መንግስቲ ኣመሪካ ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ከም እትገብር ኣጠንቂቑ ኣሎ ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጃክ ሱሊቫን ፡ ሰንበት ፡ "ኣብ ዝዀነ መዓልቲ" መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ ፡ "ኣዝዩ ብዙሕ ሚሳይላትን መጥቃዕትታት ቦምብታትን ምትኳስ" ክጅምር ከም ዝኽእል ገሊጹ እዩ ።
ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣት ብምግንዛብ ፡ ኣብ ዶብ ሩስያ-ዩክረይን ውጥረት እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝነበረ ኤምባሲ ኣብ ኪየቭ ካብታ ከተማ ኣውጽኦ ።
ዋላኳ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ብዛዕባቲ ወራር ሓሳብ : እዚ ግን ክፍጸም ዘለዎ ድዩ: ድሕሪ እቲ ኣብ 20 ለካቲት በይጂንግ ዝውድእ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ኲናት ይጅምርሶ: ሚስተር ሱሊቫን እቲ ወራር እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝመጽእ ብረቡዕ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ ።
" [ፕረዚደንት ሩስያ] ቭላድሚር ፑቲን ወራር ክጅምር እንተኣዚዙ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ይኽእል እዩ" በለ ።
ብዛዕባ'ዚ ግጭት ሩስያ-ዩክረይን ንዘሎ ቀንዲ ሕቶታት ፡ እቲ ኲናት ናበይ ከምዘምርሕ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ ።
እዚ ግጭት ብኸመይ ጀሚሩ?
ብ1991 ዩክረይን ካብ ኅብረት ሶቭየት ሶሻሊስት ሪፓብሊካት (ኅብረት ሶቭየት) ተፈልያ ናጽነታ ምስ ረኸበት ፡ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝነበረ ውጥረት ተጀመረ ።
ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዩክረይን ንመጀመርታ ግዜ ከም ሃገር ንበይና ደው ምስ በለት ፡ ንሩስያ ባህ ከም ዘይበላ ፡ ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ፡ መጽናዕቲታት ዩክሬን ማርኮ ፓቭሊሽያን ይዛረብ ።
ንሱ ን SBS ኒውስ ከምዝገለጾ: - "ዩክረይን ኣብ ብምሉኡ እዚ 30 ዓመት እዚ ደሞክራሲያዊ መስመር ሒዛ ትቕጽል ኣላ: ካብ ሃገራት ባልቲክ ሓሊፋ ከኣ ብብዙሕ መገድታት ፍልይቲ ኮይና እያ ዘላ ።"
ብኣንጻሩ ግን ፡ እቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ዓቃባዊ ምሕደራ ፡ ንፖሊሲታቱ ብእተፈልየ መገዲ ይጥቀመሉ ኣሎ ፣ ጸረ ምዕራባዊ ስርዓት ምስቲ ናይ ዩክሬን ክቃዶ ኣይከኣለን።
ፕሮፌሰር ፓልቭሽይን ፡ ናይ ሩስያ ራእይ "ኅብረት ሶቭየት ከም እተመልሰት ናይ ቀደም ቦታኣ ክትመልስ'ያ ትጋደል" ፡ በቲ ጐረቤታ እትኽተሎ ደሞክራስያዊ ፖሊሲታትሕጉስቲ ከምዘይኮነት ገሊጻ እያ ።

Map of eastern Europe. Source: SBS News
ግን ንምንታይ ሎሚ?
ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ካብ መወዳእታ 2021 ንነጀው ከም ሓድሽ ክርአ እንተጀመረኳ፡ እዚ ግና ከምኡ ኣይኰነን ።
ብ2014 ፡ ዩክረይናዊ (ምስ ሩስያ ዝፋቶ) ፕረዚደንት ቪክቶር ያኑኮቪች ፡ ውዕል ምስ ኅብረት ኤውሮጳ ምኽታም ምስ ኣበየ ፡ ካብ ስልጣን ተዓልወ ። ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ዩክረይንን ምርሓሓቕ ክፍጠር ብመንግስቲ ሩስያ ጸቕጢ ከም እተገብረሉ ድማ ገለጸ ።
ሚስተር ያኑኮቪች ሰላማውያን ሰባት ካብ መንግስቱ ምስ ዓለዉዎ ፡ ካብ ዩክረይን ሃዲሙ ፡ ሩስያ ነታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን እትርከብ ክሪሚያ ናብ ግዝኣታ ኣእትያታ ።
ፕሮፌሰር ፓልቪሽይስን ፡ "ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ፡ ሩስያ ዩክረይን ንኸይትረጋጋእ ብእተፈላለየ መገዲ ጸቕጢ ትገበረላ ፣ ትኸፋፍላ ፡ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ፕሮጀክት ድማ ኣብታ ሃገር ከም ዘይሰርሕ ክትትገብሮ ሰሪሓ" በለ ።
"[ሩስያ] ነቲ ዩክረይን ምስ ከም ኅብረት ኤውሮጳን ኔቶን ዝኣመሰለ ምዕራባዊ ምትእኽኻባት ንምውህሃድ ዝነበራ ድሌት ደው ከተብሎ ፡ ኣብ ልዕሊ ጕዳያት ወጻኢ ዩክረይንን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ፖለቲካ ዩክረይንን ከኣ ብፍላይ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ እያ እትደሊ ።"
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ ልዕሊ 100,000 ወተሃደራት ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣዳልያትሉ ዘላ እዋን ፡ ፕሮፌሰር ፓልቪስህይን ፡ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ፍጻመታት ፡ "ሱር ዝሰደደ ኣንፈት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።
ቪላድሚር ፑቲን እንታይ እዩ ዝደሊ ዘሎ?
ምስ ሓያሎ መራሕቲ ዓለምን ምስ ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ምንጭታት ስለያን ብዙሕ ኣኼባታት እኳ እንተ ተገብረ ፡ ሚስተር ፑቲንን መንግስቱን ንዩክረይን ንምውራር ዕላማ ከም ዘይብሎም እዮም ዝገልጹ ።
እንተዀነ ግን: ብመሰረት ፕሮፌሰር ፓቭልስህይን: እቲ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ኣብ ኣእምሮኡ ብዙሕ ሸቶታት እዩ ዘለዎ ።
"እቲ ቀዳማይ [ዕላማ] ፡ ንዩክረይን ከም ደሞክራሲያዊት መንግስቲ ከይትኸውን ምድኻም ፡ ምንዋጽ ፡ ወይ እውን ምጥፋእ እዩ" በለ ።
ሚስተር ፑቲን ፡ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ሓደ ህዝቢ ምዃኖም ብዙሕ እዋን ገሊጹ ኣሎ ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ምዕራባውያን ሃገራትን (ምስ ኔቶ ናይ ምጽንባር ተኽእሎ እውን ከይተረፈ) ንሩስያ እውን ጠቓሚ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ረጽሚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ ።
"[ሚስተር ፑቲን] ከም ቀንዲ መላሲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሩስያ ተሓሲቡ ሓድጊ ክገድፍ ይደሊ እዩ" በለ ፕሮፌሰር ፓቭልስህይን ።

Source: Getty Images/TASS
ሚስተር ፑቲን ነታ ናይ ቀደም ሃጸያዊት ሩስያ ናብ ንቡር ንምምላስ ራእይ እንተ ኣልይዎ ፡ "ነዚ ሓሳብ እዚ ዝቃወም ሰብ ጸላኢኻ ኣብ ዝዀነላ ዓለም" ከም ዝርአ እውን ገለጸ ።
"[እዚ] ነቶም ንናጽነት ሃገሮም እተወፈዩ ዩክረይናውያን እዩ ፣ ይኹን እምበር ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ዘተሓሳስበን ናይ ምዕራብ ሀገራት እውን እዩ ።"
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ዩክረይን ምስ ሩስያ ውግእ ምእንቲ ኸየጋጥማ ምስ ኔቶ ንኽትጽምበር መዲባቶ ዝነበረት ከተቋርጾ ከም እትኽእል ቢ.ቢ.ሲ ንኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ብሪጣንያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ: እዚ ነቲ ሞስኮ ኣብ ዶባታ ሰራዊት ሩስያ ንምህናጽ ዝግበር ንጥፈታት ንምዝሓል ተባሂሉ እዩ ።
ኣምባሳደር ቫዲም ፕሪስታኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ዩክረይን ምስ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ ንምጽንባር ካብ ዘለዋ ሸቶ "ተዓጻጻፊ" ክትከውን ፍቓደኛ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ ፡ እዚ ሚስተር ፑቲን ናብ ውግእ ንከምርሕ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።
ሚስተር ፕሪስታኪኮ ኪየቭ ካብ ኣባልነት ኔቶ ዘለዋ መደብ ክትቅይር ትኽእል እንተ ኰይና ምስ ተሓተተት ከምዚ በለ፥ "ምናልባት ከምዚ ዓይነት ስግኣታት የጋጥመና ይኸውን: ብፍላይ ከኣ በዚ ምኽንያት ስምና ክኸፍእ ኢሉ'ዩ: ናብዚ ኩነታት ከኣ ደፊኡ'ዩ"
ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን ፡ ካብ 2008 ኣትሒዛ ግን ኣባል ኔቶ ክትከውን ቃል ኣትያ እያ ፡ ኣባል ኔቶ እንተኾይና፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን ናብ ዶብ ሩስያ ክዓርድ ዘኽእል ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ሚስተር ፑቲን ፡ ዩክረይን ምስቲ ኪዳን ዘለዋ ዝምድና እናደልደለት ትኸይድ ምህላዋ ፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ኔቶ ከም እትውንጭፍ ክገብራ ከም ዝኽእል ይገልጽ ። ሩስያ "ቀይሕ መስመር" ክትሕንጽጽ ከም ዘለዋ ድማ ገለጸ ።
ኣውስትራሊያ ካብዚ እንታይ ተሞክሮ ክትወስድ ትኽእል?
እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ውጥረት ን ወጻኢ ጕዳያት ኣውስትራልያ ርሑቕ እኳ እንተ መሰለ ፡ ፕሮፌሰር ፓቭሊሽያን ግና ከምኡ ከም ዘይኰነ ኣጠንቀቐ ።
ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ጕዕዞ ቻይና ምስ ታይዋን እተተሓሓዘ ንምትእስሳር ብደቂቕ ከም እትከታተሎ ገለጸ ።
"ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ኣረኣእያ ምስቲ ቻይና ኣብ ኢንዱ-ፓሲፊክ ዘለዋ ጎረባብታ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ ።"
ኣውስትራልያ ንታይዋን ከም ልኡላዊት ሃገር ብወግዒ ኣፍልጦ ኣይትህብን እያ ፡ እንተኾነ ምስታ ደሴት ዝምድናኣ ከተደልድል ተደሪኻ ኣላ ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ፡ ፒተር ዳተን ፡ ኣውስትራልያ ንታይዋን ንምክልኻል ክትብል ኣመሪካ ንትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከይትድግፍ ዝዓግታ ከምዘየለ " ገሊጹ ነይሩ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ቺዩ ኩ-ፎንግ ፡ በይጂንግ ኣብ 2025 ኣንጻር ታይፐይ ምሉእ ብምሉእ ወራር ክትጅምር ከም እትኽእል ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ እያ ።

Taiwan's Defence Minister Chiu Kuo-cheng. Source: SOPA Images/LightRocket/Walid Berrazeg
"ኣውስትራሊያ ምስተን ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት ኽትሳተፍ ኣለዋ ፡.. ነቲ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምሕላው ።
"ዝዀነት ትኹን ሃገር ፡ ንኻልእ ሃገር ብዘይግቡእ ወሪራ ፡ ወይ ንኻልእ ሃገር ክትቈጻጸር ወይ ንልኡላውነት ካልእ ሃገር ብዘይግቡእ ክትቈጻጸር ኣይትኽእልን እያ ።"
With Reuters.