ናይ ዓለም ቀዳማይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ባይታ ቴኒስ ዝኾነ ኖቫክ ጆኮቪች ብሰሉስ ኮቪድ-19 ከምተለኽፈ ምስተረጋገጸ፡ ኣብቲ ንሱ ዘዳለዎ ኣብ ሰርቢያ ክርኦሾያ ዝተገብረ ውድድር ዝተሳተፉ'ሞ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ይቕረታ ሓቲቱ።
ወዲ ቡልጋሪያ ተጻዋቲ ቴኒስ ግሪጎር ዲሚትሮቭ፡ ወዲ ክር ኦሺያ ቦርና ኮሪች ከምኡውን ቪክቶር ትሮይኪ ኣብቲ ናይ ኣድሪያ አክዚቢሽን ዝተዳለወ ቶርናመንት ድሕሪ ምጽዋቶም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ብድሕርዚ እዩ ጆኮቪችን ሰበይቱ ጀለና ድሕርቲ ኣብ ባዳር፣ ክሮኦሺያ ዝተገብረ ዉድድር ዉጽ ኢት መርመራኦም ኮሮና ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።
ናይ ጆኮቪች ናይ ድልዳለ ኣሰልጣኒ ማርኮ ፓኒቹ ከም ኡውን ኣሰልጣኒ ጆኮቪች ክርስቲያን ግሮህ ውን በቲ ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ጆኮቪች ነቲ ናይ ኣድሪያ ዉድድር ብምድላዉ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።
ብ ትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ, ጆኮቪችን ሰበይቱን ኣብዚ እዋን ሕቡእ ቫይረስ (asymptomatic) ከምዘለዎምን ገዛእ ርእስም ኣግሊሎም ከምዘለዉ ገሊጹ

Serbian tennis player Novak Djokovic touches hands with Olga Danilovic during their mixed doubles match. Source: AP
"እዚ ውድድር ሓደጋ ብምፍጣሩ ኣዚየ እሓዝን" ዝበለ ጃኮቪች
"ምስቶም ኣዳለውቲ ኮይና ዝሓለፈ ወርሒ ነዚ ከነዳሉከለና ብንጹህ ልቢን ቅኑዕ ሃቐናን ኢና ጌርናዩ፡ እቲ ዉድድራት ነቲ ናይ ጥዕና መምርሒታት ፕሮቲኮል ክኽተልዩ ኢልና ሓሲብና፡ ኣብዞባና ዘሎ ኩነታት ኣብደሓን ስለዘሎ ህዝቢ ዳግም ክራኸብ ይኽእልዩ ኢልና ሓሲባና፡
"ጌጋ ጌርናል እዚ ቅድሚ ግዜኡ እዩ ተጌሩ፡ ነዚን በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ ኩሉ መልከፍቲ ኣዚየ ይቕረታ እሓትት።"
ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ነቲ ዝተረፈ ናይ ኣድሪያ ዉድድራት ተሰሪዙ ኣሎ።
ኣብቲ ክግበር ዝቐነየ ውድድራት ብፍላይ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ተጻወቲ ተሓቛቑፎም ክሰዓዓሙ፡ ተኣኪቦም ጋዚጣዊ መግለጺ ክህቡን፡ ህዝቢ ድማ ክሰኣልን ተራእዩ።