ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ ኣዘርባጃን ፡ ኬንያን ሪፓብሊክ ቸክን ዝርከቡ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ መራሕቲ መንግስትታት ዝርከብዎም ፡ ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ኃብቲ ካብ ምኽፋል ግብሪ ኣህዲሞምከም ዝሓብኡ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ከም ዘ ዋሽንግተን ፖስት: ቢቢሲን ዘ ጋርድያንን ዝኣመሰሉ 600 ጋዜጠኛታት ዝሓቘፈ 'ፓንዶራ ፐፐርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መርመራ: ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ 14 ናይ ገንዘብ ኣገልግሎት ዝህባ ኩባንያታት ዝሓቘፈ ኣስታት 11.9 ሚልዮን ሰነዳት እተመርኰሰ እዩ።
ኣስታት 35 ናይ ሕጂን ናይ ቀደምን መራሕቲ ኣብቲ ብዓለምለኸ ናይ መርመርቲ ጋዜጠኛታት (ICIJ) ዝቐረበ ሰነዳት ፡ ካብ ብልሽውና ክሳብ ገንዘብ ናይ ምጥፍፋእን ዓለማዊ ቀረጽ ናይ ዘይምኽፋልን ክሲ ቀሪቡሎም ኣሎ ።
ብጠቕላላ ፡ ኣይ.ሲ.ኣይ.ጂ. ፡ ኣብ መንጎ 1,000 ዝዀና ኩባንያታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ፡ ከምኡ እውን 336 ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣን ህዝብን ፡ እንተላይ ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ መራሕቲ መንግስትን ፡ መራሕቲ ሃገር ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ፡ ኣምባሳደራትን ካልኦትን ዝርከብዎም ምዃኑ ኣቃሊዑ ኣሎ።
ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ግሊ- ሃብቲ ክህልወካ ወይ ናይ ሸል ኩባንያታት ተጠቒምካ ኣብ ሃገራዊ ዶባት ንግዲ ከተካይድ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን ።
ይኹን እምበር ፡ እቶም ካብ ግብሪ ከይከፍሉ ሃብቶም ዘህድሙን ካብ ብልሽውና ከይቃልዑ ፡ ዝፍትኑ መራሕቲ ፡ እዚ ዘቃልዕ እዩ ።
ገለ ካብቲ ቀንዲ ተቓሊዑ ዘሎ ምስጢራት እንሆ ፦
ናይ ንጉስ ዮርዳኖስ ናይ ገዛውቲ ሃብቲ
እቲ ፋይላት ከም ዝሕብሮ ፡ ንጉስ ዓብደላ ካልኣይ ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣንጻር ምልኪ ተቓውሞታት ገጢምዎ እዩ ። ካብ 2003 ክሳብ 2017 ፡ ካብ ማሊቡ ፡ ካሊፎርንያ ክሳብ ዋሽንግተንን ለንደንን ኣብ ዝርከባ 15 ኣባይቲ ፡ ናይ ወጻኢ ኩባንያታትን ናይ ቀረጽ ምሕባኣትን $100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ክረክብ ክኢሉ እዩ ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ኤምባሲ ጆርዳን ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይነበረን: እንተዀነ ግን ቢቢሲ ነቲ ንጉስ ጠበቓታት ብምጥቃስ እቲ ንብረት ብምሉኡ ብ ናይብሕቲ ሃብቱ'ዩ ተዓዲጉ እዩ ብምባል መሊሱ ኣሎ። ልዑል ስልጣን ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከይፍድሑን ንጸጥታዊ ምኽንያታት ክብሉ ብመገዲ ናይ ብሕቲ ትካላትን ኣቢሎም ንብረት ክዕድጉ ልሙድ ተርእዮ እዩ ።

King Abdullah II has faced angry protests against austerity measures in recent years. Source: Reuters
ወዲ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ወናኒ ገዛውቲ
ስድራቤትን መሻርኽትን ናይ ኣዘርባጃኒ ፕረዚደንት ኢልሃም ኣሊየቭ - ብተጣበቕቲ መሰላት ብብልሽውና ካብ ዝኽሰስ ነዊሕ ዝገበረ ኰይኑ ፡ ኣብ ብሪጣንያ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ኣብ ዝውድእ ንብረት ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገር ፣ እዚ ድማ ኣብ ከባቢ $45 ሚልዮን ዶላር) ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኰይኑ ብስም እቲ ናይቲ ፕረዚደንት ወዲ 11 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዱ ሄይደር እዩ ተዓዲጉ።
እቲ ኣብ ማእከላይ ለንደን ዝርከብ ንብረት ፡ ኣብ 2009 ብሓደ ፈታዊ ስድራ ቤት እቲ ፕረዚደንት ናይ ማእከላይ እስያ ዝነበረ ኩባንያ እተዓደገ ኰይኑ ፡ ብድሕርዚ ናብ ወዱ ናይቲ ፕረሲደንት ምቕያሩ ቢቢሲ ሓቢሩ ።
ናይ ቸክ ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ፈረንሳ ሃብቱን
ብመሰረት እቲ ሰነዳት ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቸክ ኣንድሬጅ ባቢስ ነቲ ኣብ ደቡብ ፈረንሳ ዝርከብ ብ30 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝዓደጎ ቻታዩ ጉ ኣብ እዋን ምርጫ ኣይፍለጠን።
እቲ ተቐሊዑ ዘሎ ምስጢር፡ ነቲ ድሕሪ እዚ ሰሙን ዝግበር ምርጫ ክሃስዮ እዩ ፣ "ነቲ ዘሎኒ ዝና ንምብልሻውን ነቲ ናይ ቸክ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምጽላውን ጻዕሪ ምግባር" ዝዓለመ ውዲት ከም ዝዀነ ፡ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቸክ ሲቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ኣሎ።

Czech Republic's Prime Minister Andrej Babis is facing an upcoming election. Source: AP
ናይ ኬንያ ፕረሲደንት መርበባት ወጻኢ
እቲ መርመራ ፡ እቲ ኣንጻር ብልሽውናን ገንዘባዊ ግሉጽነትን ከምዝቃለስ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ-ቤት ብምትሕብባር 11 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብሕቡእ መርበብ ክውንኑ ከም ዝኸኣሉ ይኽሰሱ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ናይ $30 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዎ እዩ ዝገልጽ ።

Kenya's President Uhuru Kenyatta is accused in the Pandora Papers along with six family members of secretly owning a network of 11 offshore companies. Source: Reuters
ዉሽጣዊ መርበብ መራሒ ፓኪስታን
ኣባላት ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዒምራን ክሃን ፡ እንተላይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ስድራ ቤቶምን ፡ ብሕቡእ ናይ ገዛእ ርእሶም ኩባንያታት ከም ዚውንኑን ሚልዮናት ዶላራት ከም ዝሓዙን ተፈሊጡ እዩ ።
ሚስተር ክሃን ባዕሉ ነቲ ኣብ ትዊተር ዝወጸ ሓበሬታ ከም እተቐበሎ ብምግላጽ ፡ "ነቲ ካብ ግብር ብምህዳምን 'ብልሽውናን" ዝእከብ ዝነበረ ፡ ንዝኰነ ይኹን ገበን ከም ዝምርምር ቃል ኣትዩ ።
መርበባት ምስ ሩስያ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብቲ ሊሒኲ ዘሎ ፋይላት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይተሰምየ ፡ ኣብ ሞናኮ ምስ ዝርከብ ምስጢራዊ ኃብቲ ፡ ማለት ካብ ፑቲን ቈልዓ ከም ዝወለደት ዝእመነላ ሩስያዊት ኣብ ጥቓ ወሓዚ ዝርከብ ኣባይቲ ከምትውንን ዘ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ ።
እቲ ሰነዳት ብፍሉይ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ፕረዚደንት ኒኮስ ኣናስታሲ ዘውጸኦ ሕጊ ፡ ወናኒ ሓያሎ ካብተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ከም ዝዀነ እዩ ዝሕብር ፣ እዚ ከኣ ፡ ሓደ ኣቐዲሙ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ነበር ብምጥፍፋእ ከም እተኸሰሰ እዩ ። እቲ ትካል ነቲ ዝቐረበ ክስታት ከም ዝነጸጎ ቢቢሲ ሓቢሩ ።
ናይ ዩክሬን ፕረሲደን ምስግጋር ሃብቲ
ብመሰረት እቲ ርኽበታት ፡ ኣብ 2019 ፕረዚደንት ዩክረይን ኰይኑ ቅድሚ ምምራጹ ፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኩባኒያኡ ናብ ሓንቲ ካብ ዩክረይን ወጻኢ ዝዀነት ኩባንያ ብሕቡእ ኣሰጋጊርዎ ።
ህንጻታት ቶኒ ብሌየር
ኣቐዲሙ ኣንጻር ምጥፍፋእ ግብሪ ዝነጥፍ ዝነበረ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ብሌርን በዓልቲ ቤቱን ፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኩባንያ ቨርጂን ብምዕዳግ ፡ ብ2017 ኣብ ለንደን ዝርከብ ህንጻ ብ$8.8 ሚልዮን ዶላር ከም ዝዓደጉ ተፈሊጡ ነይሩ ።
ብመሰረት ሕጊ ብሪጣንያ ፡ ከምኡ ብምግባሮም ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር ዶላር ግብሪ ኣይከፍሉን እዮም ነይሮም ።
ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ንሃብቶም ይሓብእዎ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ሓበሬታ ኣይነበረን ፣ ሸሪ ብሌር ከኣ ፡ ነቲ ንብረት ብመሰረት ሕጊ ብሪጣንያ ከም ዝረኸብዎ ሓቢራ ።

Former British Prime Minister Tony Blair has been an outspoken critic of tax loopholes. Source: POOL
ሻኪራ ፡ ሽፈርን ተንዱልካርን
ኣብ ጐድኒ እቶም ፖለቲከኛታት ፡ እቶም ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረት ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ፡ ንኮሎምብያዊት ደራፊት ሻኪራ ፡ ጀርመናዊ ሱፐር ሞደል ክላውድያ ሽፍርን ህንዳዊ ኮኾብ ክርኬት ሳቺን ተንዱልካርን ይጥቀሱ ።
ጠበቓታት ናይ ሰለስቲኦም ን ICIJ እቲ ኢንቨስትመንት ሕጋዊ ከምዝኾነን ብዛዕባ ቀረጽ ዘይምኽፋል ዝምልከት ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይወሃበን ይገልፁ ።
እቲ 'ፓንዶራ ፐፐርስ' ፡ መቐጸልታ ኣብቲ ብ2014 ካእተረኽበ ገንዘባዊ ሰነዳት ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ 2016 ፓናማ ዝነበረ ፋይላት ፡ ካብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይስላንድ ከም ዝወርድን ንመራሒ ፓኪስታን ካብ ስልጣን ንምእላይ መገዲ ከም ዝጸርግን ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን መርመራ እተገብረሉ ሰነዳት ፡ ካብተን ኣብ ብሪጣንያ ዝርከባ ደሴታት ቨርጂን ፡ ፓናማ ፡ በሊዝ ፡ ቆጵሮስ ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ፡ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድን ዝርከባ ቊጠባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ኩባንያታት እዩ ።