ካብ ዓለም ቀዳማይ ተጻዋቲ ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ብኮቪድ-19 ተለኺፉ፡ ንዝገበሮ ጌጋ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብዚ እዋን ለበዳ ዓለም ኖቫክ ጆኮቪች ግጥም ባይታ ተኒስ ብምድላዉን ካብ ካልኦት ሃገራት ተጻወቲ ዓዲሙ ብምምጻኡን ወቐሳ ምስወረዶ፡ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።

Novak Djokovic poses with Bulgaria's Grigor Dimitrov, Serbia's Viktor Troicki and Croatia's Borna Coric on 19 June. All four players have tested positive.

Novak Djokovic poses with Bulgaria's Grigor Dimitrov, Serbia's Viktor Troicki and Croatia's Borna Coric on 19 June. All four players have tested positive. Source: AAP

ናይ ዓለም ቀዳማይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ባይታ ቴኒስ ዝኾነ ኖቫክ ጆኮቪች ብሰሉስ ኮቪድ-19 ከምተለኽፈ ምስተረጋገጸ፡ ኣብቲ ንሱ ዘዳለዎ ኣብ ሰርቢያ ክርኦሾያ ዝተገብረ ውድድር ዝተሳተፉ'ሞ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ይቕረታ ሓቲቱ።

ወዲ ቡልጋሪያ ተጻዋቲ ቴኒስ ግሪጎር ዲሚትሮቭ፡ ወዲ ክር ኦሺያ ቦርና ኮሪች ከምኡውን ቪክቶር ትሮይኪ ኣብቲ ናይ ኣድሪያ አክዚቢሽን ዝተዳለወ ቶርናመንት ድሕሪ ምጽዋቶም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ። ብድሕርዚ እዩ ጆኮቪችን ሰበይቱ ጀለና ድሕርቲ ኣብ ባዳር፣ ክሮኦሺያ ዝተገብረ ዉድድር ዉጽ ኢት መርመራኦም ኮሮና ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ። 

ናይ ጆኮቪች ናይ ድልዳለ ኣሰልጣኒ ማርኮ ፓኒቹ ከም ኡውን ኣሰልጣኒ ጆኮቪች ክርስቲያን ግሮህ ውን በቲ ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ጆኮቪች ነቲ ናይ ኣድሪያ ዉድድር ብምድላዉ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ ኣሎ።
Serbian tennis player Novak Djokovic touches hands with Olga Danilovic during their mixed doubles match.
Serbian tennis player Novak Djokovic touches hands with Olga Danilovic during their mixed doubles match. Source: AP
ብ ትዊተር ኣብዝጸሓፎ መልእኽቲ, ጆኮቪችን ሰበይቱን ኣብዚ እዋን ሕቡእ ቫይረስ (asymptomatic) ከምዘለዎምን ገዛእ ርእስም ኣግሊሎም ከምዘለዉ ገሊጹ

"እዚ ውድድር ሓደጋ ብምፍጣሩ ኣዚየ እሓዝን" ዝበለ ጃኮቪች

"ምስቶም ኣዳለውቲ ኮይና ዝሓለፈ ወርሒ ነዚ ከነዳሉከለና ብንጹህ ልቢን ቅኑዕ ሃቐናን ኢና ጌርናዩ፡ እቲ ዉድድራት ነቲ ናይ ጥዕና መምርሒታት ፕሮቲኮል ክኽተልዩ ኢልና ሓሲብና፡ ኣብዞባና ዘሎ ኩነታት ኣብደሓን ስለዘሎ ህዝቢ ዳግም ክራኸብ ይኽእልዩ ኢልና ሓሲባና፡

"ጌጋ ጌርናል እዚ ቅድሚ ግዜኡ እዩ ተጌሩ፡ ነዚን በዚ ምኽንያት ዝተፈጥረ ኩሉ መልከፍቲ ኣዚየ ይቕረታ እሓትት።"
ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ነቲ ዝተረፈ ናይ ኣድሪያ ዉድድራት ተሰሪዙ ኣሎ።

ኣብቲ ክግበር ዝቐነየ ውድድራት ብፍላይ ኣብ ቡልጋሪያ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ተጻወቲ ተሓቛቑፎም ክሰዓዓሙ፡ ተኣኪቦም ጋዚጣዊ መግለጺ ክህቡን፡ ህዝቢ ድማ ክሰኣልን ተራእዩ።


Share
Published 24 June 2020 9:38am


Share this with family and friends