ጽንብላት ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ'ዚ እዋን ዝተፈልዩ ክኾኑ'ዮም፡ ኣብ ሲድኒን ኣውስትራልያን ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ንጥፈታት እንታይ'ዮም፧

ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ከባቢታት ኖርዘርን ቢችስ ናይ ሲድኒ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እኩብ ለበዳ/ክላስተር ኮቪድ-19 ኣብ እትምክተሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ጽንብላት ድሮ ሓድሽ ዓመት ተነቢሮም ዘለው ቀይድታት ሓፈሻዊ ስእሊ ኣብ'ዚ ቀሪቡ'ሎ።

The midnight fireworks seen from Mrs Macquarie's Chair during New Year's Eve celebrations in Sydney, 31 December, 2019.

The midnight fireworks seen from Mrs Macquarie's Chair during New Year's Eve celebrations in Sydney, 31 December, 2019. Source: AAP

ቀይድታት ኮሮናቫይረስ በቶም ዝተለምዱ ጽንብላት ድሮ ሓድሽ ዓመት ንዓመተ 2021 ብሓጎስ ክቕበልዋ ዝደልዩ ኣውስትራልያውያን ተስፍኦም ከምዝጎድል ጌሮሞ'ለው።

ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ትሕቲ መምርሒታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉን ኣይትኽእሉን ካብ'ዚ ቀጺሉ ተዘርዚሩ'ሎ።

ኖርዘርን ቢችስ (Northern Beaches)

ኣብ'ቶም ከባቢታት ኖርዘርን ቢችስ ከተማ ሲድኒ ዝተረሩ ቀይድታት ኮሮናቫይረስ ይትግበሩ ኣለው።

እቶም ኣብ ሰሜናዊ ቀጠና ኖርዘርን ቢችስ ዝነብሩ ብውሑዱ ክሳብ 9 ጥሪ ኣብ ትሕቲ ተሪር ቀይዲ መምርሒ-ገዛ-ምጽናሕ ክጸንሑ'ዮም፡ እንተኾነ ግን ነበርቲ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ክሳብ ሓሙሽተ ሰባት፡ ንህጻናት ወሲኽካ ማለት'ዩ፡ ካብ ሓደ ዓይነት ዞና/ቀጠና ዝኾኑ፡ ኣብ ቤቶም ክዕድሙ ክኽእሉ ሕድገት ተገይርሎም ኣሎ።
እቶም ኣብ ደቡባዊ ቀጠና ኖርዘርን ቢችስ ዘለው ክሳብ ሓሙሽተ ሰባት፡ ንህጻናት ወሲኽካ፡ ኣብ ቤቶም ከአንግዱ ክፍቀደሎም እዩ፡ እዚኦም'ውን ካብ ሓደ ዓይነት ቀጠና ክኾኑ ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን ካብ ዝዓበየ ክፋል ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) ኣጋይሽ ክመጹዎም ኣይፍቀደሎምን'ዩ። 

ቤት መስተታት፡ ቤት መግብታትን ኣዳራሻትን ኣብ ክልቲኦም ዞናት/ቀጠናታት ኖርዘርን ቢችስ ንሒዝካዮም ትኸይድ ኣገልግሎታት ጥራይ ክፉታት ኮይኖም ክጸንሑ እዮም።

 

ከተማ ሲድኒ (Greater Sydney)

ፕሪምየር ኒው ሳውዝ ዌልስ ግላዲስ በረጂክሊያን ዝተረሩ ቀይድታት ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ኩሉ ከተማ ሲድኒ ክትግበሩ ሮቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዊጃ። 

ካብ ፍርቂ ለይቲ ሎሚ ምሸት፡ ምትእኽኻባት ኣብ ገዛ ኣብ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ) እንተበዝሑ ናብ ሓሙሽተ ኣጋይሽ ጥራይ ክድረቱ እዮም።

"ኩሎም ስድራቤታት ኣብ ከተማ ሲድኒ (ግሬተር ሲድኒ)፡ ንዎሎንጎንግ፡ ዘ ሰንትራል ኮስትን ዘ ናፒያን ኤንድ ብሉ ማውንተይንስን፡ ከምኡ'ውን ደቡባዊ ዞን ኖርዘርን ቢችስ ወሲኽካ፡ ናብ ሓሙሽተ ሰባት ንነብሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ክእከቡ ደረት ክግበረሎም'ዩ፡" ክትብል ወይዘሪት በረጂክሊያን ገሊጻ።

ናይ ደገ ምትእኽኻባት ዝለዓለ ገደብ 30 ሰባት ክህልዎም'ዩ፡ ካብ'ቲ 50 ዝነበረ ጎዲሉ ማለት'ዩ።

እዞም ለውጥታት ክሳብ "ካልእ መምርሒታት ዝወሃቡ" ክትግበሩ'ዮም።
ተወሰኽቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ንቦታታት መልከፍትን ኣብ'ዚ እዋን ዘለው ቀይድታትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ምኽርታት ኣብ  ብጽሑ።

ቪክቶርያ (Victoria)

እቲ ኣብ'ዚ ዓመት ዝነውሐ መዕጸውቲ (ሎክዳውን) ድሕሪ ምሕላፎም፡ ቪክቶርያውያን ዝለዓለ ምዝናይ ዘለዎ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከሕልፉ'ዮም። እዚ ዝኸውን ዘሎ እታ ግዝኣት ብዘይዝኾነ (ወይ 0) ኣብ ማሕበረሰብ ዝመሓላለፍ መልከፍቲታት ን60 ተኸታተልቲ መዓልታት ድሕሪ ምሕላፋ'ዩ።

ክሳብ 30 ሰባት ዘለውዎም ቤተሰባዊ/ስድራቤታዊ ምትእኽኻባት ይፍቀዱ'ዮም፡ ክሳብ 100 ሰባት ዘለውዎም ናይ ደገ ምትእኽኻባት'ውን ከምኡ።

ቤት መስተታት፡ ቤት መግብታትን ካልኦት ኣዳራሻትን፡ ከም በዓል ለይታዊ ትልሂት ዝካየደሎም ኣዳራሻት፡ ክፉታት'ዮም፡ ግን ምስ ውሱን ቁጽሪ ዓማዊል።

እቲ ኣብ ከተማ መልበርን ኣብ ልዕሊ ሩባ ያራ ዝካየድ ዓመታዊ ምርኢት ርቺታት ተሰሪዙ'ሎ፡ እታ ግዝኣት ከኣ ሰባት ካብ ማእከል ከተማ/ዞባ ማእከል ንግዲ (ሲቢዲ) ክርሕቁ መምርሒ ሂባ'ላ፡ ኣብ'ቶም ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከቡ ኣዳራሻት እቶም ኣቐዲሞም ቦታ ዝሓዙ ጥራይ ክፍቀደሎም እዩ ኢላ'ላ።
New Year's Eve fireworks over the Yarra river and Melbourne at midnight, Wednesday, Jan. 1, 2014. (AAP Image/David Crosling) NO ARCHIVING
آتش‌بازی شب سال نو بر فراز دریای یارا در ملبورن Source: AAP

ኲንስላንድ (Queensland)

ኣብ ኲንስላንድ፡ ነዊሕ ብዘይ ዝኾነ መልከፍታት ኮሮናቫይረስ ዝጸንሐ ካልእ ግዝኣት፡ ነቶም ሰብ ቤት ወሲኽካ፡ ስድራቤታት ክሳብ 50 ኣጋይሽ ክህልውወን ይኽእሉ።

ኣብ ደገ ዝካየዱ ምትእኽኻባት ክሳብ 100 ሰባት ክህልውዎም ይፍቀደሎም።

ሳውዝ ኣውስትራልያ (South Australia)

ኣብ ሳውዝ ኣውስትራልያ ምትእኽኻባት ስድራቤታት ክሳብ 50 ዘለዎም ይፍቀዱ፡ እዚ ኸኣ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ከይሃለው ይኸውን።

ክሳብ 200 ሰባት ኣብ ሓደ ናይ ብሕቲ ውራይ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ክእከቡ ይኽእሉ፡ እዚ'ውን እቶም ዝእከቡ ሰባት ብተመሳሳሊ መምርሒ ትርብዒት ሜትሮ ምስ ዝምእዘዙ ይኸውን።

ዌስተርን ኣውስትራልያ (Western Australia)

ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ክሳብ ዘይሃለው ዌስተርን ኣውስትራልያ ኣብ'ቶም ክእከቡ ዝፍቀደሎም ሰባት ዝለዓለ ቁጽሪ ዝበሃል የብላን።

ታዝመንያ (Tasmania)

ታዝመንያ ተመሳሳሊ መምርሒ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ኣለዋ፡ ግን ነቶም ኣብ ኣዳራሻት ውሽጢ ኮይኖም ዘይተኸፋፈለ ቦታ ዘለዎም ናይ 250 ሰባት ዝለዓለ ገደብ ይህልዎም።

ኣብ ደገ ኣብ ዝህልው ኣዳራሻት ወይ ቦታታት 1000 ሰባት ክተኣኻኸቡ ይፍቀደሎም።

 

ኖርዘርን ቴሪቴሪን ኤሲቲን (Northern Territory and ACT)  

ኣብ ኖርዘርን ቴሪቴሪ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ይኹን ኣብ ደገ ክንደይ ሰባት ይእከቡ ኣብ ዝብል ደረታት የለውን፡ ግን ሰባት ካብ'ቶም ምስኦም ዘይነብሩ ኩሉ ግዜ 1.5 ሜ ክርሕቁ ሕጂ'ውን ይምከሩ።

ኤሲቲ ሰባት ኣብ ገዝኦም ክህልውዎም ዝኽእሉ ቁጽሪ ኣጋይሽ ወይ በጻሕቲ ዝኾነ ደረት ወይ ቀይዲ የብሎምን። ናይ ደገ ምትእኽኻባት ኣብ ዋና ከተማ ካንቤራ ዝለዓለ ቁጽሪ ክሳብ 500 ሰባት ክህልውዎም ደረት ይግበረሎም፡ እዚ ኸኣ እቲ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ዝብክ መምርሒ ክትግበረሉ ኣብ ዝኽእል ኩነታት ይኸውን።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም። ደረታት ብዝሒ ኣብ ምትእኽኻባት መምርሒታት ግዝኣትኩም ተወከሱ። ምልክታት ጉንፋዕ ወይ ፍሉ/ኢንፍሉወንዛ ይስመዓኩም/ይረኣየኩም እንተሃልዩ ቆጸራ መርመራ ክትሕዙ ናብ ዶክተርኩም ደውሉ ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮናቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።

ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም  

ነቶም ኣገደስቲ መምርሒታት ንግዝኣትኩም ወይ ምምሕዳራዊ ዶብኩም ብኽብረትኩም ኣብ'ዚ ተመልከቱ፡   


Share
Published 30 December 2020 6:29pm
By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends