ዶናልድ ትራምፕ ን ዝቐረበሉ 34 ክስታት ገበነኛ ኣይኮንኩን ኢሉ ይማጎት።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ፡ ናይ ሓሶት መዝገብ ንግዲ ከም እተረኽበ ብዚሕብር 34 ገበናት ተኸሲሱ ።

Former US President Donald Trump sits in the courtroom for his arraignment in New York Criminal Court in New York, New York, USA.

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብገበን ተኸሲሱ ኣብ መጋብኣያ ተቐሚጡ ኣሎ ። ኣብ ማንሃታን ዝነጥፍ መጋባእያ ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ፕረዚደንት ነበር ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ድምጺ ሂቡ ነይሩ ። Source: EPA / Seth Wenig

Key Points
  • ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንሓንቲ ኰዀብ ስእለ ጽዩፍ ትነጥፍ ብዝኸፍሎ ገንዘብ ፡ መርመራ ተገብረሉ ።
  • ንትራምፕን ዝድግፉን ዝቃወሙን ሰልፈኛታት ካብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ወጻኢ ተኣኪቦም ኣለዉ ።
  • እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪኡ ፡ ንደገፍቲ ማር-ኣ-ላጎ ከዘራርቦም ትጽቢት ይግበረሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ፡ ብ34 ናይ ሓሶት መዝገብ ንግዲ ንዝቐረበሎ ክሲ ኣይወዓልክዎን ኢሉ ፣ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ፡ቅድሚ'ቲ ብ2016 ኣብ ኣመሪካ እተገብረ ምርጫ ፡ ነተ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸማ ከየቃልዕ ኦ'ሞ ኣብቲ ዉድድር ምርጫ ከይሰናኸል መዕጸዊ ኣፍ ንኽልተ ኣንስቲ ክፍሊት ከም ዝኸፍለን ኸሰስምዎ ።

እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ስልጣን ከሎ ወይ ካብስልጣን ምስወረደ ዝኽሰስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዘሎ ትራምፕ ኣብ ማንሃታን ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፡ ፡ ኣብ 2016 ዕዉት ወፈራ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ፡ ሕጊ ምርጫ ዝጥሕስ ምዃኑ ዝሕብር ናይ ሓሶት መዝገብ ንግዲ ከም ዘለዎ ይገልጹ ።

እተን ክልተ ኣንስቲ ናይ ዓበይቲ ተዋሳኢት ፊልም ፡ ስቶርሚ ዳኒኤልስን ናይ ቅድም ተዋሳኢት ሞዴል ካረን ማክዱጋልን እየን ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ከተማ ኒው ዮርክ ብሞተር እናተጓዕዘ ምስቶም ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ኢዱ ከወዛውዘሎም ከሎ ፡ ኣብ ገጹ ከቢድ ስምዒት ይንበብ ኣይነበረን ።
ዶናልድ ትራምፕ ጠበቓታቱ ገበን ከምዘይገበረ ናብ ደያኑ ሕቶ ከቕርቡ ከለዉ ኣእዳዉ ተዓጺፉ ኮፍ ኢሉ ነበረ።
ትራምፕ ብኸመይ ከም ዝለመነ ምስ ተሓተተ ፡ "ገበነኛ ኣይትኹን" በለ ።

እቲ ንማንሃታን ዝቐንዐ ዓብዪ መጋባእያ ፡ ብዓቃቢ ሕጊ ኣውራጃ ኣልቪን ብራግ ፡ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2016 እተገብረ ፕረዚደንታዊ ወፈራ ፡ ብዛዕባ እቲ ንሚስ ዳኒኤልስ ዝኸፈሎ ናይ ኣመሪካ 130,000 ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈላ ዝገልጽ መርትዖ ከም ዝሰምዐ ዝሕብር እዩ ነይሩ ። ሚስ ዳኒኤልስ ብ2006 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሌክ ታሆይ ሆቴል ብዛዕባ ምስኣ ዝፈጸሞ ጾታዊ ርክብ ስቕ ንምባል ከም እተኸፍለት ገሊጻ ኣላ ።

እቲ ኽስታት ብሓባር ዝተወስደ ኰይኑ ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኒው ዮርክ ን136 ዓመት ክእሰር ዝለዓለ መቕጻእቲ የሕልፍ ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተ ተፈሪዱ ግን ዝተሓተ ማእሰርቲ የቕጽዕ ።
እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ሓሶት ንግዲ መዝገብ ባዕሉ ፡ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ማእሰርቲ የቕጽዕ ፣ ንሓደ ካልእ ገበን ንምድንፋዕ ወይ ንምሕባእ ተባሒሉ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝቕጻዕ እውን ይገብር እዩ ።
ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብ ግምቢ ትራምፕ ኣብዝወጸሉ ዝነበረ ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ ፡ ነቲ ክስታት ፖለቲካዊ ድፍኢት እዩ ኢልዎ ።
A graphic with text on it and Donald Trump looking serious.
Mr Trump's life in a nutshell. Source: SBS

Former US President Donald Trump holds his fist in the air outside Trump Tower.
Former US President Donald Trump exits Trump Tower to attend court for his arraignment. Source: Getty / Noam Galai/GC Images
እቲ ነጋዳይ ናብ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ትራምፕ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ኒው ዮርክ ፡ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንግዲ ሰሪሑ ፡ በዓል ቤት ናይ ዓቢ ርይል እስቴት ኰይኑ ንሓያሎ ዓመታት ፍሉጥ እዩ ።
ብኣማእታት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ትራምፕ: ኣብቲ ካብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ርሒቑ ዝርከብ መናፈሻ: ደገፎም ኣፍሰሱ: ፋጻ ድማ ይነፍሑ ነበሩ ። ብኻልእ ሸነኽ ነቐፍቲ ትራምፕ ፡ ክዳን ቤት ማእሰርቲ ተኸዲኖም ፡ "ለኩትዎ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፡ የርእዩ ነበሩ ።
ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝግበር ዝነበረ ድራማ ድምጹ ከይሃበ ሕትም ኢሉ እዩ ዊዒሉ ።
Demonstrators wave flags during a pro-Trump and anti-Trump rally while awaiting former president Trump's arraignment at New York County Criminal Court in New York City.
Demonstrators wave flags during a pro-Trump and anti-Trump rally while awaiting former president Trump's arraignment at New York County Criminal Court in New York City. Source: Getty / Efren Landaos / SOPA Images/Sipa USA


Share
Published 5 April 2023 10:18am
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: Reuters


Share this with family and friends