ሰልፊ ለበር ንሰልፊ ለበር ኣብታሪኹ ዘይተራእየ ስዕረት ብምስዓር፡ ፕሪሜር ማርክ ማክጎወን ነቲ ናይ ወስተርን ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዓብላሊነት ክመርሖ እዩ።
ኣብቲ ብቐዳም ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ነቲ ሰልፊ ሊብራል ሒዝዎ ዝነበረ ወናብር ተወሳኺ 13 ሚእታዊ ብምውሳድ፡ ካብ 59 ወናብር ታሕተዋይ ፓርላማ ነቲ 53 ወናብርዩ ተዓዊትሉ።
እዚ ንሰልፊ ሊብራል ዘባህርር ሕልሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ፓርላማ ክልተ ወናብር ሒዞም ምትራፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ስልጣኖም ብሰልፊ ናሽናልስ ምሕዳጎም እንኮላይ እዩ።
ሚስተር ማክጎዋን ድሕሪ ዓወቱ ኣብዝገበሮ መደረ፡ " ኣብዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንነፍሲወከፍ ወስት ኣውስትራሊያዊ ከገልግል እመባጻዕ።"
"ኣብቲ ናተይ መንግስቲ እምነት ኣሕዲርኩም ንሕና ድማ ህዝቢ ወስት ኣውስትራሊኣ ከምዘይነሕፍሮ ቃል ንኣቱ።"
እቲ ውጺኢት ናይቲ ምርጫ ድሕሪ ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝተኸስተ ለበዳ ድሕሪ ብምዃኑ ዓቕሊ ዘሸልም ምዃኑ ምስክርዩ ኢሉ።

هواداران حزب کارگر در حال جشن گرفتن پیروزی آقای مکگون Source: AAP
"ሎሚ ዝተረኽበ ነገር፡ ትዕግስቲ፡ ፍረ ትዕግስቲ፡ ከቢድ ስራሕ፥ ተስፋን ኢድካ ዘይምሃብን እዩ።" ኢሉ።
ሚስተር ማክጎዋን ብተወሳኺ፡ ናብ ስራሕ ንምምላስ ግዜ ከምዘይወስድ ገሊጹ።
መራሒ ተቓዋሚ ዛክ ኪርካፕ መንበሩ ብኻልእ ድሕሪ ምውሳዱ ብወግዒ ከምተሳዕረ ተኣሚኑ።
"ብርግጽ ኣብ ዳውንስቪልን ኣብ መላእ እዛ ግዝ ኣት ዝተራእየ ነገር ኣዚዩ ዘሕዝን ነገርዩ።"ኢሉ
"እዚ ስዕረት ንኽትጸሮ ዝኸብድ ነገር እዩ።"
"እዚ ስዕረን ንኹላትና ተሰሚዑናዩ፡ እንተኾነ 2021 ናይ መወዳእታ እዋን ዘይኮነትሲ መፈለሚ ዓመትያ፣"
ሚስተር ኪርኩፕ ከም በዓል ጆን ሃዋርድ ዝበሉ መራሕቲ ሰልፊ ሊብራልስ መንበሩ ጥራይ ኣይኮነን ተወሲድዎ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ መሪሕነት ናብ ሰልፊ ናሽናልስ ከሰጋገር እዩ።
ወዲ 34 ዓመት ሚስተር ኪርኩፕ ንደገፍቱ ኣብዘስምዖ ዘረባ "እቲ ዕድል ንሓዲሽ ወለዶ ንምግዳፍ ድሕሪ ደጊም ኣብውድድር ናይ ሊብራልስ ኣይኣቱንየ።" ኢሉ።

زک کرکب در ٨٨ سال گذشته نخستین رهبر حزب لیبرال در آسترالیای غربی است که کرسی خود را میبازد. Source: AAP
"ኩላትና ክንገብሮ ንኽእል ክንገብር ኣለና። ብሰንኪ ወሪዱና ዘሎ፡ እዚ ዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ንሰልፊ ሊብራል እቲ ዝኸበደ ጉዕዞ ክኸውን እዩ።" እንተኾነ ህዝቢ ወስት ኣውስትራሊያ ኣብ ኡ ስለዝምርኮስ ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕዮ ክንቦኩር የብልናን።" ኢሉ።