ራሻ ኣብ ዝኾነ ሰዓት 'ምትኳስ ሚሳይላት' ክትጅምር ትኽእል'ያ፡ ናብዚ ዘብጽሐ ኩነታት እንታይ እዩ፧

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ሩስያ ንዩክረይን ኣብ ሓጺር እዋን ክትወርራ ከም እትኽእል ንዓለም ሓቢራ ኣላ ። እዚ ውጥረት ብኸመይ ከም ዝጀመረ ፡ ናበይ ከምርሕ ከምዝኽእል ትንታነ ቀሪቡ ኣሎ እንሆ ፦

 A Ukrainian soldier is seen out of Svitlodarsk, Ukraine.

A Ukrainian soldier near Svitlodarsk, Ukraine. Source: Getty Images

መንግስቲ ኣመሪካ ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ከም እትገብር ኣጠንቂቑ ኣሎ ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጃክ ሱሊቫን ፡ ሰንበት ፡ "ኣብ ዝዀነ መዓልቲ" መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ ፡ "ኣዝዩ ብዙሕ ሚሳይላትን መጥቃዕትታት ቦምብታትን ምትኳስ" ክጅምር ከም ዝኽእል ገሊጹ እዩ ።

ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ስግኣት ብምግንዛብ ፡ ኣብ ዶብ ሩስያ-ዩክረይን ውጥረት እናበርትዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝነበረ ኤምባሲ ኣብ ኪየቭ ካብታ ከተማ ኣውጽኦ ።

ዋላኳ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ብዛዕባቲ ወራር ሓሳብ : እዚ ግን ክፍጸም ዘለዎ ድዩ: ድሕሪ እቲ ኣብ 20 ለካቲት በይጂንግ ዝውድእ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ኲናት ይጅምርሶ: ሚስተር ሱሊቫን እቲ ወራር እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ከም ዝመጽእ ብረቡዕ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ ።

" [ፕረዚደንት ሩስያ] ቭላድሚር ፑቲን ወራር ክጅምር እንተኣዚዙ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ይኽእል እዩ" በለ ።

ብዛዕባ'ዚ ግጭት ሩስያ-ዩክረይን ንዘሎ ቀንዲ ሕቶታት ፡ እቲ ኲናት ናበይ ከምዘምርሕ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ ።

እዚ ግጭት ብኸመይ ጀሚሩ?

ብ1991 ዩክረይን ካብ ኅብረት ሶቭየት ሶሻሊስት ሪፓብሊካት (ኅብረት ሶቭየት) ተፈልያ ናጽነታ ምስ ረኸበት ፡ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝነበረ ውጥረት ተጀመረ ።

ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዩክረይን ንመጀመርታ ግዜ ከም ሃገር ንበይና ደው ምስ በለት ፡ ንሩስያ ባህ ከም ዘይበላ ፡ ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ፡ መጽናዕቲታት ዩክሬን ማርኮ ፓቭሊሽያን ይዛረብ ።

ንሱ ን SBS ኒውስ ከምዝገለጾ: - "ዩክረይን ኣብ ብምሉኡ እዚ 30 ዓመት እዚ ደሞክራሲያዊ መስመር ሒዛ ትቕጽል ኣላ: ካብ ሃገራት ባልቲክ ሓሊፋ ከኣ ብብዙሕ መገድታት ፍልይቲ ኮይና እያ ዘላ ።"

ብኣንጻሩ ግን ፡ እቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ዓቃባዊ ምሕደራ ፡ ንፖሊሲታቱ ብእተፈልየ መገዲ ይጥቀመሉ ኣሎ ፣ ጸረ ምዕራባዊ ስርዓት ምስቲ ናይ ዩክሬን ክቃዶ ኣይከኣለን።
Map of eastern Europe.
Map of eastern Europe. Source: SBS News
ፕሮፌሰር ፓልቭሽይን ፡ ናይ ሩስያ ራእይ "ኅብረት ሶቭየት ከም እተመልሰት ናይ ቀደም ቦታኣ ክትመልስ'ያ ትጋደል"  ፡ በቲ ጐረቤታ እትኽተሎ  ደሞክራስያዊ ፖሊሲታትሕጉስቲ ከምዘይኮነት ገሊጻ እያ ።

ግን ንምንታይ ሎሚ?

ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ካብ መወዳእታ 2021 ንነጀው ከም ሓድሽ ክርአ እንተጀመረኳ፡ እዚ ግና ከምኡ ኣይኰነን ።

ብ2014 ፡ ዩክረይናዊ (ምስ ሩስያ ዝፋቶ) ፕረዚደንት ቪክቶር ያኑኮቪች ፡ ውዕል ምስ ኅብረት ኤውሮጳ ምኽታም ምስ ኣበየ ፡ ካብ ስልጣን ተዓልወ ። ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮጳን ዩክረይንን ምርሓሓቕ ክፍጠር ብመንግስቲ ሩስያ ጸቕጢ ከም እተገብረሉ ድማ ገለጸ ።

ሚስተር ያኑኮቪች ሰላማውያን ሰባት ካብ መንግስቱ ምስ ዓለዉዎ ፡ ካብ ዩክረይን ሃዲሙ ፡ ሩስያ ነታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን እትርከብ ክሪሚያ ናብ ግዝኣታ ኣእትያታ ።

ፕሮፌሰር ፓልቪሽይስን ፡ "ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ፡ ሩስያ ዩክረይን ንኸይትረጋጋእ ብእተፈላለየ መገዲ ጸቕጢ ትገበረላ ፣ ትኸፋፍላ ፡ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ፕሮጀክት ድማ ኣብታ ሃገር ከም ዘይሰርሕ ክትትገብሮ ሰሪሓ" በለ ።

"[ሩስያ] ነቲ ዩክረይን ምስ ከም ኅብረት ኤውሮጳን ኔቶን ዝኣመሰለ ምዕራባዊ ምትእኽኻባት ንምውህሃድ ዝነበራ ድሌት ደው ከተብሎ ፡ ኣብ ልዕሊ ጕዳያት ወጻኢ ዩክረይንን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ፖለቲካ ዩክረይንን ከኣ ብፍላይ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ እያ እትደሊ ።"

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ ልዕሊ 100,000 ወተሃደራት ኣብ ዶብ ዩክረይን ኣዳልያትሉ ዘላ እዋን ፡ ፕሮፌሰር ፓልቪስህይን ፡ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ፍጻመታት ፡ "ሱር ዝሰደደ ኣንፈት ናይቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።

ቪላድሚር ፑቲን እንታይ እዩ ዝደሊ ዘሎ?

ምስ ሓያሎ መራሕቲ ዓለምን ምስ ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ምንጭታት ስለያን ብዙሕ ኣኼባታት እኳ እንተ ተገብረ ፡ ሚስተር ፑቲንን መንግስቱን ንዩክረይን ንምውራር ዕላማ ከም ዘይብሎም እዮም ዝገልጹ ።

እንተዀነ ግን: ብመሰረት ፕሮፌሰር ፓቭልስህይን: እቲ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ኣብ ኣእምሮኡ ብዙሕ ሸቶታት እዩ ዘለዎ ።

"እቲ ቀዳማይ [ዕላማ] ፡ ንዩክረይን ከም ደሞክራሲያዊት መንግስቲ ከይትኸውን ምድኻም ፡ ምንዋጽ ፡ ወይ እውን ምጥፋእ እዩ" በለ ።

ሚስተር ፑቲን ፡ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ሓደ ህዝቢ ምዃኖም ብዙሕ እዋን ገሊጹ ኣሎ ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ምዕራባውያን ሃገራትን (ምስ ኔቶ ናይ ምጽንባር ተኽእሎ እውን ከይተረፈ) ንሩስያ እውን ጠቓሚ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ረጽሚ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ ።
Russia's President Vladimir Putin
Source: Getty Images/TASS
"[ሚስተር ፑቲን] ከም ቀንዲ መላሲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሩስያ ተሓሲቡ ሓድጊ ክገድፍ ይደሊ እዩ" በለ ፕሮፌሰር ፓቭልስህይን ።

ሚስተር ፑቲን ነታ ናይ ቀደም ሃጸያዊት ሩስያ ናብ ንቡር ንምምላስ ራእይ እንተ ኣልይዎ ፡ "ነዚ ሓሳብ እዚ ዝቃወም ሰብ ጸላኢኻ ኣብ ዝዀነላ ዓለም" ከም ዝርአ እውን ገለጸ ።

"[እዚ] ነቶም ንናጽነት ሃገሮም እተወፈዩ ዩክረይናውያን እዩ ፣ ይኹን እምበር ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ዘተሓሳስበን ናይ ምዕራብ ሀገራት እውን እዩ ።"

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ዩክረይን ምስ ሩስያ ውግእ ምእንቲ ኸየጋጥማ ምስ ኔቶ ንኽትጽምበር መዲባቶ ዝነበረት ከተቋርጾ ከም እትኽእል ቢ.ቢ.ሲ ንኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ብሪጣንያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ: እዚ ነቲ ሞስኮ ኣብ ዶባታ ሰራዊት ሩስያ ንምህናጽ ዝግበር ንጥፈታት ንምዝሓል ተባሂሉ እዩ ።

ኣምባሳደር ቫዲም ፕሪስታኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ዩክረይን ምስ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣትላንቲክ ንምጽንባር ካብ ዘለዋ ሸቶ "ተዓጻጻፊ" ክትከውን ፍቓደኛ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ ፡ እዚ ሚስተር ፑቲን ናብ ውግእ ንከምርሕ ሓደ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚስተር ፕሪስታኪኮ ኪየቭ ካብ ኣባልነት ኔቶ ዘለዋ መደብ ክትቅይር ትኽእል እንተ ኰይና ምስ ተሓተተት ከምዚ በለ፥ "ምናልባት ከምዚ ዓይነት ስግኣታት የጋጥመና ይኸውን: ብፍላይ ከኣ በዚ ምኽንያት ስምና ክኸፍእ ኢሉ'ዩ: ናብዚ ኩነታት ከኣ ደፊኡ'ዩ"

ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን ፡ ካብ 2008 ኣትሒዛ ግን ኣባል ኔቶ ክትከውን ቃል ኣትያ እያ ፡ ኣባል ኔቶ እንተኾይና፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን ናብ ዶብ ሩስያ ክዓርድ ዘኽእል ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ሚስተር ፑቲን ፡ ዩክረይን ምስቲ ኪዳን ዘለዋ ዝምድና እናደልደለት ትኸይድ ምህላዋ ፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ዒላማ ዝገበረ ሚሳይላት ኔቶ ከም እትውንጭፍ ክገብራ ከም ዝኽእል ይገልጽ ። ሩስያ "ቀይሕ መስመር" ክትሕንጽጽ ከም ዘለዋ ድማ ገለጸ ።

ኣውስትራሊያ ካብዚ እንታይ ተሞክሮ ክትወስድ ትኽእል?

እቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ውጥረት ን ወጻኢ ጕዳያት ኣውስትራልያ ርሑቕ እኳ እንተ መሰለ ፡ ፕሮፌሰር ፓቭሊሽያን ግና ከምኡ ከም ዘይኰነ ኣጠንቀቐ ።

ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ጕዕዞ ቻይና ምስ ታይዋን እተተሓሓዘ ንምትእስሳር ብደቂቕ ከም እትከታተሎ ገለጸ ።

"ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጎረባብታ ዘለዋ ኣረኣእያ ምስቲ ቻይና ኣብ ኢንዱ-ፓሲፊክ ዘለዋ ጎረባብታ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ ።"

ኣውስትራልያ ንታይዋን ከም ልኡላዊት ሃገር ብወግዒ ኣፍልጦ ኣይትህብን እያ ፡ እንተኾነ ምስታ ደሴት ዝምድናኣ ከተደልድል ተደሪኻ ኣላ ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ፡ ፒተር ዳተን ፡ ኣውስትራልያ ንታይዋን ንምክልኻል ክትብል ኣመሪካ ንትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከይትድግፍ ዝዓግታ ከምዘየለ " ገሊጹ ነይሩ ።

ሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ቺዩ ኩ-ፎንግ ፡ በይጂንግ ኣብ 2025 ኣንጻር ታይፐይ ምሉእ ብምሉእ ወራር ክትጅምር ከም እትኽእል ኣቐዲማ ኣጠንቂቓ ነይራ እያ ።

Taiwan's Defence Minister Chiu Kuo-cheng wearing a suit and face mask and standing at a lectern.
Taiwan's Defence Minister Chiu Kuo-cheng. Source: SOPA Images/LightRocket/Walid Berrazeg
ፕሮፌሰር ፓቭልዩሽያን ከምዝብሎ እዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ቻይናን ዘሎ ምምስሳል እዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ንኣውስትራልያ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ንዝርከባ ደሞክራስያውያን ሃገራት ንምክልኻል ትምህርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ እዩ ።

"ኣውስትራሊያ ምስተን ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት ኽትሳተፍ ኣለዋ ፡.. ነቲ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምሕላው ።

"ዝዀነት ትኹን ሃገር ፡ ንኻልእ ሃገር ብዘይግቡእ ወሪራ ፡ ወይ ንኻልእ ሃገር ክትቈጻጸር ወይ ንልኡላውነት ካልእ ሃገር ብዘይግቡእ ክትቈጻጸር ኣይትኽእልን እያ ።"

With Reuters.

 


Share
Published 15 February 2022 8:08pm
By Rayane Tamer
Source: SBS News


Share this with family and friends