ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ-ኡን ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ብምኽንያት ጥዕናኡ ሞይቱ ክበሃል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መመረቕታ ናይ ሓደ ፋብሪካ ዱኽዒ ገመድ እናቖረጸ ብወግዒ ተራእዩ።
ሚስተር ኪም "ኣብቲ መመረቕታ ተረኺቡ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ምምራቕ ዝተረኽቡ፡ ምስረኣይዎ በርቃዊ ዝኾነ ናይ ሓጎስ ዋጭታ ኣስሚዖም" ክብል ናይ ኮርያ ትካል ዜና ብቐዳም ኣቃሊሑ።
ንሱ ነቲ ፋብሪካ እናተዘዋወረ ከምተዓዘቦን "መስርሕ ናይቲ ፍርያት ብኪኢላታት ከምተገልጸሉን", እቲ ዜና ጸብጺቡ።
ኣብቲ እዋን ሚስተር ኪም ብዓሚቕ ስምዒት "ኣባሓጎይ ኪም-ጆንግ-ሳንግን ኣቦይ ኪም-ጆንግ-ኢልን ነዚ ዘመናዊ ናይ ፎስፎሮስ ድዂዒ ዝምስርሕ ፋብሪካ እንተዝርእይዎ ክንደይ ምተሓጎሱ" ከምዝበለ እቲ ዜና ወሲኹ ጸብጺቡ።
ኪም ጆንግ-ኡን ኣብቲ 11 ሚያዝያ ዝተገብረ ናይቲ ሰልፊ ኣኺባ ድሕሪ ምምራሕ ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ ምርኢት ናይ ተዋጋእቲ ጀት ምዕዛቡ ኣይተራእየን ጸኒሑ።
ኣብቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ በዓል ዝኾነ ኣብ 15 ምያዚያ ዝበዓል ናይ ኣባሓጎኡ ኪም-ኢል-ሶንግ በዓል ልደት ብዘይምርካቦ፡ ብዛዕባ ህላውነት እቲ መራሒ ከዘራርብ ጸኒሑ።

A file photo of North Korean leader Kim Jong-un. Source: KCNA via KNS
ናይ ደቡብ ኮርያ ሰበ ስልጣን ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ እንተገለጹኳ፡ Daily NK, ዝተባህለ ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ኣብ ወጻኢ ብዝነጥፉ ናይ ኦንላይን መርበብ ሓበሬታ ግና ሚስተር ኪም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ከምተገብረሉን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎን ኣፍሊጦም ኔሮም።
ካብ ዉሽጢ ዝረኸብክዎ ምንጪ ኢሉ እቲ መርበብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ሚስተር ኪም ብሰንኪ ከቢድ ምትካኽን፡ ሕፍሰት ሰብነትን ድኻምን ኣብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ይርከብ ኢሉ።
በዚ ተበጊሱ ፡ CNN ንዘይግለጽ ምንጪ ጠቒሱ "ድሕሪ መጥባሕቲ ምግባሩ ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታት ይርከብ" ኢሉ ጸብጺቡ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም እታ ኣዝያ ሚስጢራዊትን ብዛዕባ መራሕታ ንምፍላጥ ኣዚያ ኣጸጋሚት ሃገር እያ።
ኣቦኡ ንኪም ጆንግ-ኡን ን ንሱውን ን ኣቦኡ መርሕነት ዝተቐበለን ኪም-ጆንግ-ኢል ብዘይካ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ሰባት፡ ህዝቢ ሰሜን ኮርያን ዓለምን ከምዝሞተ ንኽልተ መዓልታት ዝፈልጥ ኣይነበረን።
ኣብ 2014, ኪም ጆንግ-ኡን ን6 ሳምንታት ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ኔሩ እዩ። ኣብቲ እዋን ናይ ደቡብ ኮርያ ትካላት ስለያ ኣብ ብርኩ መጥባሕቲ ከምዝገበረ ገሊጾም።