ቀንዲ ካብ ትሕዝቶታት እዚ ጽሑፍ:
- ብ ቪዛታት 491 ከምኡ'ውን ቪዛ ሳብክላስ 494 ኣቢሎም ካብ መላእ ዓለም ብኪኢላዊ ስራሕ ናብ ዞባታት ኣውስትራሊያ ክስደዱ ይኽእሉ።
- ኣመልከቲ ምስ ስድራኦም ናብ ኣውስትራሊያ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
- ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ኣውስትራሊያ ብቐዋምነት ክነብሩ ከመልክቱ ይኽእሉ።
ኣብ ዞባ ናይ ኪኢላዊ ስራሕ (Skilled Work Regional (Provisional) ቪዛ ሳብክላስ 491 ከምኡውን ብ ኣስራሒ ስፖንሰር ዝግበር ናይ ዞባታት (Skilled Employer Sponsored Regional (Provisional) ቪዛ ሳብክላስ 494 ኣቢሎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብናይ ኪኢላ ሰራሕተኛታት ኣቢሎም ኣብ ዞባታት ንዝሰርሑ ምእታው ይኽእሉ።
እዞም ግዚያዊ ቪዛታት ዕድሚኦም ትሕቲ 45 ንዝኾኑ ዝወሃብ ኮይኑ ኣብ ኣውስትራሊያ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ንኽጸንሑ ዘግብሩን፡ ንዝምልከቶም ድማ ንቀዋሚ መንበሪ ቪዛ ከመልክቱ የኽእሎም።
ዋጋ ናይዚ ቪዛታት ንቀንዲ ኣመልካቲ ካብ 4,045 ናይ ኣውስትራሊያ ዶላር ዝብገስ ፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ቪዛ ዝኣትዉ ኣባላት ስድራ ንነፍሲወከፎም ተወሳኺ ክፍሊት ኣሎ።

Source: Getty Images/Pamspix
ኪኢላዊ ስራሕ ኣብ ዞባታት (Skilled Work Regional (Provisional) ቪዛ ሳብክላስ 491
ቅድሚ ነዚ ዓይነት ቪዛ ምምልካት፡ ብሓደ ናይ ኣውስትራሊያ ክፍለ ግዝኣት ዕድመ ክቐርበልካ ኣለዎ።
ፈለማ፡ እቲ ናትካ ክኢላዊ ዓቕሚ ኣብቲ ዝድለ ዘሎ ዘሎ ዝርዝር ዓይነት ኪኢላዊ ዓቕሚ ክህሉ ኣለዎ። እዚ ካብ ሓደ ክፍለ ግዝኣት ናብቲ ካልእ ክፈላለ ይኽእል እዩ። በቲ ዘሎ ዕዳጋታት ስራሕ ክቀያየር ይክእል።
ብኻልኣይ ደረጃ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ወይ ናይ ቢዝነስ ኪኢላታት ኮይኖም ብቐዋምነት ወይ ብግዚያዊ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ክሰርሑ ንዝደልዩ፡ ብነጻ ናይ ኢሚግረሽን ኣብ ኦንላይን ብዝግበር ናይ ምምልካት መስርሕ ብSkillSelect ተጠቒምካ ድልየትካ ምግላጽ።
ነጥቢ ዘውህብ ሕቶታት ከም ትምህርትኻ፡ ናይ ስራሕ ተመኩሮኻ፡ ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዓቕምኻ፡ ካል እ ክእለታትን ይቐርበልካ። ብውሕዱ 65 ነጥቢ ከትመልእ ኣለካ። እንተኾነ ከከም ረቑሒታት ናይ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት እቲ ነጥቢ ክትሕት ወይ ክልዕል ይኽእል እዩ።
ብተወሳኺ ነቲ ክወሃበካ ትደልዮ ስራሕ ዝምልከት ብዝምልከቶም ኪኢላታት ግምገማ ክግበረልካ ይኽእል እዩ።

Warehouse workers Source: Getty images/Tempura
ብ ኣስራሒ ስፖንሰር ዝግበር ክእለት ስራሕ ናይ ዞባ (Skilled Employer Sponsored Regional (Provisional) ቪዛ ሱብክላስ 494
እዚ ዓይነት ቪዛ እቶም ካብ ኣውስትራሊያ ክረኽቡ ዘይክእሉ ኣስራሕቲ ካብ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ከእትዉ ዘኽእሎም እዩ።
ኣብዚ ክልየ ቀንዲ መገዲታት ቪዛ ኣለዉ፡– ‘ብኣስራሒ ዝግበር ስፖንሰር’ ከምኡ ድማ ‘ብናይ ስራሕ ስምምዕ መገዲ’።
ነቲ ‘ብኣስራሒ ዝግበር ስፖንሰር’ ወይ ‘Employer Sponsored stream’ እቲ ኣስራሒ ኣብቲ ዘለዎ ከባቢ ነቲ ስራሕ ዝኸውን ሰራሕተኛ ስፖንሰር ክገብር ፍቓድ እንተልይዎ እቲ ኣስራሒ የመልክተልካ።
እቲ ‘ብናይ ስራሕ ስምምዕ መገዲ’ (Labour Agreement stream) ዘድልዮ ረቛሒ ኣሎ ንሱ ድማ፡ እቲ ትሰርሓሉ ስራሕ ዝምርኾስ ኣብቲ ናይ ስራሕ ስምምዕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ናይቲ ዝድለ ስራሕ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ኣውስትራሊያ ዘይርከብ ምስዝኸውን እዩ።
ኣብዚ እዋን 9 ናይ ኢንዳስትሪ ስምምዓት ኣለዉ፡ እዚ ኣቶም ድማ፡ ናይ ጸባ ውጺኢታት (Dairy), ሃብቲ ዓሳ (Fishing), ስጋ (Meat), ናይ ሃይማኖት መምህር (Minister of Religion), On-hire, ሓብቲ ሓሰማ (Pork), ቤት መግቢ (Restaurant ), ምውዕዋዕን ሕርሻን (Advertising and Horticulture) እዮም።
ኣብ ክልቲኦም መገዲታት ምርካብ ቪዛ እቲ ዝተሓተ ናይ እንግሊዝኛ ዓቕሚ ፍልጠት ከተማልእ ትሕተት። ብተወሳኺ ክእለትካ ክግምገም ኣለዎ።
ይኹን እምበር፡ ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ዘይትፈልጦ ርሑቕ ከባቢ ምኻድ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

Source: Getty Images/Cavan Images
ብዙሕ ነገር ኣብ ግምት ከተእትዎ ዝግባእ ነገር ኣሎ፡ እቲ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ስድራኻ ኩሉ ብልክዕ ክግምገም ኣለዎ።
ናይ Regional Australia Institute CEO, ጃክ ኣርቸር ከምዝገልጾ እቲ ናይ ምጥያስ ተመኩሮ ኣብ ዓይነት እቲ ከተማን ናይቲ ሓዲሽ ተሰዳዳይ ኩነታት እዩ ዝምርኮስ።
መንበሪ ገዛ፡ ስራሕ፡ ማሕበራዊ ህይወትን እዚኦም ኩሎም ብማዕረ ዘገድሱ ነገራት እዮም።
ኣኪለሽ ሙርትይ ካብ ህንዲ ዝተሰደ ኮይኑ ናብታ ኣብ መንጎ ኒው ሳውዝ ወልስን ቪክቶሪያን ትርከብ ናይ ዞባ ከተማ ኣልባሩ ዉዶንጋ ትርከብ ሰበይቱ ግዒዙ ዘሎ እዩ።
እታ ከተማን ኣብ ኡ ዘሎ ማሕበረሰብን ካብ ትጽቢቶም ንላዕሊ ኮይኑ ከምዝጸንሖም ይገልጽ፡ ብፍላይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓዶም ኣብ ህንዲ ዘሎ ክብሪ ናይ ስድራ ተመሳሳሊ ኮይኑ እዩ ጸኒሕዎም።
ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ባህሊ ብዝከኣል ብዝቐልተፈ ክቕበሎ እየ ወሲነ
ኣብ ከባቢኡ ካብ ዘሎ ላይበረሪ፡ ሚስተር ማርትይ ብዛዕባቲ ማሕበረሰብ ዝምልከት እኹል ሓበሬታ ረኺቡ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ህንዳዊን ኣውስትራሊያዊን ዘሎ ናይ ሓባር ባህላዊ ድሌታት ብምጽናዕ ነቲ ሓድሽ ዓዱ ብምሉእ ልቡ ክቕበሎ ከምዝሓገዞ ይዛረብ። ድሮ ምስ ክላብ ክርኬት North Albury ተጸምቢሩ ይጻወት ኣሎ።
ኣብቲ ናይ ክርኬት ክላብ ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣጥርየ፡ ብዙሕ እዮም ዝሕግዙና።