Key Points
- ዶናልድ ትራምፕ ፡ ንሓንቲ ኰዀብ ስእለ ጽዩፍ ትነጥፍ ብዝኸፍሎ ገንዘብ ፡ መርመራ ተገብረሉ ።
- ንትራምፕን ዝድግፉን ዝቃወሙን ሰልፈኛታት ካብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ወጻኢ ተኣኪቦም ኣለዉ ።
- እቲ ፕረዚደንት ነበር ፡ ካብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ መንበሪኡ ፡ ንደገፍቲ ማር-ኣ-ላጎ ከዘራርቦም ትጽቢት ይግበረሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ፡ ብ34 ናይ ሓሶት መዝገብ ንግዲ ንዝቐረበሎ ክሲ ኣይወዓልክዎን ኢሉ ፣ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ፡ቅድሚ'ቲ ብ2016 ኣብ ኣመሪካ እተገብረ ምርጫ ፡ ነተ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸማ ከየቃልዕ ኦ'ሞ ኣብቲ ዉድድር ምርጫ ከይሰናኸል መዕጸዊ ኣፍ ንኽልተ ኣንስቲ ክፍሊት ከም ዝኸፍለን ኸሰስምዎ ።
እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ስልጣን ከሎ ወይ ካብስልጣን ምስወረደ ዝኽሰስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ዘሎ ትራምፕ ኣብ ማንሃታን ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ፡ ፡ ኣብ 2016 ዕዉት ወፈራ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ፡ ሕጊ ምርጫ ዝጥሕስ ምዃኑ ዝሕብር ናይ ሓሶት መዝገብ ንግዲ ከም ዘለዎ ይገልጹ ።
እተን ክልተ ኣንስቲ ናይ ዓበይቲ ተዋሳኢት ፊልም ፡ ስቶርሚ ዳኒኤልስን ናይ ቅድም ተዋሳኢት ሞዴል ካረን ማክዱጋልን እየን ።
እቲ ወዲ 76 ዓመት ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብቲ ዝቕመጠሉ ዝነበረ ከተማ ኒው ዮርክ ብሞተር እናተጓዕዘ ምስቶም ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ኢዱ ከወዛውዘሎም ከሎ ፡ ኣብ ገጹ ከቢድ ስምዒት ይንበብ ኣይነበረን ።
ዶናልድ ትራምፕ ጠበቓታቱ ገበን ከምዘይገበረ ናብ ደያኑ ሕቶ ከቕርቡ ከለዉ ኣእዳዉ ተዓጺፉ ኮፍ ኢሉ ነበረ።
ትራምፕ ብኸመይ ከም ዝለመነ ምስ ተሓተተ ፡ "ገበነኛ ኣይትኹን" በለ ።
እቲ ንማንሃታን ዝቐንዐ ዓብዪ መጋባእያ ፡ ብዓቃቢ ሕጊ ኣውራጃ ኣልቪን ብራግ ፡ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2016 እተገብረ ፕረዚደንታዊ ወፈራ ፡ ብዛዕባ እቲ ንሚስ ዳኒኤልስ ዝኸፈሎ ናይ ኣመሪካ 130,000 ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፈላ ዝገልጽ መርትዖ ከም ዝሰምዐ ዝሕብር እዩ ነይሩ ። ሚስ ዳኒኤልስ ብ2006 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሌክ ታሆይ ሆቴል ብዛዕባ ምስኣ ዝፈጸሞ ጾታዊ ርክብ ስቕ ንምባል ከም እተኸፍለት ገሊጻ ኣላ ።
እቲ ኽስታት ብሓባር ዝተወስደ ኰይኑ ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኒው ዮርክ ን136 ዓመት ክእሰር ዝለዓለ መቕጻእቲ የሕልፍ ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተ ተፈሪዱ ግን ዝተሓተ ማእሰርቲ የቕጽዕ ።
እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ሓሶት ንግዲ መዝገብ ባዕሉ ፡ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ማእሰርቲ የቕጽዕ ፣ ንሓደ ካልእ ገበን ንምድንፋዕ ወይ ንምሕባእ ተባሒሉ ክሳዕ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝቕጻዕ እውን ይገብር እዩ ።
ዶናልድ ትራምፕ ፡ ካብ ግምቢ ትራምፕ ኣብዝወጸሉ ዝነበረ ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ ፡ ነቲ ክስታት ፖለቲካዊ ድፍኢት እዩ ኢልዎ ።

Mr Trump's life in a nutshell. Source: SBS

Former US President Donald Trump exits Trump Tower to attend court for his arraignment. Source: Getty / Noam Galai/GC Images
ብኣማእታት ዝቝጸሩ ደገፍቲ ትራምፕ: ኣብቲ ካብ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ርሒቑ ዝርከብ መናፈሻ: ደገፎም ኣፍሰሱ: ፋጻ ድማ ይነፍሑ ነበሩ ። ብኻልእ ሸነኽ ነቐፍቲ ትራምፕ ፡ ክዳን ቤት ማእሰርቲ ተኸዲኖም ፡ "ለኩትዎ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፡ የርእዩ ነበሩ ።
ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝግበር ዝነበረ ድራማ ድምጹ ከይሃበ ሕትም ኢሉ እዩ ዊዒሉ ።

Demonstrators wave flags during a pro-Trump and anti-Trump rally while awaiting former president Trump's arraignment at New York County Criminal Court in New York City. Source: Getty / Efren Landaos / SOPA Images/Sipa USA