ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫኪያ ሮበርት ፊኮ ብቕትለት ፈተነ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ኣኼባ መንግስቲ ክወጽእ'ከሎ ምዃኑ ናይቲ መንግስቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
እቲ ተኳሲ ነቲ ወዲ 59 ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሙሽተ ግዜ ዝተኮሰሉ ኮይኑ፡ ኣብ ፈለማ ኣብ ከቢድ ናይ ህይወት ሓደጋ ወዲቑ ነበረ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት መጥባሕቲ ተገይርሉ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ።
"ኣዚየ ሰንቢደ ነይረ ... ዕድል ጸቢቑ ኣነ ክሳብ ፈሊጠዮ ዘለኹ እቲ መጥባሕቲ ጽቡቕ ከይዱ። ክድሕን ምዃኑ እግምት። ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ሞት ኩነታት ኣይኮነን ዝርከብ።" ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ስሎቫኪያ ቶማስ ታራባ ን BBC's Newshour ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ ሓንቲ ጥይት ብከስዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ፊኮ ዝሓለፈት ኮይና ካልእ ጥይት ድማ ኣብ መላግቦኡ ሃሪማቶ ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ፊኮ ኣብ ሃንድሎቭ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ ብድሕርዚ ናብቲ ናይቲ ዞባ ሆስፒትኣል ብሂልኮፕተር ተወሲዱ።
ርእይቶ ኣመሪካን ራሻን ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ
እቲ ኣብ ማእከላይ ስሎቫኪያ ከተማ ሃንድሎቫ ዝተፈመ መጥቃዕቲብወዲ 71 ዓመት ሰብ ኣይ ከምዝተፈጸመ ናይቲ ሃገር መዲያ ገሊጸን። በቲ ኣብታ ኣብ ማእከላይ ኣውሮጳ ትርከብ ንእሽቶ ሃገር ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ናይ ኣህጉራዊ ኩነኔ ስሒቡ ኣሎ።
ስሎቫኪያ ኣባል ኔቶን ሕብረት ኣውሮጳን ኮይና ብዙሕ ዕግርግር ዘይስምዓላ ሃገር እያ። ፕረሲደንት ራሻ ቪልድሚር ፑቲንን ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ምስ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ በቲ ፍጻመ ከምዝሰንበዱን ነቲ ፈተነ ቅትለት ከምዝኾነንኑን መልእኽቶም ኣሕሊፎም ኣለዉ።

US President Joe Biden condemned the "horrific act of violence". Source: AAP / Jim Lo Scalzo/EPA
ፕረሲደንት ባይደን ብወገኑ ኣመሪካ ንስሎቫኪያ ክትሕግዝ ቅሩብነት ብምርኣይ : "ነዚ ዘሰክሕ ተግባር ንኹንን" ክብል ሓሳቡ ገሊጹ።
ዝተኸፋፈለት ስሎቫኪያ
እታ 5.4 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ስሎቫኪያ ኣብዚ ቅሩብ ዓመታት ብፖለቲካዊ ክትዓት ኣዚያ ተኸፋፊላ ትርከብ ሃገር እያ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ስልጣን ፊኮ ክድልድል ሓጊዙ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ምስተመልሰ ፊኮ ስልጣኑ ንምድልዳል ፖሊሲታት ብቕጽበት ከምዝቐያየረ ተቓወምቱ ይኸስዎ።መንግስቱ ንዩክረይን ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ዘጉደለ ኮይኑ ምስ ራሻ ዝግበር ዘተ ክፉት ገይርዎ።
መራኸቢ ብዙሃን ስሎቫኪያእቲ ክቐትሎ ዝፈተነ ናይ ቀደም ኣብ ዕዳጋ ሞል ሓለዋ ጸጥታ ዝነበረን ሰለስተ እኩባት ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ኣባል ማሕበር ጸሓፍቲ ስሎቫኪያን እዩ።

The shooting has stunned the 5.4 million residents of Slovakia, which has little history of political violence. Source: AAP / Denes Erdos