NSW ሎሚ 111 መልከፍቲን ሓደ ሞትን ኮቪድ ተመዝግብ፡ ነቲ ኣብ ሲድኒ ዘሎ ቀይዲ ተትርሮ።

ካብቶም ናይ ሎሚ ሓደሽቲ መልከፍቲ እቶም 29 ኣብ ማሕበረሰብ ክባዝሑ ዝጸንሑ'ዮም።

Greater Sydney will enter a stricter lockdown as the state records a COVID-19 death and 111 new local cases. (AAP Image/Dan Himbrechts) NO ARCHIVING

新州引入更嚴厲抗疫措施壓抑疫情。 Source: AAP

ኒው ሳውዝ ዌልስ 111 ሓደስቲ ብኮሮናቫይረስን ካልእ ሐ ሞትን ኣመዝጊባ ኣላ ፣ እዚ ከኣ ንከም ማእከላይ ገማግም ፡ ብሉ ማውንቴንስ ፡ ወሎንግን ሸልሃርበርን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ሲድኒ ፡ ቀይድታት ንምግባር ኣኽኢሉ ።

ካብቶም ሓደሽቲ ዝተረኸቡ ሰባት እቶም 29 ኣብቲ ማሕበረሰብ ክባዝሑ ዝጸንሑ እዮም ።

59 መልከፍቲ ምስቲ ፍሉጥ ኣድራሻ እተኣሳሰሩ ክዀኑ ከለዉ ፡ 47 ከኣ ምስ ቤተ ሰብ እተራኸቡ እዮም ። ትማሊ ልዕሊ 81,000 መርመራታት ተገይሩ ።

ክፍሊ ጥዕና ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ መወዳእታ 80ታት ዕድሚኡ ኣብ ደቡብ ምብራቓዊ ሲድኒ ከም ዝሞተ ኣረጋገጸ ።

ሰብዓን ሓሙሽተን ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ ፡ እቶም 18 ኣብ ጽዑቕ ክንክን ይርከቡ ።

ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ ፕሪሜር ፕረተር ግላዲስ በረጂክሊያን እቲ ዝጸንሐ ስጉምታት ንኣሽሓት መልከፊ ከልኪሉ እዩ ፡ ግን ነቲ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎታት ከህድኦ ኣይከኣለን ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ስጉምቲ ንኽውሰድ ደሪኹ ኢላ።

ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ "እዚ ደልታ ዝበሃል ዓሌት እዚ ፡ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ ፣ንሕናውን  ካብዚ እተፈለና ኣይኰንናን" በለት ።

"ይኹን እምበር ፡ ብዝሒ ህዝቢና ክታበት ክሳዕ እንረክብ ፡ ነዚ ነጥፍኦን ጽቡቕ ህይወት ክንነብርን ኢና" ።

ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ነበርቲ ናይ ፈይርፊልድ: ካንተርበሪ ባንክውን ከምኡድማ ተቐማጦ ናይ ሊቨርፑል ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ወይ ኣባላት ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎት እንተዘይኮይኖም ካብ ናይ ሀዛኦም ክወጹ ኣይፍቐደሎምን እዩ ።

ካብዘን ሰለስተ ሕጋውያን ሰራሕተኛታት ንስራሕ ካብቲ ቦታ ክወጹ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ክገብሩ ኣለዎም ።

ኣብ ፌርፊልድ ዝርከቡ ኣብ ዘይተርፍ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መስርዕ ዝጽበዩ ፡ ኮቪድ-19 ኣብ ጥቓ ቦታ ስራሖም  ኽምርመሩ ይፍቀደሎም እዩ ።

 

ሚስ በረጂክሊያን ፡ "ኣብቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ሲድኒ መልከፍቲ ክሰግር የብሉን።"

 

ጠዊቕካን ምውሳድን ፡ ናይ ገዛን ኣቕርቦት  ገና ክሰርሓሉ ዝኽእል እንተኾነ ኣብ መላእ ግሬት ሲድኒ ፡ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ናይ ሸቐጣት ምዕጻው ከድሊ እዩ -   ።

 

ሱፐርማርኬት ፣ መዐደሊ ነዳዲ ፣ ፋርማሲታት ፣ ባንክታት ፣ ናይ ገዛ ድኳናት ፣ ናይ ፖስት ቢሮታት ፣ መሸጢ ጋዜጣታትን ናይ ቤት ፅሕፈት ቀረብ ድኳናትን  ክፉታት ኮይኖም ክጸንሑ እዮም ።

 

ንሰራሕተኛታት ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ንኽምለሱ ዘገድዱ ኣስራሕቲ ፡ 10,000 ዶላር መቕጻእቲ ክኸፍሉ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ ኣሎ።

 

ኣብ ውሽጢ ዝተዓጽወ ቦታታት ሰባት ኩሉ ግዜ ማስኬራ ሒዞም ናብ ግዳም ክኸዱ ኣለዎም ። ማስክ ኣብ ግዳም ንዝሰርሑ፡ ኣብ  ዕዳጋታት ከምኡ "ውን ኣብ ደገ ኣብ እትወጸሉ እዋን ክኽደን ኣለዎ ።

 

ኣብ መንጎ እቶም ካብ ቤት ወጻኢዝግበር ናይ መኪና ደው ምባል እውን ተኣጊዱ እዩ ።

 

ብዘይካዚ ፡ ካብ 19 ሓምለ ኣትሒዙ ፡ ዕዮ ህንጸትን ህጹጽ ዘይኮኑ ጽገናን ደው ክብል እዩ ።

 

ዓየይቲን ኣጽርይትን ናብ ገዛ ከይኣትዉ ክኽልከሉ እዮም ።

 

"እዚ ኣብ ትካልና ዘሕድሮ ጽልዋ ኣቃሊልና ኣይንርእዮን ኢና ፡ እቲ ኣዝዩ ዘገድሰና ግን ፡ ስራሓት ድግም ክምለሱ ዕድል ክንህብ እዩ" ኢላ።

 

ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኬሪ ቻንት ኣብ ስራሕ ቦታታት ገለ ናይ ዘርኢ ቫይረስ ከምዝተራእየ ገሊጻ ።

 

ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እቲ ክንገብሮ እንጽዕር ዘለና ነገር ፡ ሰባት ምስ ካልኦት ንኺራኸቡ ዘለዎም ኣጋጣሚ ክንኪ እዩ ፣ ምኽንያቱ ፡ ስራሕ እንተ ተመሓላሊፉልካ ፡ ከም መራብሒ ነገር እዩ ዝኸውን" በለት ።
እታ ፕሪሜር  እዚ ሓድሽ ቀይድታት ኣብ ምግታእ "ዓቢ ጽልዋ" ክህልዎ ትጽቢት ይግበር ትብል  ።

 

"እዚ ተወሳኺ ቀይድታት እዚ እንተ ወሓደ ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሸውዓተ መዓልቲ ዝጸንሕ ምዃኑ ኣይንርእን ንኸውን: ጽልዋ ከም ዝህልዎ ግን ንፈልጥ ኢና: እዚ ከኣ እዩ ዘድልየና ።"

 

ሓደስቲ ናይ ምቅላዕ ቦታታት ዓርቢ ምሸት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ዉልዎርዝስ፡ ለኖክስ ሾፒንግ ማእከል፡ ኣብ ኢሙ ፡ ኣገልግሎት ኒው ሳውዝ ወልስ ኣብ ሊቨርፑል ፡ ኮለስ ኣብ ሁርስትቪልን ኣብ ላከምባ ዝርከብ እንዳ ስጋን ተፈሊጦም ኣለዉ።

 

ኣብ ማርስደን ፓርክ ዝርከብ IKEA ፡ ከም ናይ ኮቪድ እተቓልዐ ቦታ ተወሲኑ ኣሉ ።

 

"ኣብ ንኡስ ዞባኹም ወይ ኣብ ከባቢኹም ምምሕዳርኩም መልከፍቲ ስለ ዘይተራእየ ጥራይ ፡ ከም ዘየለ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ" ክትብል ፕሪሜር ኣተሓሳሲባ ።

 

ዓርቢ ምሸት ካብ ቪክቶሪያ ናብ ግዝኣት ዝገሽ ዝኾነ ሰብ ኣብ መንበሪ ገዛ ንኽጸንሑ ዝብል ሕጊታት ክከታተል ከምዘለዎ ናይ NSW መንግስቲ ገሊጹ ።

Additional reporting: AAP

ሰብዓን ሓሙሽተን ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ ፡ እቶም 18 ኣብ ጽዑቕ ክንክን ይርከቡ ።ናይ ኒው ሳውዝ ወልስ ፕሪሜር ፕረተር ግላዲስ በረጂክሊያን እቲ ዝጸንሐ ስጉምታት ንኣሽሓት መልከፊ ከልኪሉ እዩ ፡ ግን ነቲ ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎታት ከህድኦ ኣይከኣለን ፡ እዚ ድማ ተወሳኺ ስጉምቲ ንኽውሰድ ደሪኹ ኢላ።
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ "እዚ ደልታ ዝበሃል ዓሌት እዚ ፡ ኣብዛ ፕላኔት እዚኣ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ ፣ንሕናውን  ካብዚ እተፈለና ኣይኰንናን" በለት ።
"ይኹን እምበር ፡ ብዝሒ ህዝቢና ክታበት ክሳዕ እንረክብ ፡ ነዚ ነጥፍኦን ጽቡቕ ህይወት ክንነብርን ኢና" ።
ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ነበርቲ ናይ ፈይርፊልድ: ካንተርበሪ ባንክውን ከምኡድማ ተቐማጦ ናይ ሊቨርፑል ዞባዊ ምምሕዳር ከባቢታት ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ወይ ኣባላት ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎት እንተዘይኮይኖም ካብ ናይ ሀዛኦም ክወጹ ኣይፍቐደሎምን እዩ ።
ካብዘን ሰለስተ ሕጋውያን ሰራሕተኛታት ንስራሕ ካብቲ ቦታ ክወጹ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ክገብሩ ኣለዎም ።


Share
Published 17 July 2021 2:36pm
By Naveen Razik
Source: AAP


Share this with family and friends