ሓደ ሰራሕተኛ ብኮቪድ 19 ከምተለኽፈ ምስተፈልጠ፡ SBS ነቲ ኣብ መልበርን ፈደረሽን ስኩወር ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱን ስቱድዮታትን ብወግዒ ዓጽይዎ።
እቲ ሰራሕተኛ ኮሮና ቫይረስ ከምዘለዎ ብሰንበት ዝተፈልጠ ኮይኑ ብቐረባ ዝተራኸብዎ ገዛእ ርእሶም ክፈልዩ ተነጊርዎም ኣሎ።
እቲ ሰራሕተኛ ብሓሙስ 25 ሰነ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዊዒሉ ኔሩ።
እቲ ቤት ጽሕፈትን ስቱዲዮታትን ብሰንበት ተዓጽዩ ሰፊሕ ጽርየት ምስተገብረ ዳግም ብሰኑይ ተኸፊቱ ኔሩ።
ብሰሉስ ምሸት፡ ሰብ መዚ ጥዕና ቪክቶሪያ ነቲ ህዝባዊ ማዕከን ዜና ብምርኻብ እቲ ዝጸንሐ መምርሒ ዳግም ቀይርዎ ኣሎ።
ከም ግብረመልሲ፡ ምምሕዳር SBS ንተወሳኺ መርመራ ካብ 1 ሓምለ እቲ ቤት ስራሕ ክዕጾ ጌሩ ኣሎ።
ኣብቲ ናይ መልበርን መስርሒ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኩሎም ሰራሕተኛታት ካብ ገዛ ኮይኖም ክሰርሑ ኣዚዙ ኣሎ።
SBS መልበርን ኣብ ፈደረሽን ስኩወር ህንጻ ዲከን ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ACMI (the Australian Centre for the Moving Image) ዝርከብ እዩ።
እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተሓደሰ ቤት ጽሕፈት ናይ መልበርን the SBS World News Melbourne bureau ከም ኡውን ንብዙሕ ቋንቋታት ዘገልግል ስቱዲዮታት ዝሓዘ እዩ።
ገለ ናይ ቋንቋታት ናይ SBS ሬዲዮ ፕሮግራማት በዚ ምዕጻው ከምዝጽለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ብዛዕባ ደረታት ብዝሒ ሰባት ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።
መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕ ስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ። ዜናን ሓበሬታን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም ።