'ጩራ ተስፋ' ፦ ህንዲ 'ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ' ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ወፍሪ ጀሚራ።

ህንዲ ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ፡ ኣስታት 300 ሚልዮን ካብ 1.3 ቢልዮን ህዝባ ክታበት ክትህብ እያ ፣ እዚ ብዝሒ ምስ ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ኣመሪካ ዝማዓራረ እዩ ።

gettyimages-1230610096.jpg
ሆስፒታላት ብዕምባባታት ተኸቢቦም ኣብዝረኣይሉ ፡ ሓደ ፖለቲከኛ ህንዲ ብቀዳም ገረብ ተኺሉ፣ እዚ ከኣ ነቲ 150,000 ካብ ህዝባ ዝቐተለ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ደው ከብሎ ተስፋ ይገብር።

ህንዲ ዕላማኣ ፡ ኣብ ሓምለ ፡ ኣስታት 300 ሚልዮን ካብ 1.3 ቢልዮን ህዝባ ፡ ማለት ዳርጋ ምስ ምሉእ ህዝቢ ኣመሪካ ዝመዓራረ ብዝሒ ህዝቢ ፡ ኣብ ቅድሚት ዝሰርሑ ፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 50 ዝዀኑ ሰባት ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ከም ዘለዉ ዝንገረሎም ሰባት ክታበት ክትህብ እያ ።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፡ ኣስታት 300,000 ዝዀኑ ሰባት ተኸቲቦም፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ዓይነት ክታበታት ብኣስትራዘነካ ዝማዕበለ ኮቪሽልድ ክታበትን ፣ እቲ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ትካል ሰሩም ፡ ወይ እቲ ኣብ ቤት-ሰርብያ ዝርከብ ኮቫክስን ዘዳለዎ እዩ ።
India Starts COVID-19 Coronavirus Vaccination
A health official holds a vial of Covishield Coronavirus Vaccine as India starts coronavirus vaccination in Baramulla Jammu and Kashmir. Source: NurPhoto
ኮቫክሲን ሕጂ እውን ኣብ ክሊኒካዊ ፈተናታት እዩ ዝርከብ: እቶም ናይ ቀዳም ተኸተብቲ ከኣ "ክሊኒካዊ ኣድማዕነት... ገና ብሕጂ ዝርአ እዩ" ዝብል ናይ ስምምዕ ቅጥዒ ከፍርሙ ኣለዎም ።

እንተዀነ ግን: ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ ነቲ ናይ ክታበት ፕሮግራም ምስ ጀመሮ: ሰባት ነቲ "ፕሮፓጋንዳን ወረን" ብዛዕባ እቲ ብግዳም ዝወሃብ ክታበት ክነጽግዎ ተማሕጺኑ።

ወዲ 70 ዓመት ዝዀነ ሚስተር ሞዲ ፡ ኣብ ሓንቲ ቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ፡ "ዓለም ኣብ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ኣብ ምፍራይ ክታበትን ህንዲ ዓብይ እምነት እዩ ዘለዋ።" ኢሉ።

'ጩራ ተስፋይ'

ኣብ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ 15,000 ዓራት ዘለዎ ሆስፒታል ፡ ሰበ ስልጣን 15 ናይ ክታበት ዳሳት ብምድላው ፣ ብ ቀዳም ክሳዕ 1,000 ዝዀኑ ሰባት ክኽተቡ ትጽቢት ይግበረሎም።


እቲ ትካል ንፈለማ እዋን እተቐበሎ ፡ መንእሰይ ሰራሕተኛ ጥዕና እዩ ነይሩ ። ነቲ ክታበት ኣብ የማናይ ኢዳ ወሲዳ ብጸጋማይ ኢዳ ምስ ሓዘቶቶ ፡ ብዙሕ ጣቕዒት ተሰምዐ ።

ወዲ 53 ዓመት ሞሃን ጋንፓት ኒካም ኣብ ካልእ ናይ ሙምባይ ሆስፒታል ሓላዊ ጸጥታ ኰይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ምስ ሃድአ ከም ዝፈርሐ ተዛሪቡ ።

ንኤኤፍፒ ፡ "ስመይ ኣብ ዝርዝር ክታበታት ከም ዘሎ ምስ ሰማዕኩ ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ" ኢሉ ።
Medical workers wait to be inoculated with a COVID-19 coronavirus vaccine at the government Rajaji hospital in Madurai on 16 January.
Medical workers wait to be inoculated with a COVID-19 coronavirus vaccine at the government Rajaji hospital in Madurai on 16 January. Source: AFP
ጓል 42 ዓመት ፊዝዮተራፒስት ስሚታ ሪንጋነካር ፡ ኣብ ሆቴል ንኣዋርሕ ከም እትቐመጠት ድሕሪ ምግላጻ ፡ ንሕሙማት ክትሕግዝ ፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዳ ድማ ኣብ ቤታ ከተሕክሞም ከም ዘይትኽእል ገሊጻ ።

ንኤኤፍፒ ፡ "ንኣዋርሕ ዝኣክል ናብ ፈተውተይ ወይ ኣዝማደይ ኣይበጽሕን ነይረ" ኢላ ።

ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ካልካታ እትነብር ሳንታ ሮይ ዝስማ ሰራሕተኛ ጥዕና ብወገና፡ "ሰባት ክሞቱ ከለዉ ርእየ እየ ፣ ሕጂ ግና ጩራ ተስፋ "ከም ዝረኣየት ገሊጻ።

ኣብ ፓትና ናይ መጀመርታ ተኸታቢ ራም ባቡ ፡ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ከሎ ናብ ቤተ መቕደስ ከም ዝኸደ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣዝዩ ካብ ምሕጓሱ ዝተላዕለ፡ ክድቅስ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።

'ዓሚቕ ብድሆ'

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ፡ ኣብ ህንዲ ብዝሒ ሓድሽ መልከፍቲ ክጎድል ተራእዩ እዩ ። ብዓርቢ 175 ሰባት ኣብ ህንዲ ክሞቱ'ኸለዉ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣስታት 4,000 መዓልቲ ሞይቶም ።

ይኹን እምበር ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት እተራእየ ሓድሽ ማዕበል ከየለዓዕል ንክኢላታት የተሓሳስቦም እዩ ።

ሰበስልጣናት ተሞክሮኦም ምስቲ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ስራሓት ሰፊሕ ናይ ምርጫን ናይ ህጻን መከላኸሊ ሕማም ንፖልዮ ከምኡ'ውን ዓባይ ሰዓል ፕሮግራማት ከም ጽቡቕ ተመኩሮ ንኽታበት ኮሮናቫይረስ የቕርቡ ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ገለ ከባቢታት ህንዲ ድኽነትን ምስኣን ጽፉፍ ናይ መጓዓዝያ መርበባትን ኣዝዩ ዓቢን ኣድካምን ከቢድ ዕዮ እዩ ።

ናይ ህጻናት ክታበት "ኣዝዩ ዝነኣሰ መጠን ምኽታብ" እዩ ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ምውሳድ ድማ "ኣዝዩ በዳሂ" ምዃኑ ሳታያጂት ራት ካብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ስነ-ምክልኻል ትዛረብ።

ክልቲኡ ተቐባልነት ዘለዎ ክታበት ፍሪጅ ክቕመጥ ኣለዎ ፡ ካልኦት ክምዕብሉ ዝኽእሉ ድማ ኣብ ብርቱዕ-ትሑት መጠን ዋዒ ዘለዎ ቦታ ክኽዘኑ ኣለዎም ።

ንብምሉኡ እቲ መስርሕ ብዲጂታላዊ መገዲ ብናይ ሕንዲ ኣፕሊኬሽን ማለት ኮዊን (CoWIN) ክመሓደር መደብ ከምዘሎን እዚ ድማ ድሮ ተመሳሳሊ ብዙሕ ናይ ሓሶት ኣፕሊኬሺናት ኣሎ ።

ጥርጣረታት ብዛዕባ ክታበት

ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርአ ፡ ብዛዕባ እቲ ክታበት ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝንዛሕ ወረታት ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝገልጽ መሰረት ዘይብሉ ወረን ኣሎ።

ንኣብነት ፡ ብዙሕ ናይ ፈይስቡክን ናይ ትዊተርን ፖስተራት ኣማእታት ግዜ ተኻፊሎም - ብኣፍ.ፒ ፋክት ዝተጻረየ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞተ ኣሕምልቲ ዝበልዕ ( vegetarian) ኣይነበረን ዝብል'ዩ።

ኣብ መላእ ህንዲ ኣብ 18,000 ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ 69 ካብ ሚእቲ ናይ ኮቪድ-19 ክታበት ንምውሳድ ኣይህወኹን።

እቲ ኮቫክሲን ዝበሃል ክታበት ዝተገብረ ናይ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ሰብ ዝተገብረ ፈተናታት ዝገልጽ ሓበሬታ ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ሓካይምን ሕሙማትን ጥርጣረ ኣሕዲሩ'ዩ።

እንተዀነ ግን: "የቐንየልና ሞዲ" ዝብል ፖስተራት ኣብ መናድቕ ተለጢፉ ይርአ ፥ ቻንድ ዋታል ዝበሃል 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ላዕለዋይ ሓኪም ደልሂ: ካብ ቀዳሞት ናይ ከቪሽልድ ክታበት ዝተኸትበ ሰብ በዚ ኣይተጨነቐን ።

ንሱ ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ "ንቫይረስ ኮሮና ዝኸውን ፈውሲ የለን ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሰባት ይቐትል'ዩ ዘሎ" ኢሉ ።

"እቲ ናይ ሰለስተ እብረ ሓበሬታ (ንኮቫክሲን) ን ህዝቢ ኣይተገልጸን ዘሎ ፣ እዚ ዘተሓሳስብ እዩ ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኺፈትሕዎ እዮም ፣ ስለምንታይ ደኣ ግዜ ዝጠፍእ ? "

ጓል 28 ዓመት ዝዀነት ሸላ ፡ "እዚ ኵሉ ስሚዒታት (ብዛዕባ ከቪሽልድን ኮቫክሲንን) መራኸቢ ብዙሃን እየን ፈጢረናኦ" ኢላ ።

ጓል 55 ዓመት ዝዀነት ፕራፈን ጃይዋል ዝስማ ተመራማሪት ራድዮሎጂ ብወገና፡ "ካብ ኮቫክሲን ን ከቪሽልድ ከም ዝመርጾ ንጹር እዩ ፣ እዚ ከኣ ንዓይ ውሕስነት እዩ ዝስምዓኒ" ኢላ ።

"ኣብ ክታበት ዘይኣምኑ ሰባት ብዋትሳፕን ፌስቡክን ኣብ ጌጋ ዝወድቁ ኣለዉ ። ጭብጥታት ኣየንብቡን ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣይጥምቱን እዮም ፡ እዚ ድማ ኩሉ ዓይነት ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ ዝፈጥር "ይብል ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ሰባት እንተወሓደ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ሰባት ክርሕቁ ኣለዎም ። ደረት ንዘይምእኽኻብ ናይ ስልጣንካ ቀይድታት ኣረጋግጽ ።

ናይ ጉንፋዕ ወይ ጉንፋዕ ምልክታት እንተኣጋጢሙኪ/ካ ኣብ ገዛኺ/ኻ ጽንሒ/ሕ ወይከኣ ናብ ሓኪምኪ/ካ ብምድዋል መርመራ ግበሪ /ር ወይከኣ ናብ ናይ ኮሮናቫይረስ ሓለዋ ጥዕና ሓበሬታ Hotline ብ1800 020 080 ተወከሲ ። ዜናን ሓበሬታን ብ 63 ቛንቛታት sbs.com.au/coronavirus ይርከብ ።

ብኽብረትኩም ነቲ ናትኹም ምምሕዳር ግዝኣት ወይኻኣ ተሪቶርይ ፤ NSW, ቪክቶሪያ ፣ ኲንስላንድ ፣ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ፣ ደቡብ ኣውስትራሊያ ፣ ሰሜናዊ ተሪቶርይ ፣ ACT, ታዝማኒያ ዝምልከቱ መምርሒታት ተወከሱ ።


Share
Published 17 January 2021 9:20am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends