Breaking

'በጃኹም ናብዚ ከይትመጹ': ቪክቶሪያ ነቶም ካብ ሲድኒ ንዝመጹ ዶባ ዓጽያ።

ኣብ ሲድኒ ዝርከቡ ቪክቶሪያዊያን ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ሰኑይ እንተዘይተመሊሶም፡ ብግዲ ኣብ ናይ ሆቴል ኳራንቲን ክኣትዉ እዮም።

Victorian Premier Daniel Andrews.

Source: AAP

ተቐማጦ ግሬተር ሲድኒን፡ ማእከላይ  ኮስትን ብሉ ማውንተይንን ካብ ድርቂ ለይቲ ናይ ሰኑይ ኣትሒዞም ናብ ቪክቶርያ ክ ኣትዉ ከምዘይፍቀደሎም ፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ብምግላጽ ነቲ ብምሉኡ ዞባ ቀይሕ ዞባ (red zone) ምዃኑ ኣዊጁ።

ካብዝቲ ዝተባህለ ግዜ ንደሓር ናብ ቪክቶሪያ ዝመጹ ን 14 መዓልታት ኣብ ሆቴል ክውሸቡ እዮም።

ተመለስቲ ቪክቶሪያዊያን ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ናይ 24 ሰዓታት ዕድል ዝተዋህቦም ኮይኑ ምስተመልሱ ግና ኣብ ገዛኦም ን 14 መዓልታት ነፍሰ ዉሸባ ክገብሩ ኣለዎም።

እቶም ካብ ፍርቂ ለይቲ ሰኑይ ዝመጹ ኣብ ሆቴል ክውሸቡ ምድላዋት ተጌሩ ኣሎ።

ከም ኣበሃህላ ሚስተር ኣንድሪውስ እቲ ሓድሽ ስጉምቲ  "ኣጸጋሚ ምኽንያት ግና ኣድላዪ ስጉምቲ" ክብል ገሊጽዎ።

ሚስተር ኣንድሪውስ ብተወሳኺ ቅነ ክሪስማስ "ሓደገኛ ግዜ" ዝኾነሉ ህዝቢ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሰሉ ብምዃኑ እቲ ናቱ ቀዳምነት ድማ ድሕነት ቪክቶሪያዊያን ምዃኑ ገሊጹ።
ካብቲ ኖርዝ ቢች ዝበሃል ከባቢ ወጻኢ ዘሎ ክፋል ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ ከም ሓምላይ ዞባ እንተተራእየኳ ኮቪድ-19 ናብ ኩሉ ክላባዕ ስለዝኽእል ነገራት ክቕየሩ ከምዝኽእሉ ሚስተር ኣንድሪውስ ኣጠንቂቑ።

ኩሎም ነበርቲ ኒው ሳውዝ ወልስ ናብ ቪክቶሪያ ክ ኣትዉ ፍቓድ ዘድልዮም ኮይኑ እቲ ፍቓድ ን 24 ሰዓት ዘገልግልዩ እንተሓሪሩ ዳግም ፍቓድ ከምብሓድሽ ክሕተት ኣለዎ።

ቪክቶሪያ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ካብ ዝመሓላለፍ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ነጻ ካብ ትኸውን 51 መዓልታት ኣቑጺራ ኣላ።

ኣብዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ተወሰኽቲ 30 ሰባት ብኮቪድ ምልካፎም ስለተረጋገጸ እቲ ኣብ  Northern Beaches ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዝሒ ናብ 70 በጺሑ ኣሎ።

ኣብዝሓለፉ 24 ሰዓታት 28,000  ሰባት ካብቲ ከባቢ ተመርሚሮም ኣለዉ።

 

People in Australia must stay at least 1.5 metres away from others. Check your jurisdiction's restrictions on gathering limits.

If you are experiencing cold or flu symptoms, stay home and arrange a test by calling your doctor or contact the Coronavirus Health Information Hotline on 1800 020 080.

News and information is available in 63 languages at Please check the relevant guidelines for your state or territory: 


Share
Published 20 December 2020 1:25pm
By Caroline Riches


Share this with family and friends