እቶም ብሰንኪ ዉሕጅ ሓዲግ ተሪፎም ዘለው ተቐማጦ ናይ NSW ዝዀና ከተማታት ፡ ድሕሪ ከቢድ ደርቅን ፡ ባርዕ ጫካንዮም በዚ ብርቱዕ ዝናም ኣብተወሳኺ ባህርያዊ ሓደጋ ኣትዮም ዘለዉ ።
መንበሪ ኣባይቲ ተደምሲሱ ፡ መነባብሮ ዓንዩ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ግዒዞም ኣለዉ ፡ ንሓያሎ መዓልትታት ኣብታ ክፍለ-ሃገር ብርቱዕ ዝናምይዘንም ኣሎ ።
ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ኣብ ማእከላይ-ሰሜን ገማግም ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ናብ ኢላዋራ ከምኡውን ናብ ምዕራባዊን ሰሜናውን ምዕራብ ሲድኒ ክግዕዙ ትእዛዝ ተዋሂቡ ኣሎ ፣ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ኣገልግሎት ድማ እቲ ማይ ምዝናብ ከምዝቕጽልን ተወሳኺ ምምዝባልን ከምዝህሉን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።
ካብ ፖርት ማካሪ ንምዕራብ 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ሎንግ እትበሃል ከተማ ወጻኢ ፡ እቲ ፈለግ ካብቲ ልሙድ ስፍሓቱ ልዕሊ ሸሞንተ ሜትሮ ከም ዝበጽሐ ፡ ሶፊ ሎቭ ዝተባህለት ሓረስታይ ትገልጽ ።
ንሳ ን SBS ኒውስ ከምዚ ኢላ: - "ነዚ ሕማቕ ነገር እዚ ዝረኣየ ሰብ የለን: ብ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ጐረባብቲ ተኸቢብና ኢና ዘሎና: ትማሊ ኣብ ዉሽጢ ሰዓት ዝተፈጸመ ምጥልቕላቕ ኮይኑ ኣይፈልጥንዩ።
ገዝኦም ብማይ ስለዘዕለቕለቐ መገድታት ስለ እተበላሸወን: ነቲ 400 ሄክታር ዝኸውን ንብረቶም ዝወረዶ ጉድኣት ክርእይዎ ኣይከኣሉን ። ሚስ ላቭ ከምትገልጾ ንሰሙናት ዝኣክል ካብ ገዛኦም ተቖራሪጾም ከምዝኽእሉ ገሊጻ።
"ናብኡ ኽሳዕ እንሰግርን ዝከኣለና ኽሳዕ እንገብርን ኣቓልቦና ክሰርቕ ጥራይ እዩ ዘሎና ። ካብቲ ደርቂ ድሒንና ፡ ካብቲ ባርዕ ጫካ ድሒንና ፡ ሓንቲ እግርና ንቕድሚት ክንስጉም ኣይከኣልናን። "ኢላ ።
ሚስ ላቭ "ዋላ ሓደ ሰብ [ክሊማዊ ለውጢ] ብዕቱብ ዝርእዮ የለን" ብምባል ከምዘጨንቓ ገሊጻ ።
"እቲ ማይ ክሳብ ክንድዚ ኣዝዩ ክኸብድዩ ኢልና ፈጺምና ሓሲብና ኣይንፈልጥን ኢና ። እቲ ደርቂ ምስ ኣጋጠመ ፡ እቲ ፈለግ ቅድሚ ሕጂ ካብ ምውሓዝ ኣየቋረጸን ፣ ስለዚ ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ፡ ኣብዚ ሕርሻ እዚ ጥራይ ኣብ ክሊማ ዓብዪ ለውጢ ርኢና ኢና "በለት ።
ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ፡ "ሓደ እኳ ዘይሰምዕ እንተ ኰይኑ ፡ ዋላ ሓደ ኣየቕልብን እዩ ፡ ዋላ ሓደ እውን ነዚ ጕዳይ እዚ ኣርዚኑ ኣይርእዮን እዩ ዘሎ" ኢላ።
ጓል 74 ዓመት ናንሲ ኮሊጋን ኣብ ኮፐርኒክ ኣብ ዝርከብ ናይ ከባቢ ቤት መስተ ትሰርሕ ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ትነብር ።
ዓርቢ ማኪናኣ ናብ በረኽቲ ቦታ ኣግዒዛታ: እንተዀነ ግን ካብቲ ብርቱዕ ማይ ኣይዓገተታን ። ብምልእታ እታ ከተማ ብማይ ኣይሂ ስለዘዕለቕለቐት ፡ ኣብ ንኣሽቱ ጃላቡ ምግቢ ኼምጽኡላ ምስ ዝመጹ ደቀባት ከም እተወከለት ገሊጻ።
ንሳ ን SBS ኒውስ ከምዚገለጸቶ: - "እቲ ምዕልቕላቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ንፈልጥ እኳ እንተ ነበርና: ክሳብ ክንድዚ ሕማቕ ክኸውን ምዃኑ ግን ኣይገመትናን ኔርና ።
ሮብ ኮስቲጋን ዝበሃል ኣብ ጥቓ ዋውኮፕ ዝርከብ ፓፒንባርራ ዝነብር ሰብ ፡ ቤቱ ካብ ሓውን ደርቅን ድሕሪ ምድሓኑ በዚ ማይ ክድምሰስ ምርኣዩ ኣዚዩ የሓዝን።
ንሱ ንኤቢሲ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ኣብ 2019 ብነበልባል ሓዊ ሓሊፍናዮስ ሕጂ በዚ ተሓጺቡ ክኸይድ ዘገርም ነገርዩ።"
"እዚ ልቢ ዝሰብር ነገርዩ " ድማ ኢሉ ።
ሚስተር ኮስቲጋን ንኣኽላባቱ ከድሕን እኳ እንተ ከኣለ ፡ ብዛዕባ ከብቱ ግና ኣዚዩ ይሻቐል።
ሰራሕተኛ ረስቶውራንት ናታን ቶምኪንስ ፡ ከምዝገልጾ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትን ለይቲን ኣብ ዕንክሊል ከምዘሕለፍዎ ይገልጽ።

An inundated barn is seen in floodwaters in Richmond, NSW, on 22 March. Source: AFP via Getty Images
ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ፈለግ ሃስቲስ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ ዘዕለቕለቐ ማይ ምስ መልአ ፡ ዓማዊሉ ክሳብ ክሳድ ብዝበጽሕ ማይ ተዋሒዞም።
እቲ ን24 ዓመታት ዝሃነጾ ዕዮ ፡ ብቕጽበት ዓነወ ።
"እቲ ማይ ብውሽጢ ገዛ ሓሊፉ ንዅሉ ኣጥፍኦ ። ንኹሉ ብዘይንሕስያ ኣዕንይዎ ዝተረፈ ነገር የለን" ክብል ንኤቢሲ ቲቪ ገሊጹ።
"እዚ ልክዕ ከም ዘባህርር ሕልሚ'ዩ" ኢሉ ።