ኣብ ካርልተን ካብ ዝርከብ ፓርክ ሆቴል ወጺኦም ብዙሓት ተቓወምቲ እቶም ኣብቲ ውሽጢ ሆቴል ዘለዉ ስደተኛታት ገለ ካብዚኣቶም ድማ ኮቪድ-19 ሒዝዎም ኣሎ ክፍትሑ ንምሕታት ተኣኪቦም ።
ረፉዩጂ ኣክሽን ኯኣልሽን ከምዝገለጾ፡ ሓደ ስደተኛታ ተወሳኺ ኣወንታዊ ምርመራ ብምግባር ድምር ናይቶም ብኮቪድ ተለኺፎም ዘለዉ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ 16 ደይቡ ።
SBS News ነቲ ሓድሽ ጉዳይ ንምርግጋጽ ንናይ ኣውስትራሊያ ናይ ዶብ ሓይሊ ኣዘራሪቡ ኣሎ ።
ብዓርቢ ፡ ካብቶም ኣብ ፓርክ ሆቴል ዝርከቡ 46 ስደተኛታት፡ እቶም 15 ማለት ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ሓተቲ ዑቕባ ፡ ብኮሮናቫይረስ ከምተለኽፉ ኣ.ቢ.ኤፍ. ኣረጋጊጹ እዩ ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ፓርኪ ሆቴል ዝነበሩ ሓተትቲ ዑቕባ ንተቓወምቲ ብቴሌፎን ኣዘራሪብዎም ፡ ብመጌፎንን ነቶም ተኣኮቦም ዝነበሩ ድማ ተቓሊሑ ንሱ ብሰንበት ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝለዓል ንደሓር ፡ መጠን ጸቕጢ ናይቶም ስደተኛታት ከም ዝወሰኸ ገሊጹ ።
"ካብዚ ኣውጽኣና ፡ ዝገበርናዮ ጌጋ ኣይነበረናን ። ንሕክምና ኢና ናብዚ መጺእና ፡ ናይ ድሕንነት ቦታ ክንረክብ ሓቲትናዮም ፡ ብዘይ ምኽንያት ድማ ይቐጽዑና ኣለዉ "ድማ በለ ።
"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ንዓና ዘስግእ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ እዮ ፈጢሩልና ዘሎ።"
እቶም ተቓወምቲ ኣብ ፓርክ ሆቴል ተዓጽዮም ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ንኽፍትሑ ሓቲቶም።

Refugee advocates wave to people inside the Park Hotel in Carlton on Saturday. Source: AAP
ወሃቢ ቃል Refugee Action Collective ክሪስ ብረን እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሆስፒታል ወይውን ናብ ስሩዕ ናይ ሆቴል ውሸባ ክሰጋገሩ ኣለዎም ኢሉ ።
"እዚ ኣብ ኵነታት ህይወት ስደተኛታት ዘይምግዳስ እዩ ። እቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ውሕስነት ከምዘይብሎም እዩ ዘተሓሳስበና ። እዚ ቦታ እዚ ፡ ተዓሺጉ ዘሎ ቦታ እዩ ፡ ነቲ መሳኹቲ ክኸፍትዎ ድማ ኣይክእሉን እዮም "ኢሉ ።
ኣብ ትካል ግብረ-ሰናይ ስደተኛታት ዝሰርሕ ኢያን ሪንቶል ኣብቲ ሆቴል ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ዝህቡ ጉዳያት ኣለው ኢሉ ።
"እኹል ናይ ሕክምና ክትትል የለን። ሓንቲ ነርስ ኣብ ናይ ዶብ ሓይሊ ተቖጺራ ትሰርሕ ኣላ ፡ እንተኾነ ክልተ ነርሳት ካብ 8 ሰዓት ክሳብ 4 ድ.ቀ ዝሰርሑ ን 45 ሰባት ከምኡ 'ውን 16 ናይ ኮቪድ-እወንታዊ ጉዳያት ካብ ዋዛ ሓሊፉ ካልእ ክበሃል ኣይከኣልን'ዩ ። "
ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ሆስፒታል ብኮቪድ-19 ይሕከም ኣሎ ።
ኤ.ቢ.ኤፍ. ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝጸንሑ ሰባት ናይ ጥዕና ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ሓቢሩ ፡ እዚ 'ውን ኣብ ማእከሎም ናይ ኮቪድ-19 መርመራታትን ውሸባን ክግበር እዩ ።
"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም፡ ከም ረስኒ ፡ ሰዓል ፡ ድኻም ፡ ምሕርሓር ጎሮሮ ፡ ቃንዛ ርእስን / ሕጽረት እስትንፋስን ዘጠቓልሉ ምልክታት የርእዩ ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትትል ይግበረሎም ፡ ምርመራ ይግበረሎም ፡ ውሸባን ብኸፊል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ።"
ኣይ.ቢ.ኤፍ. ከምዝሓበሮ ክታበት ካብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ነቲ ክታበት ፍቓደኛ ዝኾኑ ሰባት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ ።
ካብቶም ኣብ ኢሚግሬሽን መዳጐኒ ማእከል ተኣሲሮም ዝርከቡ ፡ እቶም ሓምሳን ሓሙሽተን ሚእታዊት ምሉእ ብምሉእ ክታበቶም ተኸቲቦም እዮም ፡ 62 ሚኢታዊት ድማ ሓደ ናይ ክታበት ዶዝ ረኺቦም ኣለዉ ።