ሓደ ኣባል ብኮቪድ 19 ከምዝሓመመ ምስተፈልጠ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ናይ SBS ኒውስ ሩም ተዓጽዩ።
እቲ ሰራሕተኛ ኤስ ቢ ኤስ ብዓርቢ ኣብ ኦፊስ ኣትዪ ኔሩ፥ ሕጂ ግና ኣብ ገዝ ኡ ኣብጽቡቕ ኩነታት ኣሎ።
ሓደ ወሃቢ ቃል SBS ከምዝገለጾ ብመሰረት መምርሒ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ እቲ ተለኺፉ ዘሎ ምስካል ኦት ሰራሕተኛታት ትሑት ዝኾነ ምትንኻፍዩ ጌሩ።
እቶም ብቐረባ ዝተተንከፉ ድሮ ተፈሊጦም ገዛእ ርእሶም ወሺቦም ኣለዉ። SBS ተወሳኺ ናይ ምልላይ ትንኩፋት ንምርካብ ስራሕ ክቕጽሎ እዩ።
"ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛታትና እቲ ዝዓበየ ቀዳምነትና ኮይኑ ክቕጽልዩ," ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ኒውስ ሩም ብተደጋጋሚ ዝጸረየ ኮይኑ ተወሳኺ ንጽህና ኣብዝግበረሉ ዘሎ እዋን ኩሎም እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነናብ ገዛኦም ክኸዱ ተጌሩ ኣሎ።
"ከም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣገልግሎት፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን , SBS እቲ ናይ ዜና ስራሓቱ ክቕጽሎ እዩ " ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
ናይ ሰሉስ ፕሮግራም ተለቪዥን ናይ ሚሸት ዜና (SBS World News) ካብ ከተማ ካንበራ ተፈንዩ።
እቲ ናይ ሲድኒ ኒውስሩም ርቡዕ ክኽፈት ትጽቢት ይግበረሉ።