ኒው ሳውዝ ዌልስ
ኣብ NSW 262 ሓደስቲ ከባብያዊ ኮቪድ-19ን ሓደ ተወሳኺ ሞትን ተመዝጊቡ ኣሎ ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም በዚ ሕማም ዝሞቱ ናብ 28 ክብ ኢሉ ዘሎ ቝጽሪ እዩ ።
እንተወሓደ 72 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለው ናይ NSW ጥዕና ሓቢሩ ።
ሓንቲ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሰበይቲ ፡ ኣብቲ ኣብ ሳመር ሂል መንበሪ ኣረጋውያን ትነብር ዝነበረት እያ ። እታ ሰበይቲ ኣይተኸትበትን ኔራ።
እቲ ናይ ሎሚ ቁጽሪ ካብቲ ቀዳም ዝነበረ 319 መልከፍቲ ቁሩብ ንታሕቲ ወሪዱ ኣሎ ።
ኲንስላንድ
ኲንስላንድ ኣብታ ግዝኣት ትሽዓተ ሓደስቲ መልከፍቲ መዝጊባ። እቲ ሸውዓተ ምስቲ ኢንዶኦፒሊ ዘሎ ክላስተር ዝተተሓሓዘ እዩ፡ እቲ ሓደ ምስ ኣብ ጎልድ ኮስት እቲ ሓደ ድማ ምስ ኬንስ ዝተሓሓዝ መልከፍቲ'ዩ።
ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ኲንስላንድ ዘሎ ዕጽዋ ሎሚ ሰዓት 4 ድ.ቐ. ክዛዘም እዩ ፡ ገለ ቀይድታት ግን ንዝቕጽላ ክልተ ሰሙናት ፡ እንተላይ ንግድነታዊ ኣጠቓቕማ ማስክ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ ።
ኣብ ኲንስላንድ ፕሪመር ኣንስታቺያ ፓላስዝኩክ እቲ ኣብ ኬንስ ዘሎ ሰብ ከም መራሒ ታክሲ ኮይኑ ክሰርሕ ከሎን ን10 መዓልታት ኣብቲ ማሕበረሰብ ምስመልከፍቱ ዝጸንሐ'ዩ።
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ፡ 11 ሓደስቲ ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ሰባት መዝጊባ ኣላ ፣ ኵላቶም ድማ ምስዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ለበዳ ዝተሓሓዙ እዮም ። ካብዚኦም ኣብ እዋን ለበዳ ዋላ ሓደ ካባታቶም ካብ ውሸባ ኣይነበረን።
ቪክቶርያዊያን ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 39 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ካብ ሰኑይ ጀሚሮም ሰፊሕ ናይ ክታበት ማእከላት ናይ ኣስትራዘነካ ኮቪድ-19 ክታበት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ውሸባ ፡ መገሻ ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ 'ውን ክፍሊትን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : , , , , , , .
- ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ: