ኽልተ ከተማታት ብውሒጅ ድሕሪ ምፍልላየን ናይ NSW ህጹጽ ረዲኤት ተወሳኺ ሞት ከይስዕብ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ብዕልቕልቕ ዝተጠቕዑ ማሕበረሰባት ናይ ህጹጽ ረድኤት ኣገልግሎታት ማይ ፡ መድሃኒት ፡ መግብን ካልእ ቀረብን ብነፋሪት የቕርብ ኣሎ ።

An aerial view of the flood waters in the NSW town of Gunnedah.

The Namoi River in the NSW town of Gunnedah peaked at 8.24 metres on Saturday morning. Source: Facebook / NSW SES

ሓገዝ ንህጹጽ ሓደጋ ኣብዝቕጽለሉ ዘሎን ክልተ ናይ NSW ከተማታት ብምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ንመዓልታት ከይተራኸባ ክጸንሓ ተኽእሎ ኣሎ ።
ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን (SES) ሽዱሽተ ግዜ ናይ ምድሓን ስርሒት ፈጺሞም 112 ድማ ኣብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ካብ ሰዓት 6 ቅ.ቀ. ሓገዝ ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ።
ኣብ ሰሜን እታ ግዝኣት ዝርከባ ከተማታት ዋረንን ዊ ዌዓን ፡ መገዲ ስለ እተቘርጻ ፡ ንነዊሕ መዓልትታት ብዘይርክብ ክጸንሓ ትጽቢት ይግበረለን።
ናይ ህጹጽ ጸገም ኣገልግሎታት ንነበርቲ ማይ ፣ መድሃኒት ፣ መግብን ካልእ ቀረባት ንምቕራብ ነፈርቲ ይጥቀሙ ኣለው ።
A house is surrounded by water in Gunnedah.
ኣብ ጉናንዳ ፡ ምዕልቕላቕ ማይ እናደኸመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ናይ NSW SES ወለንተኛታት ዝግበር መርመራታት ጽልዋ ይገብር ኣሎ ። Source: Facebook / NSW SES
ከተማ ጉነዳ ካብ ሰንበት ንግሆ ኣትሒዛ በቲ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ እንተተጸልወት'ኳ ፡ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ግን ቀስ ብቐስ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።
ፈለግ ናሞይ ካብቲ ብቐዳም 8.24 ሜትሮ ዝዓቐኑ ብራኸ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ድሕሪ ምውራዱ ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ባይታ ወሪዶም ነቲ ዝወረደ ጕድኣት ክግምግምዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ሰበ-ስልጣን ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ምስ ሞተ ፡ ነቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣደልዲሎምዎ እዮም ።
ንሱ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከላይ ምዕራባዊ ኒው ሳውዝ ወልስ ፡ ኣብ ቱላሞረ ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓርከስ ፡ ሓንቲ መኪና ብማይ ኣይሂ ድሕሪ ምጥላቓ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ ።
ወለዲ እቲ ቘልዓ ኣብታ ማኪና ካብ ዝነበሩ ክልተ ንኣሽቱ ቘልዑ ካብቲ ተኣሲሮሙሉ ዝነበሩ እኳ እንተ ኣውጽኡ ፡ ነቲ ቘልዓ ግን ከድሕንዎ ኣይከኣሉን ።
ሞት ናይቲ ቖልዓ ፡ ሰባት ነቲ ማይ ኣይሂ ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣርዚኖም ኽርእይዎ ከም ዘለዎም ኣለዓዒሉ እዩ ፣ ኣፈኛ SES ግሬግ ናሽ እቲ ወሓይዝ ካብ ንግሆ ኽሳእ ድሕሪ ቀትሪ ክቕየር ይኽእል እዩ ኢሉ።
LISTEN TO
Outback town feeling forgotten in floods image

Outback town feeling forgotten in floods

SBS News

03:26
፡ "ብዛዕባ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ኣዝዮም ዝጻወሩ ማሕበረሰባትን ገለ ማሕበረሰባት ድማ ብዛዕባ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ዝርድኦም ኣለዉና" ክብል ብቀዳም ገሊጹ ።
ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ፡ ትኹረቱ ናብ ዝቕጽል መዓልታት ቀይሩ ኣሎ። እዚ ዝኾነ እቲ ኣብ ደቡባዊን ማእከላይን ክፋል እታ ግዝኣት ዝርከብ ሰሉስን ረቡዕን ክጎድል ስለዝኾነ እዩ ።
"ብሰንኪ እቲ ዝናም እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ዕልቕልቕ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝኸውን ብልክዕ ንምፍላጥ ቁሩብ ግዜ ሓሊፉ እዩ: እንተዀነ ግን ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ ንጽብሒቱ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣጸቢቖም ክፈልጡ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን" በለ ።
ምዕልቕላቕ ማይ ካብ ዝጅምር ኣብ ዘሎ 11 መዓልታት ፡ ኣብ ኒውሳውዝወልስ ልዕሊ 820 ጠለባት ናይሓግዙና ጻዊዒ ኔሩ ፡ እዚ ድማ ኣስታት 60 ዝኾኑ ናይ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ሓገዛት ዘጠቓልል እዩ ።

Share
Published 25 September 2022 6:23pm
Source: AAP


Share this with family and friends