ኣብ መልበርን ንመምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ጥሒሶም ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ጸኒዑ ዘሎ ምዕጻው ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ጌሮም።

ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ገዛ ምዕጻው ዝብል ሕጊ ክለዓልን ናይ ቪክቶሪያ ፕርሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ዝቃወም ጭርሖታት ኣስሚዕም።

Police officers detain a man as protesters gather outside Parliament House in Melbourne.

Police officers detain a man as protesters gather outside Parliament House in Melbourne. Source: AAP

ኣስታት 100 ዝኾኑ ሰባት ነቲ መምርሒ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ዝብል መምርሒ ብምጥሓስ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ ቪክቶርያ ተኣኪቦም ምዕጻው ናይ ኮሮና ቫይረስ ክለዓል ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ጌሮም።

ሰልፈኛታት ንናይ ቪክቶርያ ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ዝቃወምን እገዳታት ክለዓል ዝጽውዕ ጭርሖታት ኣልዒሎም እዮም ተቓዉሞኦም ኣስሚዖም።

ገለ ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ጭርሖታት "ንነጻነትካን መሰልካን ተቓለስ" ዝብል ይርከቦ።
Anti-vaxxers and Victorians fed up with the coronavirus lockdown have broken social distancing rules to protest in Melbourne's CBD.
Anti-vaxxers and Victorians fed up with the coronavirus lockdown have broken social distancing rules to protest in Melbourne's CBD. Source: AAP
ኣብቲ እዋን ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ብዙሕ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ተዋፊሩ ኔሩ።

ናይ ቪክቶሪያ ሚኒስተር ፖሊስ ሊሳ ነቪል ኣቐዲማ ነቶም ሰልፊ ክገብሮ ዝመደቡ ናብ ደገ እንተወጺኦም ናይ $1652 መቕጻዕቲ ከምዝቕጽዑ ኣጠንቂቓ ኔራ። 

"ደጊመ ንኾሎም ዝብሎም፡ ናብቲ ሰልፊ ንምኻድ መደብኩም ዳግም ሕሰብሉ" ኣቐዲማ ኣብዚ ሰሙን ተዛሪባ ኔራ።

ኣብ ቪክቶሪያ ንምዕጻው ናይ ኮርና ቫይረስ ብዝምልከት ንኻል ኣይ ግዜ እዩ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምብራቓዊ ቪክቶሪያ ከተማ ትራፋልጋር ብዙሕ ህዝቢ ወጺኡ ነዚ እገዳ ብምቅዋም ሰልፊ ጌሩ ኔሩ እዩ።

ብምኽንያት ምዕጻው ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣመሪካን ጀርመን ብዙሕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ክግበር እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም።  ኣብ ምትእኽኻባት ዝፍቀድ ብዝሒ ሰባት ንምፍላጥ መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ።

መርመራ ንኮሮናቫይረስ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ ተቐሪቡ’ሎ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።

ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮሮናቫይረስ መከታተሊ ኣፕ፡ ኮቪድሰይፍ፡ካብ ናይ ሞባይልኩም መኽዘን ኣፕ (ኣፕስቶር) ንኽትጽዕንዎ ተቐሪብልኩም ኣሎ።

ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።  ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም 

Share
Published 10 May 2020 6:09pm
By Jarni Blakkarly

Share this with family and friends