንኣሽቱ ኣብ ዝኾኑ ክፋላት ኣውስትራልያን ብፍላይ ጸገም ይኸውን።”
ዶር ባትሰን ዝከኣል እንተኾይኑ ኣቐዲምካ ኣስተርጓሚ ክዳሎ ትመክር።
“ቆጸራ ክትሕዙ ኢልኩም ክትድውሉ እንከለኹም፡ ምስ ናይ ውልቂ ሓኪምኩም/ዶክተርኩም ይኹን ዋላ ምስ ሓደ ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕና ወይ ውጥን ቤተሰብ ዝኣመሰሉ ፍሉይ ኣገልግሎታት ዝህብ፡ ነተን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኣስተርጓሚን ንውሕ ዝበለ ኣገልግሎት ምኽሪ ከምዘድልየኩምን ከተፍልጥዎም ኣለኩም፡ እዚ ብጣዕሚ ኣገዳሲ’ዩ።”
ንሳ ንዝኾነ ኣብ ንጡፍ ጾታዊ ዕድመ ዝርከብ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ሓድሽ መጻምዲ ብዘይመከላኸሉ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመ ዓመታዊ መርመራ/ምክትታል annual screenings ከካይድ ትመክር።
“ምዱብ ሓኪም ወይ ጂፒ እንተሃልይኩም፡ ንመርመራ STI ክትከድዎም ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት እዚ መዳይ ናይ ህይወቶም ከየውጽኡ ከጽንሕዎ ይመርጹ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና፡ ምኽንያቱ ተነቃፊ’ዩ ኢሎም ስለዝሓስቡን ናብ ዘይፈልጦም ካልእ ከም በዓል ክሊኒክ ውጥን ስድራ ቤት፡ ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕናን ክኸዱ ይመርጹ። ብዛዕባ ዝኾነ ዝወጽእ ፈሳሲ ፡ ቃንዛ፡ ወይ ኣብ ብልዕትኹም ዝስመዓኩም ቃንዛ ጎሎ፡ ክትመጹ ኢና ንደልየኩም።”
ንሳ ሓደ ሓደ ግዜ ብጾታ ዝመሓላለፉ ሕማማት S-T-I ዝኾነ ዓይነት ምልክት ከምዘየርእዩ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ ትብል።
“ስለ’ዚ ሰባት ክላምዲያ ክህልዎም ይኽእል ንኣብነት፡ ባዕሎም ከይፈለጥዎ፡ ብኸም’ኡ ኸኣ እዞም S-T-I ኣብ’ቶም ሕብረተሰባት ዘስፋሕፍሑ። ነዚ ኢና ኸኣ ብዛዕባ ጠቕሚ ኮንዶማት ንዛረብ፡ ምኽንያቱ ንሓደ ሰብ ርኢኻ ጥራይ S-T-I ክህልዎም ይኽእል ኢልካ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ።”
ብጾታ ዝመሓላለፍ ረኽሲ/ሕማም ኣለኩም ኢልኩም ትሓስቡ እንተኾንኩም፡ ናብ ጂፒ/ዶክተርኩም፡ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ክሊኒክ ውጥን ስድራቤት ወይ ማእከል ጾታዊ ጥዕና ብጽሑ።
ቀረብ ኣገልግሎታት ትርጉም ብተሌፎንን ብኣካልን ብመንገዲ ኣገልግሎት ትርጉም ጽሑፍን ቃልን መንግስቲ ኣውስትራልያ ክርከብ ይከኣል።
እቲ ትኸድዎ ክሊኒክ ኣድላዪ እንተኾይኑ ብኣካል ዝርከብ ኣስተርጓሚ ኣብ ቆጸራኹም ክርከብ ክቖጽሩ ይኽእሉ’ዮም።