ብምኽንያት ኮቪድ-19 ንዝተወስደ ስጉምቲታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ምዕጻው መሳጊድን ስለዝነበረ፡ ናይዚ ዓመት ረመዳን ካብዝነበረ ዓመታት ዝተፈልየ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ።
ከም ልሙድ ህዝቢ ተኣኪቡ ዘብዕለሉን ረመዳን ምውዳኡ ዘመልክት በዓል ዒድ ሰንበት ክጅምር እዩ።
“ኣውስትራሊያዊያን ኣመንቲ እስልምና ከምኩሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዓቢ መስዋእቲዮም ከፊሎም።" ክብል ሚስተር ሞሪሶን ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ዒድ መልእኽቱ ገሊጹ።
“ነንሕድሕድ ምክልኻል ዘመልክቶ ብመስዋእቲ ዝርከብ ፍቕሪ እዩ ነዚ ድማ ብፍታውኩም ኢኹም ጌርኩሞ።"
ሚስተር ሞሪሶን ቀጺሉ ኣከባብራ ናይ ሎሚ ዒድ ዝተፈልየ እንተኾነኳ እቲ ቀንዲ ክብሩ ግና ኣይልወጥን እዩ ኢሉ።
“መልእኽቲ ናተይን ናይ ዒድን ኣይልወጥንዩ፡ ንሱ ድማ መልእኽቲ ተስፋ እዩ።" ኢሉ።
ነዚ በዓል ተጠቒሙ ሚስተር ሞሪሶን ከምዝገለጾ፡ "ኣብ ልዕሊዚ ቫይረስ ንዕወት እንተለናኳ፡ ካብ ኩሉ እምነት ዝኾኑ ኣውስትራሊያዊያን ብሓደ ክሰምሩን መልእኽቲ ብዝዕባ ጥዕና ክከታተሉን፡" ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ማሕበረሰብ እስላም ን ኮቪድ ሴፍ ኣፕ (COVIDSafe tracing app) ኣብ ሞባይሎም ክጽዕኑ ጸዊዑ።
“ዛጊት ዘይገበርኩሞ እንተኾይንኩም ኣብዚ ዒድ ክትገብርዎ እምሕጸነኩም።" ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ሚስተር ሞሪሰን ንመራሕቲ እስልምና ንዘርኣይዎ ምሳሌኣዊ ስራሕ ሞጉሱ።
"ሕጊዝኩምን ትሕግዙ ድማ ኣለኹም፡ ነዚ ከምትቕጽልዎ ድማ እፈልጥ እየ። ለውጢ ትገብሩ ኣለኹም።" ኢሉ
“እዚ ዒድ ምስቲ ናቱ ክብሪ ዝኾነ ሕብረት፡ ናይ ስድራን ማሕበረሰብን ከም ኡውን ልግሲን ኣብ ዝመጽእ በዳሂ እዋን ንዓኹምን ማሕበረሰብኩምን ከጽንዓኩም ተስፋይ እገልጽ።" ኢሉ።
“ምሳኹም ናብ ኣውስትራሊያ ሒዝኩሞ ዝመጻእኩም ን ኣውስትራሊያ መዓልታዊ ተበርክትዎ ብዘለኹም ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለኹም ማሕበረሰብ እስላም ምስጋናይ ይብጻሕኩም።"
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።