Breaking

NSW ሎሚ 145 ሓደሽቲ ኣብ ዉሽጢ'ታ ግዝኣት ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ኣመዝጊባ።

እዚ ሓድሽ ኣሃዛት እዚ ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሲድኒ እተኻየደ ጸረ-ምዕጻው ተቓውሞ ፡ ስዒቡ " ብዙሕ ምልባዕ" ክህሉ ምዃኑ ኣተሓሳሲብሉ ኣብዘሎ እዋን እዩ ።

Gladys Berejiklian has urged residents of Greater Sydney to follow the lockdown rules as NSW's COVID-19 case numbers continue to rise.

Gladys Berejiklian has urged residents of Greater Sydney to follow the lockdown rules as NSW's COVID-19 case numbers continue to rise. Source: AAP

ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ናይ ከባቢ ዝተረኽበ ልዕሊ 98,000 ዝኾኑ መርመራታት ፡ ድሕሪ ምግባር 145 ሓደስቲ ኣብ ኮቪድ-19 ዝተጠርጠሩ ተመዝጊቦም ኣለዉ ።

ፕሪመር ግላዲስ በረጂክልያን ኣብ ከተማ ሲድኒ ብኮቪድ ዝተወቕዐ ከባቢ ፌርፊልድ ዝነበሩ ኣብ ገዛኦም ምጽናሖም ብምንኣድ ፡ እቲ ናይ ደልታ ዓይነት ኮሮና ብዝያዳ ይላብዕ ከም ዘሎ ኣጠንቂቓ ።

ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እዚ ከባቢ ተንቀሳቓሲ ከባቢ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና ፣ ቅኑዕ ነገር እውን ይገብሩ ኣለዉ።" በለት።
ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ኬሪ ቻንት ብተወሳኺ ንነበርቲ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ነቲ ናይ ቀይድታት መምርሒ ብምኽባሮም ንኢዳ ።

"ኻብቶም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ዝነብሩ ብትግሃት ዝዓዩ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕበን ጥራይ እየ ክዛረብ ዝኽእል" በለት ።

ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምትእኽኻብ ነቲ ጕዳይ ቊጽርታት ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ዶክተር ቻንት ገሊጻ ።

"ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ዘጋጥመና ዘሎ እዋን ሰባት ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ጥራይ ክጸንሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ኣብ መንጎ ስድራቤታት ከኣ ምትሕውዋስ ዝበሃል ነገር ኣይህልወናን" በለት ።
ክታበት ምውሳድ "ሓደ መፍትሒ እዩ" ብምባል ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሒደት ሰባት ጥራይ ነቲ ናይ ኣስትራዘነካ ክታበት ይወስዱ ምህላዎም "ኣዝዩ ዘጨንቕ" ምዃኑ ገለጸት ።

"ካብ 60 ወይ ካብ 70 ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ናብ ሓኪሙ ክኸይድ ኣለዎ" በለት ።

"እኹል ጸቕጢ ክገብር ኣይክእልን እየ ። ተኸቲበ ፡ ሓማተይ ተኸቲባ ፡ በዓል ቤተይ ድማ ኣስትራዘነካ ተኸቲቡ ። [ጽቡቕ ክታበት] እዩ ኢለ እንተ ዘይኣምን ፡ ከምኡ ኣይምገበርኩን ። ኵሉ ሰብ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክጥቀመሉ እምሕጸን "በለት ።

ኒው ሳውዝ ወልስ ብሰንበት ክልተ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት መዝጊባ ፡ ሓንቲ ካብ አን ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ብራዚላዊት እያ ።

With AAP.


Share
Published 26 July 2021 12:08pm
Updated 26 July 2021 2:08pm
By SBS News
Source: SBS


Share this with family and friends