'ዋላ ሓደ ሰብ ነዚ ሕማቕ ሓደጋ ርእይዎ ዝፈልጥ የለን'፦ ነበርቲ ኒው ሳውዝ ወልስ (ኣውስትራሊያ) ወሪዱ ብዘሎ ምዕልቕላቕ ማይ ሰኪሖም።

ኣባይቲ ተወሲዶም ፡ መነባብሮ ዓንዩ ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ግዒዞም ፡ ብርቱዕ ዝናም ኽዘንም ከሎ ንገለ ክፋል NSW ደምሲሱ ኣሎ።

Sophie Love's house on the Mid-North Coast has been cut off from the outside world.

Sophie Love's house on the Mid-North Coast has been cut off from the outside world. Source: Supplied

እቶም ብሰንኪ ዉሕጅ ሓዲግ ተሪፎም ዘለው ተቐማጦ ናይ NSW ዝዀና ከተማታት ፡ ድሕሪ ከቢድ ደርቅን ፡ ባርዕ ጫካንዮም በዚ ብርቱዕ ዝናም ኣብተወሳኺ ባህርያዊ ሓደጋ ኣትዮም ዘለዉ ።

መንበሪ ኣባይቲ ተደምሲሱ ፡ መነባብሮ ዓንዩ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም ኣለዉ ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ኣብታ ክፍለ-ሃገር ብርቱዕ ዝናምይዘንም ኣሎ ።

ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ኣብ ማእከላይ-ሰሜን ገማግም ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ናብ ኢላዋራ ከምኡውን ናብ ምዕራባዊን ሰሜናውን ምዕራብ ሲድኒ ክግዕዙ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ ፣ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ኣገልግሎት ድማ እቲ ማይ ምዝናብ ከምዝቕጽልን ተወሳኺ ምምዝባልን ከምዝህሉን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።

ካብ ፖርት ማካሪ ንምዕራብ 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ሎንግ እትበሃል ከተማ ወጻኢ ፡ እቲ ፈለግ ካብቲ ልሙድ ስፍሓቱ ልዕሊ ሸሞንተ ሜትሮ ከም ዝበጽሐ ፡ ሶፊ ሎቭ ዝተባህለት ሓረስታይ ትገልጽ ።

ንሳ ን SBS ኒውስ ከምዚ ኢላ: - "ነዚ ሕማቕ ነገር እዚ ዝረኣየ ሰብ የለን: ብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ጐረባብቲ ተኸቢብና ኢና ዘሎና: ትማሊ ኣብ ዉሽጢ ሰዓት ዝተፈጸመ ምጥልቕላቕ ኮይኑ ኣይፈልጥንዩ።
ገዝኦም ብማይ ስለዘዕለቕለቐ መገድታት ስለ እተበላሸወን: ነቲ 400 ሄክታር ዝኸውን ንብረቶም ዝወረዶ ጉድኣት ክርእይዎ ኣይከኣሉን ። ሚስ ላቭ ከምትገልጾ ንሰሙናት ዝኣክል ካብ ገዛኦም ተቖራሪጾም ከምዝኽእሉ ገሊጻ።

"ናብኡ ኽሳዕ እንሰግርን ዝከኣለና ኽሳዕ እንገብርን ኣቓልቦና ክሰርቕ ጥራይ እዩ ዘሎና ። ካብቲ ደርቂ ድሒንና ፡ ካብቲ ባርዕ ጫካ ድሒንና ፡ ሓንቲ እግርና ንቕድሚት ክንስጉም ኣይከኣልናን። "ኢላ ።

ሚስ ላቭ "ዋላ ሓደ ሰብ [ክሊማዊ ለውጢ] ብዕቱብ ዝርእዮ የለን" ብምባል ከምዘጨንቓ ገሊጻ ።

"እቲ ማይ ክሳብ ክንድዚ ኣዝዩ ክኸብድዩ ኢልና ፈጺምና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና ። እቲ ደርቂ ምስ ኣጋጠመ ፡ እቲ ፈለግ ቅድሚ ሕጂ ካብ ምውሓዝ ኣየቋረጸን ፣ ስለዚ ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ፡ ኣብዚ ሕርሻ እዚ ጥራይ ኣብ ክሊማ ዓብዪ ለውጢ ርኢና ኢና "በለት ።
ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ፡ "ሓደ እኳ ዘይሰምዕ እንተ ኰይኑ ፡ ዋላ ሓደ ኣየቕልብን እዩ ፡ ዋላ ሓደ እውን ነዚ ጕዳይ እዚ ኣርዚኑ ኣይርእዮን እዩ ዘሎ" ኢላ።

ጓል 74 ዓመት ናንሲ ኮሊጋን ኣብ ኮፐርኒክ ኣብ ዝርከብ ናይ ከባቢ ቤት መስተ ትሰርሕ ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ትነብር ።

ዓርቢ ማኪናኣ ናብ በረኽቲ ቦታ ኣግዒዛታ: እንተዀነ ግን ካብቲ ብርቱዕ ማይ ኣይዓገተታን ። ብምልእታ እታ ከተማ ብማይ ኣይሂ ስለዘዕለቕለቐት ፡ ኣብ ንኣሽቱ ጃላቡ ምግቢ ኼምጽኡላ ምስ ዝመጹ ደቀባት ከም እተወከለት ገሊጻ።

ንሳ ን SBS ኒውስ ከምዚገለጸቶ: - "እቲ ምዕልቕላቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ንፈልጥ እኳ እንተ ነበርና: ክሳብ ክንድዚ ሕማቕ ክኸውን ምዃኑ ግን ኣይገመትናን ኔርና ።

ሮብ ኮስቲጋን ዝበሃል ኣብ ጥቓ ዋውኮፕ ዝርከብ ፓፒንባርራ ዝነብር ሰብ ፡ ቤቱ ካብ ሓውን ደርቅን ድሕሪ ምድሓኑ በዚ ማይ ክድምሰስ ምርኣዩ ኣዚዩ የሓዝን።

ንሱ ንኤቢሲ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብ 2019 ብነበልባል ሓዊ ሓሊፍናዮስ ሕጂ በዚ ተሓጺቡ ክኸይድ ዘገርም ነገርዩ።"

"እዚ ልቢ ዝሰብር ነገርዩ " ድማ ኢሉ ።

ሚስተር ኮስቲጋን ንኣኽላባቱ ከድሕን እኳ እንተ ከኣለ ፡ ብዛዕባ ከብቱ ግና ኣዚዩ ይሻቐል።
An inundated barn is seen in floodwaters in Richmond, NSW, on 22 March.
An inundated barn is seen in floodwaters in Richmond, NSW, on 22 March. Source: AFP via Getty Images
ሰራሕተኛ ረስቶውራንት ናታን ቶምኪንስ ፡ ከምዝገልጾ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትን ለይቲን ኣብ ዕንክሊል ከምዘሕለፍዎ ይገልጽ።

ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ፈለግ ሃስቲስ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ ዘዕለቕለቐ ማይ ምስ መልአ ፡ ዓማዊሉ ክሳብ ክሳድ ብዝበጽሕ ማይ ተዋሒዞም።

እቲ ን24 ዓመታት ዝሃነጾ ዕዮ ፡ ብቕጽበት ዓነወ ።

"እቲ ማይ ብውሽጢ ገዛ ሓሊፉ ንዅሉ ኣጥፍኦ ። ንኹሉ ብዘይንሕስያ ኣዕንይዎ ዝተረፈ ነገር የለን" ክብል ንኤቢሲ ቲቪ ገሊጹ።

"እዚ ልክዕ ከም ዘባህርር ሕልሚ'ዩ" ኢሉ ።


Share
Published 22 March 2021 6:15pm
By Jarni Blakkarly


Share this with family and friends