እቶም ኣድጃንቲ ሰባት ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዒላ ኣትዩ ዘሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ፡ ንምውጻእ ኣብዝቀራረብሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዜና ንመላእ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ልቢ ዘንጠልጥል ኮይኑ እዩ ቀንዩ ።
እቲ ረያን ተባሒሉ ዝፍለጥ ቘልዓ ፡ ሰሉስ ምሸት ኣብታ ኣብ ሞሮኮ ኣብ እትርከብ ሰሜናዊት ኣውራጃ ቸፍቻወን እትርከብ ኢግራን እትበሃል ቊሸት ፡ ካብ ቤቱ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ 32 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ዒላ ኣትዩ ተረኽበ ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ሞሮኮ ዝመደበሩ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኤም.ፒ. ፡ ሰራሕተኛታት ድለያ ፡ ፈለማ ንመዓልታት ቡልዶዞር ተጠቒሞም ፡ ንትኹል ልዕሊ 31 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ጉድጓድ ኩዒቶም ።
ድሕርዚ ዓርቢ ነቲ እተቐርቀረ ወዲ ንምብጻሕ ንጋድም ገለርያታት ኪዅዕቱ ጀመሩ: MAP ከምዝሓበሮ ድማ እቶም ኣብ ስነ-ሂወታውያን ምህንድስና ዝርከቡ ክኢላታት ሓገዝ ንኽህቡ ተጸዊዒም ኣለዉ ።
እቲ ዕዮ ንግዜኡ እኳ እንተ ኣቋረጸ ፡ ጸኒሑ ግን ከም ብሓድሽ ተጀመረ ።
ኣባል ኮሚተ ድሕነት እታ ሃገር ዓብደልሃዲ ተምኒ ፡ "እቲ ኣብ ዙርያ እታ ኢላ ዘሎ መሬት ኸይፈርስ ካብ ዝብል ስግኣት ፡ እቲ ኩዕታ ንግዜኡ ደው ከም ዝበለ ሓቢሩ" ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ቘልዓ ኦክስጅንን ማይን ንምሃብ ገመድ ይጥቀሙ እኳ እንተ ኸኣሉ ፡ በቲ ብሰንኪ እቲ ጸቢብ ጉድጓድ ነቲ ሕጻን ካብቲ እተቐርቀረሉ ጕድጓድ ከውጽእዎ ኣይከኣሉን ።
ኣዲኡ ዋሲማ ካርኪች ን2ኤም "ኣምላኽ ህያውን ደሓንን ኰይኑ ናብ ገዛይ ክምለስ እጽሊ" በለት ።
"በጃኻ ኣምላኽ ፡ ስቓየይን ሽጋርኡን ኣብዛ ጕድጓድ ሓመድ እዚኣ ኣናግፈኒ ።"
ክኢላታት ሕክምና ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ፡ እቲ ወዲ ምስ ካብቲ ጉድጓድ ምስወጸ ረዲኤት ንምሃብ ኣብጥቓኡ ኮይኖም ዝጽበዩ ዘለዉ ኮይኖም ናብ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ንምብጻሕ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ኣብጥቓ ቲ ጉድጓድ ድልውቲ ኮይና ትጽበ ኣላ ።
መንግስቲ ሞሮኮ ብሓሙስ ነዚ ቖልዓ ንምድሓን ኩሉ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ብዙሓት ደቂ እታ ከተማን ካልኦት ሰባትን ነቲ ንምድሓን እተገብረ ጻዕርታት ኺሕግዝዎን ኪርእይዎን ተኣከቦም ኣለዉ ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ፡ ሞሮካውያን ነቲ ፍጻመ ኣብ መላእ ዓለም ኣቓልቦ ንኽረክብ ሓሻሽታግ #SaveRayan ዝብል መልእኽቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የቕርቡ ኣአዉ ።