Content warning: Distressing content
ብርክብ ቪድዮ እትዘራረብ ጕጅለ ኣንስቲ ፡ ህይወት 4B ብኸመይ ክትመርሕ ከም እትኽእል ሓሳባት ይለዋወጣ ። ኣብ መብዛሕትኡ ሰሙናት ብ ኢንተርነት ተራኺበን ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስን ኣብዚ ይዝትያ ።
ኣብ ፍሎሪዳ እትነብር ቫነሳ ዝስማ ጓል 56 ዓመት ጐርዞ ፡ "ምስ ወዲ ተባዕታይ ዓይኒ ንዓይኒ ዘይምጥምማት ኣዝዩ ኣገዳሲ ሜላ እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ሓንቲ ቆላሕታ ከም ክፉት ዕድመ ነቲ ወዲ እዩ ።" በለት ።
ቫነሳ ኣስዕብ ኣቢላ ፡ "ኣብ ዕዳጋታት ዝርከብ መተሓላለፊ ኣብ ትኸዳሉ ኣንጻር እቲ ወዲ ዝኸደሉ ኣንፈት ተጓዓዛ" በለት ።
ቫነሳ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ ብኣባላት ምንቅስቓስ ኣንስትዮ '4B' ደተቐባልነት ረኺቡ እዩ። እቲ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ተፈልየን ንኽነብራ ዘተባብዕ እዩ ።
ካብኣተን ሓንቲ ኣመሪካዊት ፡ ማከንዚ (ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን) ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓፈሻ ዘለዋ ዘይምትእምማን ተካፍል ።
"ንዓይ እምነት ዘየንብረሉ ሰብኣይ እዩ: ካብኡ ክርሕቕ ከም ዘሎኒ ድማ እፈልጥ እየ" በለት ።
ኣብዛ ጕጅለ እዚኣ ፡ ገሊአን ኣንስቲ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብቐጻሊ ስለ ዚሓብራን ካልኦት ንሃይማኖት ክዅንናን የተባብዓ ።

ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ምንቅስቓስ ብኢንተርነት ይረኽቦኦ'ሞ ይጽምበራኦ ። ኣብ ቲክቶክ ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ዝግበር ምይይጥ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሰሓቡ ገይሩ እዩ ።
እቲ ቪድዮታት ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መፋርቕ 2010 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘጋጠመ 4.ቢ. ዝውቱር ምዃኑ ዝገልጻ እዩ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተፈጥረት ካልእ ተመሳሳሊት ጕጅለ ግን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ፡ እንተላይ ኣብ ኣውስትራልያ ኣቓልቦ ትረክብ ኣላ ።
ሰዓብቲ 4B ኣብ ምንታይ እየን ዝኣምና?
ሕመረት እምነታት ናይተን ኣንስቲ ፡ ብ ኣርባዕተ "ኣይፋል" ዝብሃሉ ሕጋጋት ዝምራሕ እዩ። ማለት ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ርክብ ፡ ዉሉድ ፡ ዓርኪ ምግባርን ዝምድናን ዘይምህላው ዝብል'ዩ። ኣብ ቋንቋ ኮሪያ እተን ኣርባዕተ ብ 'bi' ዝጅምራ እዘን ዝስዕባ እየን: bihon, bichulsan, biyeonae and bisekseu ።
ብ ኣጠማምታ ሰዓብቲ 4B ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ምርሓቕ ንደቂ ኣንስትዮ ፡ ብምሉእ ዓቕመን ክነብራን ንርእሰን ንኺከላኸላን ንደቂ ተባዕትዮ ንኪቐጽዓን ኣጋጣሚ ዝኸፍተለን እዩ ። ብዙሓት ካብኣተን ንዅሎም ሰብኡት ይዅንና ፡ "ቃልሲ ኣንጻር ተባዕትነት " ይብላ ፡ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ብህይወት ንኽነብራ ደድሕሪ ሰቡኡት ምኻድ የድልየን ይብላ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ሓንቲ ኣመሪካዊት ሰበይቲ - በቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘሎ ጕጅለ' 4B" ተተባቢዓ ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ፡ ጕጅለ' 4B" ፈጠረት ።
"ካብ ሰብኣይ ምርሓቕ ጥራይ እዩ እቲ መልሲ " ትብል ሱፕሪም።
"ደቂ ተባዕትዮ ተፍቅሮም ወይ ምስ ኦም ትወጽእ ሰበይቲ ምስ ሰኣኑ ጾታዊ ርክብ ምስ ዘይገብሩ ፡ ህጻናት ምስ ዘይወልዱ እሞ ምስ ዘይምርዓዉ ፡ ሽዕ ኡ እዩ እቲ ቅርጺ ዝነቓንቖ ።"
ምናልባት ሽዑ ክሰምዑ ይኽእሉ ይኽዕኑ ትብል ሱፕሪም።
እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ፡ ንምንቕናቕ እዩ ፡ ንብዙሓት ሰባት እውን ፡ ዝሓሸ ናብራ ንኺነብሩ ዝሕግዝ እዩ ።
ካብተን ኣባላት ብዙሓት ካብ ኣሜሪካ ዝመጻ ክኾና ከለዋ ካልኦት ግን ካብ ምድረ-ነገስት ፡ ኡጋንዳ ፡ ኮሪያን ካልእን ዝመጻ እዮን ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፡ ሱፕሪም ኣስታት 100 ኣባላት ናብ ጕጅለኣ ስሒባ ኣላ ። ብዙሓት ብ ኦንላይን ብ '4Bs' ከምዝምርሓ ይገልጻ እንተኾነ ግን ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ከምዘይብለን ይዛረባ ።
ምንቅስቓስ 4B ካበይ እዩ ተበጊሱ?
እቲ ኣብ መፋርቕ 2010 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ፡ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ክምርዓዋ ኣለወን ዝብል ባህላዊ ኣካይዳ ንምቅዋም "ኣይንምርዓውን" ብዝብል ጎስጓስ እዩ ተጀሚሩ ።
እቲ ምንቅስቓስ ፡ ብ2018 ብቪድዮታት ዝተላዕለ ፡ ማለት ኣንስቲ ኣብ መሕጸቢ ሰብነት ወይ ጾታዊ ርክብ እናገበራ፡ መብዛሕትኡ ብሰብኡት ብሕቡእ ተቐሪጸን ኣብ ማሕበራዊ መራሐቢታት ምስተፈነወ ፡ እቲ ምንቅስቓስ ደልዲሉ ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ገበን ንምቅዋም ናብ ሶል ከዱ ።

ደቂ ኣንስትዮ ተቓወምቲ ፡ ኣብ ነሓሰ 2018 ፡ ኣብ ሶል ርእሲ ከተማ ደቡብ ኮሪያ ኣንጻር 'ሰላዪ-ጾታዊ ርክብ ቪድዮታት' ወይ 'ፖርኖግራፊ' ብምቅዋም ሰልፊ እናገበራ ። Source: AFP, Getty / Ed Jones
ሚርያ ንብዙሕ ዓመታት ብ ኣካይዳ 4Bs ክትምራሕ ጸኒሓ
ንሚሪያ ፡ ኣብ ኵሉ ደረጃ ህይወታ ፡ ብዓመጻ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓለፈ እዩ። ነቲ ጕጅለ ኸትዛረቦ ከላ ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ እተጨይውትን ዉጻእ መዓት ጾታዊ መጥቃዕቲ ምዃናን ገሊጻ ።
ኣዲኣን ዓባያን ግዳያት ዓመጻ ከም ዝዀና ትዛረብ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ፡ ካብ ሰብ ኡት ክትርሕቕ ከም ዝመረጸት ትገልጽ ። ከምኣ ዝኣመሰላ ሰባት ምርካባ ከም እተሓጐሰት ድማ ትገልጽ ።

Almost 90 per cent of Australian victims of intimate partner homicides are women. Source: AAP / Lukas Coch
እሞ እዚ ምንቅስቓ ኣብ ደቡብ ኮርያ ለውጢ ኣምጺኡዶ?
ገለ ሰባት እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝግበር ምንቅስቓስን ጽልዋኡን ኣብ ኢንተርነት ከም ዝተጋነነ ይዛረቡ ።
እንተኾነ ናይ ፒኤችዲ ተመራማሪት ዩን-ሄ ቾ ካብ ዮንሲ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኮሪያ ከምዝበለቶ ፡ እቲ ምንቅስቓስ ህቡብነቱ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ እናደኸመ እንተ ኸደ'ኳ ፡ ኣብ ኮርያ ባህላዊ ትጽቢታት ጽልዋ ኣይነበሮን ንዝብል ሓሳብ ትነጽጎ ።
"ኣንስቲ ንሰብኡተን ተመርዕየን ኣንስቲ ሰብኣይ፡ ኰይነን ወይ ኣደ ኰይነን ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ህይወት ክህልወ ከሕልፋ ከም ዝኽእላ ንኺፈልጣ ሓጊዝወን እዩ ።"
ንሳ ግን ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ንገሊአን ኣንስቲ እንተላይ ንእተመርዓዋ ኣንስቲ ጸገም ከም ዘምጽእ ትገልጽ ።
እዚ ዛትሕዝቶ ዝኾነ ስምዒትት እንተፈጢሩልኩም ፡ ሓገዝ ካብ ናይ Lifeline 13 11 14 ይርከብ ።