ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዉሽጢ ዒላ ንዝኣተወ ወዲ ሓሙሽተ ቖልዓ ንምድሓን ምርብራብ ቀጺሉ።

እቲ ቖልዓ ፡ ሰሉስ ምሸት ፡ ካብቲ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ሰሜናዊት ቸፍቻወን እትርከብ ኢግራን እትብሃል ቊሸት፡ ኣብ 32 ሜትሮ ኣብ ዝዕምቈቱ ዒላ እዩ ኣትዩ ።

Local authorities attempt to rescue a five-year-old boy in Ighran, Morocco.

Local authorities attempt to rescue a five-year-old boy in Ighran, Morocco. Source: AP

እቶም ኣድጃንቲ ሰባት ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዒላ ኣትዩ ዘሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ፡ ንምውጻእ ኣብዝቀራረብሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዜና ንመላእ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ልቢ ዘንጠልጥል ኮይኑ እዩ ቀንዩ ።

እቲ ረያን ተባሒሉ ዝፍለጥ ቘልዓ ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብታ ኣብ ሞሮኮ ኣብ እትርከብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ቸፍቻወን እትርከብ ኢግራን እትበሃል ቊሸት ፡ ካብ ቤቱ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ 32 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ዒላ ኣትዩ ተረኽበ ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሞሮኮ ዝመደበሩ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኤም.ፒ. ፡ ሰራሕተኛታት ድለያ ፡ ፈለማ ንመዓልታት ቡልዶዞር ተጠቒሞም ፡ ንትኹል ልዕሊ 31 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ጉድጓድ ኩዒቶም ።

ድሕርዚ ዓርቢ ነቲ እተቐርቀረ ወዲ ንምብጻሕ ንጋድም ገለርያታት ኪዅዕቱ ጀመሩ: MAP ከምዝሓበሮ ድማ እቶም ኣብ ስነ-ሂወታውያን ምህንድስና ዝርከቡ ክኢላታት ሓገዝ ንኽህቡ ተጸዊዒም ኣለዉ ።
እቲ ዕዮ ንግዜኡ እኳ እንተ ኣቋረጸ ፡ ጸኒሑ ግን ከም ብሓድሽ ተጀመረ ።

ኣባል ኮሚተ ድሕነት እታ ሃገር ዓብደልሃዲ ተምኒ ፡ "እቲ ኣብ ዙርያ እታ ኢላ ዘሎ መሬት ኸይፈርስ ካብ ዝብል ስግኣት ፡ እቲ ኩዕታ ንግዜኡ ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ" ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ቘልዓ ኦክስጅንን ማይን ንምሃብ ገመድ ይጥቀሙ እኳ እንተ ኸኣሉ ፡ በቲ ብሰንኪ እቲ ጸቢብ ጉድጓድ ነቲ ሕጻን ካብቲ እተቐርቀረሉ ጕድጓድ ከውጽእዎ ኣይከኣሉን ።
ኣዲኡ ዋሲማ ካርኪች ን2ኤም "ኣምላኽ ህያውን ደሓንን ኰይኑ ናብ ገዛይ ክምለስ እጽሊ" በለት ።

"በጃኻ ኣምላኽ ፡ ስቓየይን ሽጋርኡን ኣብዛ ጕድጓድ ሓመድ እዚኣ ኣናግፈኒ ።"

ክኢላታት ሕክምና ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ፡ እቲ ወዲ ምስ ካብቲ ጉድጓድ ምስወጸ ረዲኤት ንምሃብ ኣብጥቓኡ ኮይኖም ዝጽበዩ ዘለዉ ኮይኖም ናብ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ንምብጻሕ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ኣብጥቓ ቲ ጉድጓድ ድልውቲ ኮይና ትጽበ ኣላ ።

መንግስቲ ሞሮኮ ብሓሙስ ነዚ ቖልዓ ንምድሓን ኩሉ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ገሊጹ ።

ብዙሓት ደቂ እታ ከተማን ካልኦት ሰባትን ነቲ ንምድሓን እተገብረ ጻዕርታት ኺሕግዝዎን ኪርእይዎን ተኣከቦም ኣለዉ ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሞሮካውያን ነቲ ፍጻመ ኣብ መላእ ዓለም ኣቓልቦ ንኽረክብ ሓሻሽታግ #SaveRayan ዝብል መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የቕርቡ ኣአዉ ።


Share
Published 5 February 2022 12:39pm
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends