ናይ ስዑዲ ዘውዳዊ ሉዑል ንጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝቐተለ ስርሒት ከምዘፍቀደ ጸብጻብ ትካል ጸጥታ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር ባይደን ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ካሾጊ እተገብረ ቅትለት ስዒቡ፡ ነቲ ዘውዳዊ ልዑል ዘይምልከት እንተኽዕነኳ፡ ምስቲ ቅትለት ምትሕሓዝ ዘለዎም ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ዝገበረ ናይ ቪዛ እገዳ ከም እተገብረ ኣፍሊጡ።

Saudi Crown Prince Mohammed bin Salman is believed to be behind the kingdom's easing restrictions.

Saudi Crown Prince Mohammed bin Salman is believed to be behind the kingdom's easing restrictions. Source: ABACA

ልኡል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ 2018 ንዝተቐትለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ዝቐረበ እማመ ከምዘጽደቐ፡ እቲ ብ ዓርቢ ዝወፀ ኣዋጅ ናይ ኣመሪካ ጸጥጥታ ዘውጽኦ ገምጋም ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ስዑድያን ኣፍሊጡ ።

ብዛዕባ ፖሊሲታት ዘውዳዊ መንግስቲ ሱዕዲ ዝነቅፍ ርእይቶ ኣብ ዓምድታት ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ዝጽሕፍ ዝነበረ ናይ ኣመሪካ ነባሪ ዝነበረ ሚስተር ካሾጊ፡ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ሱዕዲያ ቆንስል ምስቲ ናይ ዘውዳዊ ሉዑል ብዝተኣሳሰረ ስርሒት'ዩ ተቐቲሉ።

ሪያድ በቲ ብተግባር ንሱዕዲ ዝመርሕ ዘውዳዊ መስፍን ፡ ምስቲ ቅትለት፡ ዝዀነ ይኹን ርክብ ኣሎ ንዝብል ክሲ ትነጽጎ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ናሽናል ኢንተለጀንስ ኣመሪካ ፡ "ናይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ፡ ንስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ኣብ ኢስታንቡል ፡ ቱርኪ ዝተገብረ ስርሒት ኣጽዲቑ " ኢሉ ።
A file photo of Saudi journalist Jamal Khashoggi.
A file photo of Saudi journalist Jamal Khashoggi. Source: AAP
እቲ ትካል ጸጥታ ኣመሪካ፡ ነቲ ዘውዳዊ መስፍን ብዘለዎ ናይ ውሳነ ምቍጽጻር: ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣማኸርቱን ናይ ገዛእ ርእሱ ምክልኻል ዝርዝራትን ብቐጥታ ኣብቲ ጉዳይ ምእታዎም: ከምኡውን "ን ካሾጊ ወሲኽካ፥ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዜጋታት ከይዛረቡ ኣፍ ንምዕባስ : ዝግበር ዓመጽ" ብዝገበሮ ናይ ዳህሰስ መሰረት ገይሩ ኣብዚ መደምደምታ ከምዝበጽሐዩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

"ካብ 2017 ጀሚሩ ፡ እቲ ዘውዳዊ መስፍን ናይቲ ንግስነታዊ መንግስቲ ጸጥታ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእተወ ብምዃኑ ካብቲ ዘውዳዊ መስፍን ፍቓድ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ስርሒት ኣብ ወጻኢ ክግበር ኣይከኣልን እዩ። " ይብል እቲ ጸብጻብ ።

እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ 2019 ሕጊ ብምፍራስ መንግስቲ ጆ ባይደን ንንግስነት ሱዕዲ ክሳብ እቲ ኣብ የመን ዝግበር ዘሎ ኲናትን ጥሕሰት ሰብ ኣዊ መሰላትን ከምዝብድሆ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ይኹን እምበር ፡ ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ 2015 ምስታ መጻርርታ ዝዀነት ኢራን ዝነበሮ ርክብ ኑክሌር ከም ብሓድሽ ንምብርባር ፡ ከምኡውን ምስ እስላማውያን ጥሩፋት ዝርርባትን ምስ ሃገራት ዓረብ ዝምድናታት ንምድልዳልን ካልእ ብድሆታት ንምምካት ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን ፡ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝተገብረ ዉዑላትን ንምርኣይ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሚስተር ባይደን ብሓሙስ ምስቲ ወዲ 85 ዓመት ኣቦ ናይቲ ዘውዳዊ መስፍን ዝዀነ ንጉስ ሳልማን ኣብ እተዘራረበሉ እዋን ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኪዳኖም ከጽንዕዎ ምዃኖም ደጊሞም ኣረጋጊጾምን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ምትሕብባርውን ዘትዮም እዮም ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ብወግዒ ምውጻኡ ፡ ናይ ስቴት ደፓርትመንት "ካሾጊ ባን" ብዝብል ስያመ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኣብ ወጻኢ እናተንቀሳቐሱ ኣብ ኣንጻር ንመንግስቲ ዝቃወሙ ስጉምቲታት ዝወስዱ ውልቀ-ሰባት ፡ "ቀይድታት ቪዛ" ከም እተገብረ ኣፍለጡ ። ይኹን እምበር ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘውዳዊ መስፍን እገዳ ከም ዘይግበር ፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ሓንቲ ካብተን ናይ ቀረባ መሻርኽታ ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ርክብ እንደገና ኣብ እትምርምረሉ ዘላ እዋን: ከምኡውን ነቲ ኣብ መጻኢ ወተሃደራዊ መሸጣ "ምኽልካል" ኣጽዋር ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን: ነቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ እተተሓሓዘ ንሰብኣዊ መሰላት ዘሻቕል ናይ ኣጽዋር እገዳታት ምስራዝ ትሓስበሉ ከም ዘላ እውን ንኣተሓሳስባ እቲ ምምሕዳር ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ምንጭታት ሓቢሮም ።


ስዑዲ-ዓረብ ኣብ 'ቲ ንዶባታ ንምክልኻል ዘድልያ ኩሉ ነገራት ክትገብር ከምዘለዋ ተረጋግጽ እንተኾነት፥ ኣመሪካ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ግጭት ኣብ ምውጋድ ኣተኲራ ትሰርሕ ኣላ ፡ ክብል ሓደ ወሃብ ቃል መንግስቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ምንቁልቋል ኣእምሮ ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ 2018 ምስ ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ቅትለት ካሾጊ ዝምልከት ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ ነይሩ ።

ወዲ 59 ዓመት ሚስተር ካሾጊ ኣብ ቨርጂንያ ከም ርእሰ ምርኮ ኮይኑ ዝነብር ስዑዳዊ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ ፣ ንሱ ንፖሊሲታት ናይ "ቲ ዘውዳዊ መስፍን (ብምዕራባዊያን MbS.) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሞሓመድ ቢን ሳልማን ዝነቅፍ ትንታነታት ንዋሽንግተን ፖስት እዩ ዝጽሕፍ ነይሩ ።
Protestors hold candles and pictures of Jamal Khashoggi during a demonstration in front of the Consulate of Saudi Arabia in Istanbul, Turkey.
Protestors hold candles and pictures of Jamal Khashoggi during a demonstration in front of the Consulate of Saudi Arabia in Istanbul, Turkey. Source: EPA
ካሾጊ ብ2 ጥቅምቲ 2018 ናብ "ቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ምስ ቱርካዊት ሕጽይቱ ዝምልከት ናይ መርዓ ሰነድ ሒዙ ኣትዩ ። ብድሕርዚ ምስ ሉዑል መሓመድ ሳልማን ምትእስሳር ዘልዎ ጕጅለ ቀተልዎ: ንሬሳኡ እውን ስለዝቖራረጽዎ ሬሳኡ ኣይተረኽበን ።

ሪያድ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝገልጽ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ወረታት ኣውጽአት ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ካሾጊ ኣብቲ ጌጋ ስርሒት ከም እተቐትለ ተኣመነት ።

ምስቲ ቅትለት ዝተኣሳሰር ዕስራን ሓደን ሰባት ተኣሲሮም ፡ ምክትል ሓለቓ ጸጥታ ዝነበረ ኣሕመድ ኣል-ኣሲሪ ፡ ስዑድ ኣል-ቃሕታኒ ዝበሃል ላዕለዋይ ክኢላ MbS ዝርከብዎም ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እውን ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ።

ኣብ ጥሪ 2019 ፡ 11 ሰባት ኣብ ድሕሪ ዕጹው ማዕጾ ናብ ፍርዲ ቀረቡ ። እቶም ሓሙሽተ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎምኳ እንተነበረ ፣ እዚ ከኣ ፡ ስድራ ቤት ካሾጊ ይቕረ ድሕሪ ምባሎም ፍርዶም ናብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተቐይሩ።

ኣል-ኣሲሪ ናብ ፍርዲ እኳ እንተ ቀረበ ፡ "እኹል መርትዖ ብዘይምርካቡ" ናጻ ከም ዝወጸ እቲ ክሲ ይገልጽ ፣ ሚስተር ኣል-ቃሕታኒ ግና ተመርሚሩ ክሲ ኣይተመስረተሉን ።

ከም ኣካል ናይቲ ባይደን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበሮ ዝምድና እንደገና ሚዛኒ ንምሕላው: ምስ ንጉስ ሳልማን ጥራይ እዩ ርክብ ክገብር: ዋሽንግተን ምስቲ ወዲ 35 ዓመት ዘውዳዊ ልዑል ክትርሕቕ ከምትደሊ ናይ ዋይት ሃውስ ንጥፈታት የመላኽት።

መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ 2017 ኣብ ቤተ መንግስቲ ንግስነት ሱዕዲ ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንሓወቦኡ ወራሲ ዝፋን ካብ ዝዓልዎ ንነጀው ፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ቊጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ብምምራሕ ደገፍ ክረክብ ኪኢሉ ኣሎ ።

እንተኾነ ንሱ ብተቓወምትን ተሓለቕቲ መሰላትን ክንቀፍ ጸኒሑ ኣሎ። ገለ ካብቲ ዝኽሰሰሉ ኣብ የመን ዝግብሮ ጥልቃ ምእታው ካብ ኣዚዩ ዝንቀፈሉ ፖሊሲታቱ እዩ።

 

ዜናታትን ሓበሬታትን ንምርካብ SBS ትግርኛ በዚ ዝስዕብ መርበባት ክትከታተሉና ትኽእሉ ኢኹም:

ኣብ ናይ SBS መርበብ ሓበሬታ: Save our website 

SBS News app: Download our app from  or  and subscribe to the alerts.

Twitter: twitter.com/STigrinya

 


Share
Published 28 February 2021 12:45pm
Source: Reuters, SBS


Share this with family and friends